'ኣደይ ኤችኣይቪ ከምዘለኒ ከይነገረትኒ ሞይታ'

ገለ ኬንያውያን ወለዲ፤ ሚስጢሮም ሓቢኦም እዮም ንመቓብር ዝወርዱ፤ ደቆም ድማ ብዛዕባ ጥዕነኦም ከይፈለጡ ይተርፉ።
ብርያን ኦማንዲ ይበሃል፤ ገና ወዲ 10 ዓመት እንከሎ ጀሚሩ መድሓኒት ጸረ ኤችኣይቪ ይወስድ ነይሩ።
ግን ከኣ፤ እቲ ዝወስዶ መድሓኒት ናይ ምንታይ ምዃኑ ዝፈለጠ ወዲ 14 ዓመት ምስኮነ እዩ፤ ንሱ'ውን ኣዲኡ ምስ ሞተት።
ሕዚ ወዲ 22 ዓመት ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኤችኣይቪ ኣስተምህሮ ኣብ ምሃብ ምስ ሓደ ናይ ቤተክርስትያን ጉጅለ ይሰርሕ።
ኣብታ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ሞምባሳ እዩ ዓብዩ። ቆልዓ እንከሎ ብዙሕ ግዜ ይሓምም ከምዝነበረ ይዝክር።
"ብዙሕ ግዜ ይሓምም ነይረ፡ ምስገደደኒ ግን ኣደይ ክምርመር ከምዘለኒ ወሲና" ይብል።
"ኤችኣይቪ ከምዘለኒ ብምርመራ ምስተፈለጠ፡ መድሓኒት ጸረ ኤችኣይቪ ክወስድ ጀሚረ፤ ኣደይ ግን ንምንታይ ነዚ መድሓኒት ይወስዶ ከምዘለኹ ኣይነገረትንን"
ኣዲኡ ምስሞተት ምስ ኣሞኡ ክነብር ጀሚሩ። ሽዑ እዩ እምበኣር፡ ኣብቲ ጥቡቕ ማሕበራዊ ርክባት ዘለዎ ማሕበረሰብ፡ ኤችኣይቪ ከምዘለዎ ክዝረብ ዝጀመረ። መሓዙቱ ድማ ክላገጽሉ ጀሚሮም።
ገለ ወለዲ፡ ደቆም ኤችኣይቪ ምስ ዘለዎም ቆልዑ ከይጻወቱ ይምዕዱ።
"ሓደ እዋን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝፈልጣ ቆልዓ 'ኣንታ ኤችኣይቪ ዘለዎ' ኢላ ክትጽወዐኒ እዝክር" ዝብል ብርያን፡ እዚታት ከምዘሕዝኖ ይገልጽ።
ጸልማት ተጎልቢብካ መድሓኒት ምውሳድ
ኣብ ኬንያ ኮነ ካልኦት ሃገራት ትሕቲ ሳህራ፡ ኣብዝሓ ሕድሽ መልከፍቲ እቲ ሕማም ኣብ መናእሰይ እዩ ዝረኣይ፤ እንተኾነ እቶም ምስቲ ቫይረስ ዝውለዱ ግና ተሓቢኦም እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።
ዊኒ ኦሬንዴ ድማ ሕዚ ጓል 27 ዓመት እያ። ጓል 12 ዓመት ቆልዓ እንከላ ኤችኣይቪ ከምዘለዋ ምስፈለጠት ከመይ ከምዝሰምበደት ትዝክር።
"አደይ ምስሞተት ድሕሪ ክልተ ወርሒ፤ ሓኪም ንዓባይ ሓፍተይ ደዊሉ በይነይ ናብ ሆስፒታል ከይደ ክረኽቦ ነጊርዋ" ትብል።
እቲ ሓኪም ኣዲኣ ብኤይድስ ከምዝሞተት ይፈልጥ ነይሩ - ስለዝኾነ ድማ ንዓኣ'ውን ክምርምራ ደልዩ። 'ፖዝቲቭ' ኮይና።
"ኣብቲ ዕድመ ንሱ፤ ድንግርግር ኢሉኒ። ቅድሚኡ ጾታዊ ርክብ ገይረ ኣይፈልጥን፤ ኣመንዝራ'ውን ኣይኮንኩን፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ኤችኣይቪ ይሕዘኒ?"
ካብ ኣሕዋታ እታ ዝነኣሰት ንሳ እያ፤ ካብ ኣዲኣ ኤችኣይቪ ዝሓለፋ'ውን ንሳ ጥራይ እያ።
"ንምንታይ ኣነ?" እናበለት ትጭነቕ ከምዝነበረት ትዛረብ።
'ኤችኣይቪ ከምዘለኒ ሙሉእ ቤት ትምህርቲ ፈሊጡ'
ክሳብ ሓሚማ ብተደጋጋሚ ናብ ሕክምና እትኣቱ፡ መድሓኒት ኣይወስድን ኢላ ኣብያ።
ሓኪም ንሓላፊ ናይቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕናኣ ብምግላጽ ገለ እዋናት ካብ ቤት ትምህርቲ ክትተርፍ ከምእትኽእል ሓቢርዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ዘሕዝን ግን፤ ንኻልኦት መምህራን እውን ስለዝተነገሮም ኤችኣይቪ ከምዘለዋ ሙሉእ ቤት ትምህርቲ ፈሊጡ። ሽዑ ኣንጻራ ዝጀመረ ደስ ዘይብል ዘረባታትን ጸርፍን፡ ገሊኡ ክሳብ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ። ሽዑ ክትግለል ከምዝጀመረት ትዛረብ።
"ሕማቕ ተሰሚዑኒ። ኤችኣይቪ ከምዘለኒ ካብ ሰባት ካብዝሰምዖ [እቶም ሓካይም] ንዓይ ብቐጥታ 'ተዝነግሩኒ ምሓሸ። ንርእሰይ ክቐትል ይደሊ ነይረ፡ ግን ከኣ ሓፍተይ ክትሳቐይ ምዃና ሓሲበ። ነቲ ንርእሰይ ክቐትል ዝብል ሓሳብ ገዲፈዮ" ትብል።

