ውድድር 'ወ/ት ድንግል መቐለ' ንምውዳብ ዝተበገሰ ሓሳብ ብሓያል ተቓውሞ ተቛሪጹ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሓደ ኣዳላዊ ትካል ፡ "ወ/ት ድንግል መቐለ" ዝተባህለ ውድድር ከዳሉ ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክወዓዋዕ ቀንዮ ነይሩ።
እቲ ውድድር፡ ደናግል ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ ዝሳተፋሉ ክኸውን'ዩ ብዝብል ዝተበገሰ'ዩ።
"ዓብይ ክብሪ ዓብይ ሽልማት፡ መጺእክን ተመዝገባ ተወዳደራ ተሸለማ" ይብል እቲ ብኣዳለውቲ ዝተዘርግሐ ናይ መወዓውዒ ፖስተር።
ይኹን እምበር ካብ ህዝቢ ሓያል ተቓውሞ ስለዝገጠሞ ተቛሪጹ ከምዘሎ ሰብመዚ ጥዕና ገሊጾም ኣለዉ።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶ/ር ሓጎስ ጎደፋይ፡ እቲ መደብ ደው ክብል ምስ ኣዳለውቲ ምርድዳእ ከምዝተበጽሐ ተዛሪቡ።
"እዚ ፕሮግራም ኣብ [ደቂ-ኣንስትዮ] ይኹን ኣብቲ [ማሕበረሰብ] ዝፈጥሮ ዝተፈላለየ ፀገም ስለዘሎ ጠጠው ክብል ተረዳዲኢና ኣለና" ክብል ዶ/ር ሓጎስ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
"መድረኽ ብጃንዳ (መርሃዊ ገ/ስላሴ) ኢቨንትስን ስራሕቲ ኪነ-ጥበብን" ዝተባህሉ ኣዳለውቲ ናይቲ መደብ፡ ንቢሮ ሓለዋ ጥዕና ፍቓድ ሓቲቶም ምባሮምን እቲ ቢሮ ድማ ጠጠው ንከብሉ ምላሽ ደብዳቤ ፂሒፉ ከምዘሎን'ውን፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ፈይስቡክ ገሊጹ'ሎ።
"እቲ [ከተዳልውዎ] ሓሲብኩም ዘለኹም መድረኽ ትክክለኛ ዘይኾነን ኣብ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ይኹን ማሕበረሰብ ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ኸቢድ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ብውድብ ዓለምለኸ ጥዕና እው እንተኾነ ብጥብቒ ዝተኸልከለን።
"ብኣንጻር ሕክምናዊ ስነምግባር እውን [እንትርኣይ] ነቲ በዓልሞያና ዘናእስን ካብቲ ናይ ግልጋሎት ሕክምና ዝእዝዞ ወጻኢ እውን ስለዝኾነ ሕቶኹም ከምዘይተቐበልናዮ እንዳሓበርና እቲ ጀሚርክምዎ ዘለኹም ምንቅስቓስ ጠጠው ክተብልዎ ብጥብቒ ነተሓሳስብ" ይብል እቲ ቢሮ ኣብ ፈይስቡክ ዘውጽኦ ናይ ምላሽ ደብዳበ።
እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓቢ መዘራረቢ ነጥቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ፡ ዝበዝሑ ሰባት ክኹንንዎ እንከለዉ፡ ሰብመዚ ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ዝንእድ'ዩ።
ሓንቲ መብራት ዮሃንስ ዘፈሩ ዝተባህለት ተጠቃሚት ትዊተር ነቲ ሰብመዚ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ብምድጋፍ፡ "ኽብሪ ደቂ ኣነስትዮን ኽብሪ ማ/ሰብ ትግራይን ለሐሉ ስራሕ ኢኻ ሰሪሕኻ የቐንየልና" ክትብል ጽሒፋ።
ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ'ውን ገለ ብሕጊ ክሕተቱ ኣለዎም ዝብሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ ኣብ ድልየት እተን ደቂ-ኣንስትዮ ዝምርኮስ'ዩ ብምባል ነቲ ውድድር ደገፎም ዝገለጹ ኣለዉ።
'ድንግልና ብገንዘብ ዝሽየጠሉ ኩነታት ይረአ'ሎ'
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ጾታዊ ዓመጻት ክካየድ ምጽንሑ ንብዙሓት ከሻቕል ዝጸንሐ ጉዳይ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብዘይካ'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣቐዲሙ፡ ብማእኸላይ ኣብ 17ን 18ን ዕድመ ከም ዝነበረን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ኣብ መጀመርታ ዓሰርተታት ዕድመ ሕልፍ ኢሉ'ውን ትሕቲ 10 ዓመት ጸታዊ ርክብ ክጅምሩ ይርአ ከምዘሎ ሰብመዚ ጥዕና ይገልጹ።
እዚ ድማ፡ ህጻናትን ቖልዑትን ነቲ ሕማም ኤች-ኣይ-ቪ ኤድስ ዘለዎም ተቓላዕነት ከጋድዶ'ዩ ተባሂሉ ይእመን። ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ሓሓሊፉ ድንግልና ብብርክት ዝበለ ገንዘብ ናይ ምሻጥ ኩነታት ከም ዝረአ ጸብጻባት ሰብመዚ ጥዕና ይሕብሩ።
ብኣንጻር ኣብታ ከተማ ዘሎ ምንቅስቓስ ንግዲ ስጋዊ ርክብ፡ ንሓዳርካ እሙን ናይ ምኻን ይንኪ ምህላው፡ መጽናዕቲ ቤት ጽሕፈት ምክልኻን ምቁጽጻርን ኤችኣይቪ ፌደራል የመልክት ይብል ኣቶ ታሪኩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







