“ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ሓይሊ ዘሎ ጉዳይ፡ ብሕግን ብሕግን ጥራይ ክምለስ'ዩ” ኣብዪ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, ETV SCREENSHOT

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዝመለሰ ኾይኑ፡ ንቅዋም መንግስቱ’ውን ገሊጹ።

ብተደጋጋሚ ካብ ኣባላት ባይቶ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት፡ ምስሕሓብ መንግስቲ ፌደራልን ክልል ትግራይን ዝምልከት ይርከቦ።

ገለ ኣባላት ባይቶ ኣብ ሕቶኦም፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ “ብኢደ ወነኑ ይኸይድ ኣሎ” ክብሉ ተሰሚዖም።

ብፍላይ ሓደ ኣባል ባይቶ ድማ፡ ንህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ጎንጽታት ብምፍጣር ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ኣብ ዶብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝለዓል ናይ “ይግበኣኒ ሕቶ” ንምንታይ እዩ ክሳብ ሕዚ ፍታሕ ዘይረኸበ ክብል ሓቲቱ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ "ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ሓይሊ ዘሎ ጉዳይ፡ ብሕግን ብሕግን ጥራይ ክምለስ እዩ” ዝብል ሓጺር መልሲ ሂቡሉ።

ብተወሳኺ ንኣብዪ ኣሕመድ ካብ ዝቐረቡ ሕቶታት ‘መንግስትኻ ፌደራላዊ ስርዓት ኣፍሪሱ፡ ኣሃዳዊ ስርዓት ክተክል ይሰርሕ ኣሎ ድዩ?’ ዝብል ነይሩ።

መንግስቲ ክልል ትግራይን ውድብ ህወሓትን፡ ንመንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ብ “ኣሃዳውነት” ክኸስስ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

"ፌደራላዊ ማለት ዴሞክራሲያዊ፡ ኣሃዳዊ ግን ዘይዴሞክራሲያዊ እዩ” ዝብል ክትዕ ንፖለቲካ ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ እዩ ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብዙሓት ኣሃዳዊ ስርዓት ዝኽተላ ሃገራት ‘ዴሞክራሲያዊ እየን’ ኢሉ።

ድሕሪ ለውጢ፡ “መንግስቲ ፌደራል ኣብ ጉዳይ ዝኾነት ክልል ኢዱ ኣይሓወሰን” ድማ ኢሉ።

ቅዋም መንግስቱ ክገልጽ እንከሎ ግን፡ መንግስትና “ሓቀኛ ዴሞክራሲያዊ ፌደራላዊ ስርዓት እዩ ዝሃንጽ ዘሎ” ኢሉ።

ኣብ ጉዳይ ቁጠባ እንታይ ኢሉ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣስፍሕ ኣቢሉ ዝተዛረበሉ ክኸውን ከሎ፡ ሓፈሻዊ ኩነታት ቁጠባ እታ ሃገር "ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ እዩ” ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝበሎ፡ ካብ ሓምለ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘለዉ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ “ካብ ናይ ወጻኢ ንግዲ 832 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ” ኢሉ።

እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን እንትነጻጸር “ናይ 15 ምኢታዊት ዕብየት ኣለዎ” ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ምውህለል ሸርፊ ወጻኢ’ውን ‘ጽቡቕ ስራሕ ተሰሪሑ’ እዩ ብምባል፡ "ሸርፊ ወፃኢ 20 ምኢታዊት ወሲኹ” ክብል ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሸርፊ ወጻኢ "ክሳብ ክንድ’ቲ ዘጃህር ኣይኮነን" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ በዳሂ ኮይኑ ዘሎ “ናህሪ ዋጋ” ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ምግቢ-ተንከፍ ኣቑሑ ናህሪ ዋጋ 21 ምኢታዊት ከምዝኾነ ገሊጹ።

መግቢ ተንከፍ ኣብ ዘይኮኑ ኣቑሑ ድማ፡ 18.7 ምኢታዊት ናህሪ ዋጋ ከምዝተርኣየ ገሊጹ።

ምስ ምቕያር ባጤራ (ቅርሺ) ብዝተኣሳሰር ድማ፡ 100 ቢልዮን ብር ሓድሽ ባጤራ ከምዝተዘርገሐ ገሊጹ።

ምስ’ዚ ብዝዛመድ፡ 1.3 ሚልዮን ሓደሽቲ ሰባት ናይ ሕሳብ ባንኪ ከፊቶም እዮም ድማ ኢሉ።

ዛጊድ፡ 37 ቢልዮን ብር ኣብ ባንኪ ክዕቆር ከም ዝኸኣለ’ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ።

ጎንጽን ጉዳያት ጸጥታን

ቀደማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምክልኻል ሃገር ኣብ ጽቡቕ ቁመና ኣሎ፤ ንልኡላውነት ሃገር ዘስግእ'ውን የብልናን ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጎንጽታት ዝሞቱ ሰባት ምስ’ቲ ጉዳይ ዘተኣሳስር የብሎምን። ፖለቲካዊ ‘ባእሲ ክልተ ኣናብስ፡ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዝሞቱ እዮም’ ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ንዘጋጠመ ጸገም ጸጥታ ብዝምልከት ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ወፍሪ ተኻይዱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተማሪኾምን ሃዲሞምን እዮም ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ድማ “መስዋእቲ ከፊሉ እዩ” ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ‘ኣብ ውሽጥና ኣለዉ’ ዝበሎም “ባንዳታት” ምስ ናይ ወጻኢ ጸላኢ ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ናይ ሚድያ ፕሮፖጋንዳ ንምስራሕ ብናጻ ሳተላይት ክረኽቡ፣ ናይ ዲፕሎማሲ ሰንሰለታት ክጥቀሙን ምስ “ጸላእቲ” ይሰርሕ ኣለዉ ድሕሪ ምባል “ተረፍ መረፍ ክላሽን ብሬንን’ውን የእትዉ እዮም” ክብል ተዛሪቡ።

እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣለዉ ዝበሎም “ባንዳታት” ኮኑ እቶም ናይ ደገ “ጸላእቲ” መን ምዃኖም ኣይገለጸን።

ፖለቲካዊ ወጥሪ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ክልል ትግራይን