ኤችኣይቪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ለበዳ በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, FAROOQ NAEEM
ኤችኣይቪ ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዘይካ ኣብ ሰለስተ ክልላት፡ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ለበዳ ከም ዝርከብ ቤት-ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ኤይድስ ፌደራል ንቢቢሲ ገሊፁ።
ክልላት ጋምቤላ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋ፣ ሃረር፣ዓፋር፣ ትግራይ፣ ኣምሓራን ቤንሻንጎል ጉሙዝን፡ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ለባዳ ዝርከባ ምኻነን ሓበሬታ እቲ ቤት ጽሕፈት የመልክት።
ክልላት ሶማሌ፣ ኦሮሚያን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታት ደቡብ ድማ እተን ኣብ ደረጃ ለበዳ ዘይበጽሓ ከባቢታት እታ ሃገር ምኻነን ዳይሬክተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን እቲ ቤት-ፅሕፈት ኣይተ ዳንኤል በትረ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ብመሰረት ሕጊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ልዕሊ ሓደ ሚእታዊት በቲ ሕማም እንተድኣ ተታሒዙ ከም ለባዳ ከም ዝቑፀር ብምግላጽ፡ እዘን ክልላት ኣብ ለበዳ ከም ዝርከባ ሓቢሩ።
ይኹን'ምበር ብደረጃ ሃገር ዘሎ መጠን ምልባዕ፡ ለበዳ እዩ ንምባል ከም ዘይከኣል የረድእ።
ብመናእሰይ እታ ሃገር ዝተረስዐ ኤችአይቪ
ኣብ መናእሰይ ልዑል ምዝንጋዕ ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ በብዓመቱ ልዕሊ 23 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር በቲ ቫይረስ ከም ዝተሓዙን ልዕሊ 11 ሽሕ ድማ ብኤድስን ተዛመድቲ ሕማማትን ከም ዝሞቱን ሓቢሩ።
እዚ ኣሃዝ ምስ ዝሓለፉ ዓመታት እንክነፃፀር ይንክይ እዩ ዘሎ ዝበለ ኣቶ ዳንኤል፡ እዚ ግና ከም ሃገር "ምዝንጋዕን ሸለልትነትን ፈጢሩ"፤ ብምኽንያት እዚ ድማ እቲ ቫይረስ ምህላዉ'ውን ዝረስዑ ክፋላት ሕብረተሰብ ከም ዘለዉ ይዛረበ።
እዚ ዚያዳ ኣብ መናእሰይ ዝስትውዓል ጸገም ምኻኑ ዘልዕል ኣቶ ዳንኤል፡ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ኣብ ፍሉያት ፕሮጀክትታት፣ ኣብ ፋብሪካታት ዕምበባ፣ ኣብ ፋብሪካ ሽኮርን ምቑራፅ ቃንጫ ሽኮርን ዝተዋፈሩ መናእሰይ፡ እቲ ቫይረስ ምህላዉ ዝረስዑ ክፋላት ሕብረተሰብ'ዮም ኢሉ።

ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዝርገሐ ኤች አይ ቪ
- ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዝርግሐ ቫይረስ ኤች ኣይቪ ምንካይ ኣርእዩ፤ ብኣሃዝ እንክግለፅ ድማ 0.91 ሚኢታዊት ኣሎ
- ካብቲ ብደረጃ ሃገር ዘሎ ዝርገሐ ልዕል ኢሉ ዝተመዝገበለን ክልላት ግን ኣለዋ፡ ኣብ ክልል ጋምቤላ 4.8 ሚኢታዊት
- ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 3.4 ሚኢታዊት
- ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን 1.2 ሚኢታዊት ዝርግሐ ኤች ኣይቪ እንትህልወን፡ ኣብዘን ክልላለት እቲ ቫይረስ ኣብ ደረጃ ለበዳ ከም ዝርከብ ሓበሬታ እቲ ቤት ጽሕፈት የመልክት
- ከምኡ'ውን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ፣ ክልል ሃረር፣ ክልላት ዓፋርን ቤንሻንጎል ጉሙዝን ተመሳሳሊ ኣብ ዘሰክፍ ናይ ለበዳ ደረጃ ይርከብ
ትሑት መጠን ዝርግሐ ኤች ኣይቪ ዘለወን ከባቢታት
- ኣብ ክልል ሶማሌ 0.01 ሚኢታዊት እንትኾን ኣብ ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ድማ 0.04 ሚኢታዊት ይርከብ
- ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዘሎ መጠን ዝርግሐ ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ኣብ ፋይቶት ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ቑጽሪ ይሕዛ [23 ሚኢታዊት]
