ኣብ ትግራይ፡ ኤችኣይቪ ኤይድስ ንምንታይ ለበዳ ኾይኑ ይቕጽል ኣሎ?

መድሃኒት ኤችኣይቪ ኤይድስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ ሕዚ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብመሰረት ዝተኻየደ መፅናዕቲ 1.24 ሚእታዊት ዝነበረ ዝርገሐ ኤችኣይ ቪ ኤድስ ኣብ ትግራይ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ዝወሰኸ መፅናዕትታት ይሕብሩ።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ሓድሽ መፅናዕቲ፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ትግራይ 1.3 ሚእታዊት ከም ዝበፅሐ ይሕብር።

ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ኩለመዳያዊ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ኤድስ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነ፡ ኣመራርሓ ብዝሰርሖ ነገር ምዕጋቡ፣ እቲ ሕዚ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ኤችኣይቪ ዘለዎ ኣፍልጦ ትሑት ምዃኑ፣ ንኤችኣይቪ ዘቃልዑ ቦታታት ማለት'ውን እንዳ መስተ፣ ተጠቀምቲ ጫትን ዕጸ ፋርስንን ምብርኻቶም እቲ ለበዳ ንክላባዕ ምኽንያት ኮይኑ እዩ ኢሎም።

ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ክንቀሳቐስሉ ዝኽእሉ ኮሪደራት ልምዓትን ሜጋ ፕሮጀክትታት ምህላዎምን፡ ብርክት ዝበለ መናእሰይ ንስራሕ ኢሉ ናብቶም ከባብታት ምንቅስቓሶምን፡ ለበዳ ኤችኣይቪ ኤድስ ንክውስኽ ጠንቂ ከምዝኾነ ይገልፁ።

ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ውዳበታት ኤችኣይቪ ኤድስ ከም ቀደም ኣብ ስራሕ ዘይምህላዎም እውን ካልእ ተወሳኺ ምኽንያት እዩ ይብሉ እቶም ሓላፊ።

"ናይ ቤት-ምኽርን ቦርድን ኣወዳድባ፡ ኣብ ክልተ ዘሙን ሓደ ግዘ ማሕበረሰብ በብከባብኡ ዛዕባ ኤችኣይ ቪ ኤድስ ኣጀንዳ ይገብሮ ነይሩ እዩ፤ እዚኦም ምትራፎም ግን ለበዳ እቲ ሕማም ንክውስኽ ምኽንያት ኮይኑ"

ከም ቅድሚ ሕዚ ብኤችኣይቪ ዝመውት ሰብ እናነከየ ምምፅኡ፣ ሰባት ብኣተሓሳስባ ደረጃ ኤችኣይቪ፡ ከም ካልኦት ሕማማት መድሓኒት እናወሰድካ ምንባር ይከኣል እዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣብ መንእሰይ ወለዶን ኣብቲ ማሕበረሰብን ምህላዉ ድማ፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ቀንዲ ምኽንያታት እዮም።

እቲ ቢሮ ካብዚ ሓድሽ ዓመት ጀሚሩ፡ እቶም ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ኣወዳድበታት ኣብ ስራሕ ስለ ዘይነበሩ እዩ ተባሂሉ።

ስለዚ እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣወዳድባ ከም ብሓድሽ ክጣየሽን ናብ ስራሕ ክኣቱን፤፤ ነቲ ነዚ ሕማም ተቓላዓይ ኣብ ዝኾነ ሓድሽ ወለዶ'ውን መንእሰይ ተኮር ዝኾነ ስራሕቲ ይስራሕ ኢሎም።

ርድኢት መናእሰይ እንታይ ይመስል?

ንእስቲ ብርቱኳን መብራህቱ ኣላይት ተዋስኦን ሞዴልን ኮይና፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን መንእሰይ ኣብ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዘለዎ ርድኢት ኣዝዩ ትሑት ከም ዝኾነ ትገልፅ።

እቲ መንእሰይ ናብ ከምዚ ዓይነት ብርኪ ንምንታይ ከምዝወረደ ክተረድእ እንከላ ድማ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ተሓተትቲ ትገብር።

