ኣብ ኢትዮጵያ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ገበነኛታት ዝምዝገብሉ ስርዓት ተግባራዊ ክኸውን'ዩ

ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መናእሰይን ኣብ መሪሕ ትልሚ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ካብ ሞንጎ ዘስፈሮም መደባት ፖሊስ ሓይሊ ዕማም ጸረ መጥቃዕትን ስርዓት መረዳእታ ኣድራሻ ብሄራዊ ጥቕዓትን ተግባራዊ ምግባር ዝብሉ ይርከቡዎ።
እቲ ሚኒስትሪ ኤጀንሲ ኩለ መዳያዊ ተጠቃምነት ህጻናትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ህጻናትን ንምዝርጋሕ መደብ ከም ዘለዎ'ውን ኣፍሊጡ።
ብቐንዱ ግን፡ ፖሊስ ሓይሊ ዕማም ጸረ መጥቃዕትን ስርዓት መረዳእታ ኣድራሻ ብሄራዊ ጥቕዓትን እንታይ'ዩ? ክንብል ሓቲትና።
ፖሊስ ሓይሊ ዕማም ጸረ መጥቃዕቲ
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስትሪ ኣቶ ኣድነው ኣበራ፡ ካብ ቢሮ ፍትሒ፣ ጥዕናን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝተወጻጽኡ ኣካላት ኣብ ትሕቲ እዚ ሓይሊ ዕማም ክካተቱ'ዮም ኢሉ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ዝምልከት ጥራሕ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ እዩ።
"እቲ ሓይሊ ዕማም መጥቃዕቲ ከየጋጠመ ኣቐዲሙ ይከላኸል። እንተጋጥም ድማ ሓበሬታ ኣኪቡ እቲ ጉዳይ ክሳብ ቤት ፍርዲ ይወስዶ" ይብል ኣቶ ኣዳነው።
ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ግንዛበ ብምሃብ ጥራሕ ምክልኻል ስለ ዘይክኣል ከምዚ ዓይነት ስርዓት ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ ዝብል እቲ ሓላፊ፡ "ዝተፈላለዩ ትካላት ተዋዲዶም እንተዘይሰሪሖም ሓደ ትካል ጥራሕ ክዕወት ኣይኽእልን" ኢሉ።
እዚ ጉዳይ፡ ምስ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራልን ፖሊስ ኮሚሽንን ይዝተየሉ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ሓበራዊ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2013 ኣብ መላእ ሃገር ተግባራዊ ከም ዝኸውን ኣቶ ኣድነው ንቢቢሲ ገሊጹ።
ስርዓት መረዳእታ ኣድራሻ ብሄራዊ ጥቕዓት
ስርዓት መረዳእታ ኣድራሻ ብሄራዊ ጥቕዓት (ናሽናል ሴክስ ኦፌንደርስ ሬጅስትሬሽን) ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘብጽሑ ገበነኛታት ዝምዝገብሉ ስርዓት'ዩ።
"ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን መጥቃዕቲ ዘብጽሕ ብሕጊ ተሓታቲ ኮይኑ ምውጻእ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ህይወቱ ሙሉእ ተሓታቲ ዝኾነሉን ዝሓፍረሉን ስርዓት'ዩ" ክብል ኣቶ ኣድነው ይዛረብ።
እዚ ስርዓት ገበነኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽኡ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንከይረክቡ ይእግዶም።
እዚ ገበነኛታት ንምቕጻዕ፣ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ኣደብ ንምትሓዝን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝበጽሕ መጥቃዕቲ ዘይትጻወር ምዃና ንምርኣይን ክሕግዘና እዩ ኢሉ።
ብኸመይ ይፍጸም?
መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ጾታዊ መጥቃዕቲ ብኣባላት ስድራ፣ ዘመድ፣ ጎረቤት ወይ ድማ ካልእ ናይ ቀረባ ሰብ ስለ ዝፍጸም፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ህጻናት ብኸመይ ትፈልዩዎም? ክንብል ንኣቶ ኣድነው ሓቲትናዮ።
ንሱ ከም ዝብሎ ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ወይ'ውን ኣብያተ ትምህርትን መምሃራንን ሓበሬታ ብምእካብ ዝስራሕ ክኸዉን እዩ።
"መምሃራን ተመሃሮኦም ዘርእዩዎ ባህሪ ይፈልጡዎ'ዮም። ምትካዝ፣ ብቐሊሉ ትምህርቲ ዘይምቕባል ወዘተ . . . ኣለው" ብምባል እቲ ሓይሊ ዕማም ምስተጣየሸ ካልኦት ኣሰራርሓታት'ውን ከም ዘውጽእ ኣብሪሁ።
ካልእ፡ ኩለመዳያዊ ተጠቃምነት ህጻናት (ዩኒቨርሳል ቻይልድ ቤነፊት) እዩ።
ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ዘይዕድመ መርዓን ድኽነትን ኣብ ዝበዝሖ ከባቢ፡ ኣዴታት ካብ 0 ክሳብ 2 ወይድማ ክሳብ 5 ዓመት ህጻናት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝረኽባሉ ፕሮጀክት'ዩ።
"እዚ ብተዘዋዋሪ መጥቃዕቲ ንምክልኻል እጃም ክህልዎ'ዩ። ኣደ ቑጠባዊ ዓቕማ ንምዕባይን ስርዓት ኣመጋግባ፣ ጥዕናን ዕብየት ኣእምሮን ሓዊሱ ንህጻናት ኩለመዳያዊ ዕብየቶም ንምርግጋጽ ዝግበር ሓገዝ እዩ" ይብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