ዶክተር ግሪፊንስ ማንጉሮ፡ ካብ ትሸዓተ ክሳብ 11 ዓመት ዕድመ ንዘለዎም ቆልዑ፡ ወለዲ ብዛዕባ ናይ ኤችኣይቪ ኩነታቶም ብግልጺ ክነግርዎም ኣለዎም ይብል።
"ቆልዑ ሕማም እንታይ ምዃኑ ኣብ ዝፈልጥሉ ዕድመ እንተበጺሖም፤ ኤችኣይቪ እንታይ ምዃኑ፡ እቲ ሕማም ከምዘለዎምን መድሓኒት ክወስዱ ከምዝግበኦምን ክንነግሮም ኣለና።"
መድሓኒት ክወስዱ ምስጀመሩ፡ እቲ ዝወሰድዎ ዘለዉ መድሓኒት ናይ ኤችኣይቪ ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም እዩ ዝብል።
ነቲ ኩነታት እንተሓቢእናዮም፡ መድሓኒቶም ብግቡእ ዘይክወስዱ ይኽእሉ።
"ወይ ከኣ ንኣሽቱ እንከለዉ ስለዘይተነገሮም፡ ምስዓበዩ ጽልኣት ከጥርዩ ይኽእሉ"

ኦማንዲ ብግልጺ ስለዘይነገረቶ ንኣዲኡ ኣይወቕሳን።
"ብግልጺ ክትነግረኒ ትኽእል ነይራ፡ ግን ከኣ ቆልዓ ስለዝነበርኩ ንዓይ ኢላ ዝገበረቶ ስለዝኾነ ኣይወቕሳን'የ" ይብል።
ክሳብ ኣመለኻኽታ ዝቕየር ከኣ፡ ካብ ውልደቶም ኣትሒዞም ኤችኣይቪ ዘለዎም ሰባት 'ካልኦት ሰባት እንታይ ክብሉኒ ይኾኑ?' እናበሉ ብፍርሒ ከምዝነብሩ ይገልጽ። ምስ ሰባት ሕውስውስ ምባልን መሓዙት ምርካብን ይኸብዶም።
"ከቢድ እዩ! ንርእስኻ ካብ ሰባት እናግለልካያ ትረኽባ፤ ሰባት ብዛዕባ ጥዕናይ እንተፈሊጦም ታይ ክብሉ ይኾኑ? ከመይ እዮም ክቕበሉኒ? እናበልካ ንርእስኻ ትሓትት" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