"ቅድሚ ሕዚ ኣብ ጉዳይ ኤችኣይቪ ኤድስ ግንዛበ ንምፍጣር ብጥበብ ኣቢሎም ዝነጥፉ ሚድያታት ነይሮም፤ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብቲ መንእሰይ ኮነ ኣብ ሕብረተሰብ 'ካብኡ ዝበኣሰ ሕማም ኣሎ፤ ኤችኣይቪ ኣመጋግባኻን መድሓኒት ኣጠቓቅማኻን ብምስትኽኻል ምንባር ይከኣል እዩ' ዝብሉን ካልኦት ዘይርትዓውያን ምኽንያታትን ስለዝተፈጠረ እዩ፡ እቲ ቫይረስ ዝላባዕ ዘሎ" ዝብል እምነት ኣለዋ።

ብርቱኳን

ምንጪ ስእሊ, BIRTUKAN MEBRAHTU

መግለጺ ስእሊ, ብርቱኳን መብራህቱ

ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፀጋዝኣብ ኪዳኑ፡ ጉዳያት ኤችኣይቪን ካልኦት ፀገማት ሕብረተሰብን ተረሲዖም ብካልኦት ግዳማዊ ፀገማት ምትክኦም ቀንዲ ምኽንያት ምልባዕ ኤችኣይቪ ኤድስ ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን።

"እቲ መንእሰይ ብካልኦት ዛዕባታት ፀቕጢ ክግበረሉ ምስጀመረ፡ ኣብ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዝነበሮ ትኹረት ክንኪ ክኢሉ። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንንቀሳቐሰለን ካብ ዝነበርና ክበባት፡ ኤችኣይቪ ጥራሕ እዩ እቲ ምንቅስቓስ ዘሎ። ብመዳይ መንግስትን ዝምልከቶም ኣካላትን ቁፅፅርን ደገፍን ግና ኣይግበረለንን" ይብል መንእሰይ ፀጋዘኣብ ኪዳኑ።

ኣብዚ ክልተ ዓመት ለበዳ እቲ ቫይረስ እናገደደ ከምዝመፅአን "ክፅቀጥን ክዕፈንን" ከምዝተገበረን እዩ ዝኣምን።

"ሚድያታት ኣብ ኣልኮላዊ መስተታት ምልላይን ካልኦት ፀገማትና ክፈትሑ ኣብ ዘይኽእሉ ዛዕባታትን እዮም ኣድሂቦም። በዚ ድማ ብሚድያ ትኹረት ስኢኑ፡ ክንደየናይ ከምዝተላብዐ ኣይፍለጥን" ዝብል ፀጋዝኣብ፡ እቲ መንእሰይ ባዕሉ "ኤችኣይቪ ኤድስ ሰዓል ማለት እኮ እዩ" ናብ ዝብል ኣተሓሳስባ ከምዝወረደ የርድእ።

መፃኢ መንእሰይ ዘፀልምት ኩነት

ከም ሓበሬታ ቢሮ ንግድን ኢንድስትርን ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ንግዲ ፍቓድ ዝወሰዳ፡ ብዝሒ እንዳ መስተን እንዳተልሂትን፡ 1998 እንትኾና ፍቓድ ንግዲ ጫት ዝወሰዳ ድማ 111 እየን። ኣብታ ከተማ ዘለዋ ብዝሒ መደብር መፅሓፍቲድማ 339 ጥራሕ እየን።

ኣብ ከተማታት እኹል መዘናግዒ መናእሰይ ዘይምህላው፡ እቲ መንእሰይ ኣብ ዘይተደለየ ቦታ ንክውዕል ምኽንያት ከምዝኾነ ድማ ጋዜጠኛ ሓየሎም ዳኘው ይዛረብ።

ሓየሎም ዳኘው
መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛ ሓየሎም ዳኘው

"መቐለ ዓባይ ከተማ ከም ምዃና መጠን እንትርፊ እንዳመስተ፡ ንመናእሰይ ከዘናግዑ ዝኽእሉ ቦታታት የብላን ምባል ይከኣል። መናእሰይ ከም ዓብይ መዘራረቢ ዝገብርዎ 'ናይት ክለብ' እዩ። ዝኾነ ግዘ ስድራ ክርእይ ናብ ኤርትራ ከይደ ነይረ። ዋላ እቲ ዓዲ ፈሪሱ ዝረአይ እንተኾነ፡ ዝገርም ናይ መናእሰይ መዘናግዒ ኣሎ። ኣብዚ ግና ኣብ ዝኸድካዮ ኣንጎሎ እንዳ መስተ እዩ ዘሎ" ብምባል ኣብ ኤርትራን ኣብ ትግራይን ዘሎ ኩነታት የነፃፅር።