- ኣስኡነን ብሞት ኣብ ዝሰኣና ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ዝርግሐ ኤች ኣይቪ ድማ 19 ሚኢታዊት ከም ዝኾነ ኣይተ ዳኒኤል ዝሃበና ሓበሬታ የመልክት
- ብሸነኽ መራሕቲ ዓበይቲ መካይንን ተሃነጽቲ ሕግን ዘሎ መጠን ብኣንጻር እቲ ሃገራዊ ኣሃዝ ልዕል ኢሉ ከም ዝርከብ'ውን ኣብሪሁ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስጋዊ ርክብ ዝጅመረሉ ዕድመ
ኣቶ ታሪኩ ሞላ በዓል ሞያ ክትትልን ገምጋምን ቤት ጽሕፈት ምክልኻልን ምቁጽጻርነ ኤችኣይቪ ፌደራል'ዩ።
ኣብ ከተማታት ዘሎ ዝርግሐ እዚ ሕማም ካብቲ ብደረጃ ሃገር ዝርአ ልዕል ዝበለ ምኻኑ እንትገልጽ፡ ኣብ ከባቢታት ገጠር ዝተሓተ ምኻኑ ይሕብር።
ካብ ክልል ጋምቤላ ቐጺሉ ግን፡ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዝለዓለ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ዘለዋ ከተማ እያ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብታ ከተማ ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘመላኽቶ፡ ኣብ 10ቲአን ክፍለ ከተማታት፡ ኤችኣይቪ ንምጋፋሕ ምቹእ ኩነታት ዘለዎም ከባቢታት ፈልዩ የርኢ።
እዚኦም ድማ፡ እንዳ መስተን ግሮሰሪታትን ዘለዎምን መቐበልን መዕረፊን ኣጋይሽ ብዝብል ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ዝህቡ ህንጻታት፣ እንዳ ማሳጅ፣ እንዳ ሺሻ፣ በጻሕቲ ዓዲ ዘዘውትሩሎም ከባቢታት ከም ዝኾኑ እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ።
እዞም ከባቢታት፡ ኣብ 10 ክፍለከተማታት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ወረዳታት ከም ዝተነጸሩ ዝገልጽ ኣቶ ታሪኩ፡ እቲ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ'ውን ኣብዚኦም ዘተኮረ ምኻኑ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Daniel Betre
ዋላ'ኳ እዞም ትካላት ኣብ ዝተጸንዓ ክፍለከተማታት ዝርከቡ እንተኾኑ፡ ብብዝሒ ግን ኣብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ፣ ኣዲስ ከተማ፣ ቦሌን ቂርቆስን ዝርከቡ እዮም።
እቲ ቫይረስ ንክጋፋሕ ኣስተዋጽኦ ዝገብሩ ባህሪያት ብምልዓል፡ ኣብታ ከተማ ጥንቃቐ ዝጎደሎ ስጋዊ ርክብ በብግዚኡ እናዓበየ ከም ዝመጽአ እቲ መጽናዕቲ ይጠቅስ።
እዚ ድማ፡ ካብ ሓዳር ወጻእ ከምኡ'ውን ምስ ፋይቶት ዝፍጸም ስጋዊ ርክብ ዘካተተ'ዩ።
ኣብ ኣጠቓቕማ ኮንደም ዝተኻየደ መጽናዕቲ'ውን፡ መናእሰይ ኣዲስ ኣበባ፡ ኮንደም ብኣግባቡን ቐጻልነት ብዘለዎን ኣገባብ ኣብ ምጥቃም ዘለዎም ልምዲ ትሑት ምኻኑ'ዩ ዝሕብር።
ተጠቃምነት ዕጸ ፋርስን ካልኦት ሓደገኛ ኣደንዘዝቲ ወልፍታትን ሰፊሕ ምኻኑ ዝገልጽ ኣቶ ታሪኩ፡ ኣብታ ከተማ ስጋዊ ርክብ ዝጅመረሉ ዕድመ'ውን እናነከየ ምምጽኡ ተዛሪቡ።
ቅድም ኢሉ ብማእኸላይ ኣብ 17ን 18ን ዕድመ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ሕጂ ኣብ መጀመርታ ዓሰርተታት ዕድመ ሕልፍ ኢሉ'ውን ትሕቲ 10 ዓመት ጸታዊ ርክብ እንክጅምሩ ይርአ ኣሎ ኢሉ።
እዚ ድማ፡ ህጻናትን ቖልዑትን ነቲ ሕማም ዘለዎም ተቓላዕነት ከጋድዶ'ዩ ተባሂሉ ይእመን። "ሓሓሊፉ'ውን ድንግልና ብብርክት ዝበለ ገንዘብ ናይ ምሻጥ ኩነታት ኣብታ ከተማ ይርአ ኣሎ' ይብል ኣቶ ታሪኩ።
ብኣንጻር ኣብታ ከተማ ዘሎ ምንቅስቓስ ንግዲ ስጋዊ ርክብ፡ ንሓዳርካ እሙን ናይ ምኻን ይንኪ ምህላው፡ መጽናዕቲ ቤት ጽሕፈት ምክልኻን ምቁጽጻርን ኤችኣይቪ ፌደራል የመልክት ይብል ኣቶ ታሪኩ።
መናእሰይ፡ ናይ ስጋዊ ርክብ መላፍንቶም ናይ ምቅይያር ባህሪ ተራእዩዎም'ዩ ብምባል፡ ሰፊሕ ግንዛበ ተፈጢሩ'ዩ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ሕጂ'ውን ግጉይ ኣረኣእያ እቲ ሕማም ብሰፊሑ ከም ዘሎ ብመጽናዕቲ ኣረጋጊጽና ኢና ኢሉ።
ክልል ኣምሓራ