ኣላይት ተዋስኦን ሞዴልን ንእስቲ ብርቱኳን መብራህቱ፡ እቲ መንእሰይ ዝውዕለሎም ቦታታት ፀገም ከምዘለዎ ትሕብር።

"እቲ ፀገም ዘሎ፡ ግዘን ቦታን ኣብ ምፍላይ እዩ። ከም ኣብነት ከባቢ 16 [ቀበሌ] ፈሊኻ ኮፍ ምባል እንተለሚድካ፣ ኣብ እንዳ ቡን ወይ ኣብ እንዳ ቢራ ኮፍ ምባል ትለምድ እሞ፡ ወልፊ ይኾነካ። እዚኦም እንተድኣ ዘይገይርካ 'ክተውግዕ ኣይትኽእልን' ዝብሉ ነገራት እዮም ዝፍጠሩ ዘለዉ። ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ናይ ግጥሚ ምሸታትን ፊልም ብምግብባዝን ክተሕልፎ ትኽአል" ብምባል ትገልፅ።

ናይ ኪነጥበብ ቦታታትን ኣስተምህሮ ክወሃበሎም ዝኽእል ቦታታት ዘይምብዝሖም'ውን ተረድእ።

"ወቕቲ እናተፀበኻ እዩ መደባት ኪነጥበብ ዝዳሎ። ኣብ ሞዴሊንግ እንተርኢና ለካቲት ክመፅእ ከሎ 'ሚስ ለካቲት'፣ ኣባይ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ክበፅሕ ከሎ ድማ 'ሚስ ኣባይ' ዝብል ምድላዋት ይዳሎ። ናይ ባዕልካ ፍሉይ ፈጠራ ሒዝካ ንምድላው እንትፍትን ግን ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ድጋፍ ኣይትረክብን" ብምባል ንዝምልከቶም ኣካላት ትወቅስ።

ኣብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ቦታታት "ተጋጊኻ ኢሉ ናብ ውነኻ ዝምልሰካ ሰብ ስለዘይተግኒ፡ ከም መሕብኢ ኢና ንጥቀመሉ። ስለዚ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ዝኸውን መንእሰይ ኣብዘይድለ ቦታ እዩ ዝውዕል" ትብል።

ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መንእሰይ ፀጋዝኣብ ብወገኑ፡ እቲ መንእሰይ ፎቖዶ እንዳ ትልሂት፣ እንዳ ጫትን ከምዝውዕል ብምግላፅ፡ ነዚ ምኽንያታት ዝበሎም የቐምጥ።

"ንምንታይ እንተይልና፡ ሓደ ናይ ባዕሉ ናይቲ መንእሰይ ፀገም ኣተሓሳስባ እዩ። ናይ ቀፃሊ ህይወትካ ክውስኖ ዝኽእል እቲ እትመርፆ ምርጫ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ብዙሓት ኣካላት ተሓተትቲ እዮም" ይብል።

ጠለብ 'ፓስትፒልን ቪያግራን' ንምንታይ ወሲኹ?

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከባ መደብራት ኣፋውስ ብዘካየድናዮ ዳህሳስ፡ ኣብ ሓደ መደብር ኣፋውስ፡ ልዕሊ ኮንደም፡ መከላኸሊ ሃንደበታዊ ጥንሲ 'ፖስትፒል' ይሽየጥ። ሓደ መደብር መድሓኒት ብማእኸላይ ገምጋም ካብ 500 ክሳብ 600 ፖስትፒል ብወርሒ ዝሽየጥ እንትኸውን፡ ኣብ ሓደ መደብር መድሓኒት ብወርሒ፡ ካብ 30 ክሳብ 40 ኮንደም ጥራሕ ከምዝሽየጥ ኣረጋጊፅና።

ካብ 18 ክሳብ 24 ክሊ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ነዞም 'ፖስትፒላት ከምዝዕደገኦም ድማ፡ በዓል ሞያ ፋርማሲ ኣይተ ፀሃየ ተካ ይዛረቡ።

ጠለብ ፖስቲፕላት (ኣብ 72 ሰዓታት ሃንደበታዊ ጥንሲ ዝከላኸል መድሓኒት) ምውሳኹ ስዒቡ፡ ጠለብ መነፀሊ ጥንሲ መድሓኒታት ልዑል ከምዝኾነ እውን እቶም በዓል ሞያ ይዛረቡ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከባ መደብር መድሓኒታት፡ ብማእኸላይ ኣብ ሓደ መደብር መድሓኒት፡ ኣብ መዓልቲ ብውሑዱ 20 ቪያግራ (ኣብ ግዘ ፆታዊ ርክብ ብልዕቲ ወዲ ተባዕታይ ንክብርትዕ ዝገብር መድሓኒት) ይሽየጥ። ኣብ ወርሒ ድማ ካብ 500 ክሳብ 600 ቪያግራ ይሽየጥ። ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ከኣ መናእሰይ ከምዝኾኑን፡ ብዛዕባ እዚ መድሓኒት ግጉይ ርድኢት ከምዘሎን፡ መናእሰይ 'ናፃ ፆታዊ ርክብ ክፍፅሙ ከምዝደልዩን' ኣይተ ፀሃየ ይዛረቡ።

"ቪያግራ ብልዕቲ ወዲተባዕታይ ዘይለዓል እንተኾይኑ ንክለዓል ዝሕግዝ እዩ። እቲ ሰብ ግና ኣብ ስምዒት ፆታዊ ርክብ ንክፀንሕ ኢሉ እዩ ዝዕድጎ ዘሎ። ብሕክምና ሕማም ሽኮርን ደም በዝሕን ዘለዎም ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ደቂ ተባዕትዮ ንክጥቀሙ ዝምከር እኳ እንተኾነ፡ እቶም ዝበዝሑ ተጠቀምቲ ግና መናእሰይ እዮም" ይብሉ እቶም በዓል ሞያ።

ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ምቁፅፃርን ምክልኻልን ኤችኣይቪ ኤይድስ፡ ኣይተ ኣሰፋ ሓጎስ ብወገኖም፡ ኣብ ብዙሓት መናእሰይ ደቂኣንስትዮ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ተምሃሮ ምንፃል ጥንሲ ከምዘሎ ሓቢሮምልና።

ኣይተ ኣሰፋ ሓጎስ
መግለጺ ስእሊ, ኣይተ ኣሰፋ ሓጎስ

"እዚ ውሑስ ዘይኮነ ርክብ ግብረስጋ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ። እዚ ማለት ሓሲቦም ርክብ ዘይገብራ ወይ ዘይገብሩ፡ ከም ኮንደም ዝበሉ መከላኸሊ ዘይጥቀሙ ምዃኖም ዘርእይ መረዳእታ እዩ" ኢሎም። ንምንታይ ኤችኣይቪ ክፈርሕኦ ዘይከኣላ ንዝብል ሕቶ እንትምልሱ ድማ፡ ንኤችኣይቪ ዘለወን ግንዛበ ትሑት ስለዝኾነ ይብሉ።

መናእሰይ ደቂኣንስትዮ ልዕሊ ኤችኣይቪ ኤይድስ፡ ኣብ ዘይሓሰብኦ ጠኒሰን ከይበሃላ ከምዝፈርሓ ዝሓበሩ ኣይተ ኣሰፋ ሓጎስ፡ ውሑስ ዘይኮነ ፆታዊ ርክብ ምስ ፈፀማ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ሃንደበታዊ መከላኸሊ ጥንሲ 'ፖስትፒል' ክጥቀማ ከምዝመርፃ ገሊፆምልና።

በዓል ሞያ ፋርማሲ ኣይተ ፀሃየ ግና፡ 'ፖስትፒል' ብተደጋጋሚ ምጥቃም ጉድኣት ከምዘለዎ እዮም ዘረድኡ።

"እቲ ፖስትፒል ብተደጋጋሚ ክጥቀምኦ እንከላዋ ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ስለዝንኪ ጥንሲ ከጋጥም ይኽእል እዩ። ጥንሲ እንተጋጥም ድማ፡ ኣድላይ ዘይኮነ ምንፃል ጥንሲ ንክገብራ ይግደዳ ኣለዋ" ዝበሉ ኣይተ ፀሃየ፡ ብዙሓት መናእሰይ ደቂኣንስትዮ መነፀሊ ጥንሲ መድሓኒት ከምዝሓታን ገሊፆምልና።

"ወደይን ሰብኣየይን ገቢረ"