ኣብዚ ክልል፡ ቑጽሪ ብኤችኣይቪ ዝተሓዙ ኾነ በዚ ምኽንያት ዝሞቱ ሰባት ይንኪ ከም ዘሎ፡ ኣዋሃሃዲ ምልዕዓልን ምጥንኻርን ሕብረሰብ ከምኡ'ውን ምስፋሕ ምላሽ ኤችኣይቪ ሕብረሰተብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣቶ በቃሉ ዳኜ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ ክልል ዘሎ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ጉራማይለ እዩ ዝብል ኣቶ ዳኜ፡ "ብሓፈሻ ዘሎ ዝርግሐ 1.2 ሚኢታዊት ወይ ድማ ካብ ሓደ ሽሕ ሰባት እቶም 12 እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ክህሉ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይግመት" ኢሉ።
ኣብ ገለ ከተማታት እቲ ክልል ድማ ዝለዓለ ዝርግሐ ኣሎ ዝብል እቲ ኣዋሃሃዲ፡ ካብ ሓደ ሽሕ ሰባት፡ ክሳብ 41 ዝበጽሑ ሰባት እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ኣሎ ተባሂሉ ከም ዝሕሰብ የብርህ።
"ኩነታት ዝርግሐ ኤችኣይቪ እዚ ክልል፡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ እንትርአ ልዕሊ 30 ሚኢታዊት ብጽሒት እንትሕዝ፡ ቑጽሪ ሓድሽ በዚ ሕማም ዝጥቅዑ ሰባት ድማ 29 ሚኢታዊት ብጽሒት ይወስድ። ምስ ኤችኣይቪ ተዛሚዱ ካብ ዝሞቱ ድማ 32 ሚኢታዊት ይሕዝ" ኢሉ።
ካብዚኦም፡ ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ምኻኑ ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ 66 ከተማታት ልዑል ዝርግሐ ኤችኣይቪ ኣለወን ተባሂሉ ዝተነጸራ ኮይነን፡ ካብዚአን ሽዱሽተ ዝኾና እቲ ዝዓበየ ብጽሒት ይወስዳ ይብል ኣቶ ዳኜ።
ዋሕዲ ግንዛበ፣ ኣብ ምክልኻል ዘለው ስራሕቲ ምዝሕሓሎምን ውፍይነት ኣመራርሓ ምንካዩን፣ ምግላል "እቲ ቫይረስ ዳግም ከየንሳእርር ዋሕስ ዝህብ ኣይኮነን" ኢሉ።
ክልል ኦሮሚያ
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ብሓፈሻ 178 ሽሕ ሰባት [0.67 ሚኢታዊት] እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ከም ዘሎ፡ ብደረጃ ሃገር ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ'ዩ ዝበለ፡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣቶ ነጋሽ ስሜ'ዩ።
ኣብ ከተማ ዘሎ ዝርግሐ ሰፊሕ ምኻኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ከተማታት ዘሎ ዝርግሐ 3 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሕን እዚ ቑጽሪ ቀሊል ዝበሃል ከም ዘይኮነን ተዛሪቡ።
ፋይቶት፣ ሰራሕተኛታት እንዳ መስተን ሺሻን፣ መራሕቲ ዓበይቲ መኪና ድማ፡ ዚያዳ ነቲ ቫይረስ ዝተቓልዑ ክፋላት ሕብረሰተብ'ዮም።
ዕድሚኦም ካብ 15 ክሳብ 24 ዝኾኑ መናእሰይ ነዚ ቫይረስ ዘለዎም ተቓላዕነት ሰፊሕ'ዩ ዝበለ ኣቶ ነጋሽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2018 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 76 ከተማታት ኦሮሚያ ብብዝሒ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ዝርኣየለን ከተማታት ምኻነን ኣረጋጊጹ'ዩ ኢሉ።
ከተማታት ኣዳማ፣ ሞጆ፣ ኣሰላ፣ ሻሸመኔ፣ ነቀምቴ፣ ጅማ፣ ባሌ ጎባን ሻኪሶን ብኣውራ እዚ ቫይረስ ዝነገሰለን ከተማታት ምኻነን እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
እቲ ሕጂ ዘሎ ዘሰክፍ ደረጃ ለበዳ ኤችኣይቪ ቫይረስ ንምክልኻል ትኹረት ተዋሂቡ እንተዘይተሰሪሕሉ ቑጽሩ ክውስኽ ዘኽእል ዕድል ከም ዘለዎ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ቤት ጽሕፈት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ኤችኣይቪ ፌደራል ኣቶ ዳንኤል የገንዝብ።
"እዚ ምዝንጋዕ እንተዘይተሰይሩ ከቢድ ዋጋ ከኽፍለና'ዩ" ብምባል፡ ስነ ልቦናዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ኢሉ'ውን ፖለቲካዊ ጸቕጢ ከሕድር ከም ዝኽእል የጠንቅቕ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