መስራቲትን ኣዶመንበርን ማሕበር ተስፋሂወት ኤችኣይቪ ፖዘቲቭ ደቂኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ መልክኣ ኣስገደ ምስ ቫይረስ ኤችኣይቪ ኤይድስ ምንባር ካብ ዝጅምራ ልዕሊ 18 ዓመታት ተቖፂሮም ኣለዉ። ብ1999 ዓም ድማ ማሕበር ተስፋሂወት ኤችኣይቪ ፖዘቲቭ ደቂኣንስትዮ ትግራይ ብምባል፡ ኣብ ኤችኣይቪ ኤይድስ ኣስተምህሮን ምሕብሓብን እትህብ ማሕበር ኣጣይሸን። ሽዑ ዝነበረ ኩነታት እንትዝክራ፡

"እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ንዝነበሮም ሰባት ኣድልዎን ምግላልን ነይሩ። ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ካብ 10 ክሳብ 20 ሰባት ይቕበሩ ነይሮም። ህፃናት፣ መናእሰይ፣ ኣደን ኣቦን በቲ ቫይረስ ሞይቶም እዮም። ብውልቀይ'ውን ወደይን ሰብኣየይን ገቢረ እየ" ብምባል፡ ይዝክራ።

ወይዘሮ መልክኣ ኣስገደ
መግለጺ ስእሊ, ወይዘሮ መልክኣ ኣስገደ

እቲ ዝነበረ ለበዳን ሞትን ንምግታእ፡ ህዝብን መንግስትን፡ ኢሉ እውን ገበርቲ ሰናይ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ዝገለፃ ወይዘሮ መልክኣ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ዳግም ደጊሱ እናተላብዐ ከምዝኾነን፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ ቁጠባዊ ፀገም ከምዝኾነ እየን ዝሕብራ።

"ኣብቲ ጎስጓስ ይካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ከም ኢኣርዲኤን፣ ኤምኤስኤችን ሃፕኮን ዝኣመሰላ ትካላት፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ዘለዎም ወገናት እግሪ ንክትኸሉ ብዙሕ ነገር ሰሪሐን እየን። ኣይኮነን መንግስቲ ዝህበካ ደገፍ ናይ በዓልካ እውን በሊዐ ክሞት እትብለሉን ንምንባር ተስፋ ዘይትገብረሉን ግዘ እዩ ነይሩ" ይብላ ወይዘሮ መልክኣ፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ኣብ ማሕበራት ኤችኣይቪ ኤይድስ ዘሎ ቁጠባዊ ፀገም፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ዘለዎም ሰባት ናብቲ ማሕበር ንከይመፅኡ ከምዝገበሮምን፡ እቲ ቫይረስ ብውሽጣ ውሽጢ ንክላባዕ ምኽንያት ከምዝኾነን ሓቢረን።

ካልእ ምኽንያት ድማ፡ መድሓኒት ፀረኤችኣይቪ ኤይድስን ዝተፈጠረ ግጉይ ርድኢት እዩ።

"እቲ መድሓኒት ኣቕርቦት ምስ መፀን፡ ውሒጥኻ ናይ ጠጠው ምባል ኩነታት ምስተርኣየ፡ እቶም መናእሰይ እኒ መልክኣ 18፡ 20 ዓመት ነቢረን ዘይሞታስ፡ 'ኤችኣይቪ ማለት ሰዓል ማለት እዩ' ዝብል ግንዛበ እዩ ዘለዎም" ኢለናና።

ይኹን'ምበር መድሓኒት ፀረ ኤችኣይቪ ኤይድስ ዋላ እኳ እንተተጠቀማ፡ እቲ መድሓኒት ቀሊል ዘይበሃል ጉድኣት ከምዘለዎ እየን ዝሕብራ።

መልክኣ "እቲ መድሓኒት ዓይንኻን ብርክኻን እዩ ዘፍዝዝ፤ ካልኦት ብዙሓት ፀገማት እውን ኣለውዎ። ዕድመ ልክዕ መድሓኒት ምውሳድ ቀልዲ ኣይኮነን" ብምባል ኣብዚ ሕዚ እዋን ነዚ ቫይረስ ይምልከተኒ ዝብል በዓልዋና ከምዘይትርእየሉ ገሊፀን።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን፣ ኣብ ኣስተምህሮን ገዛ ንገዛ ምሕብሓብን ዝነጥፋ 37 ማሕበራት ኣለዋ። ካብዚአን እተን ሓሙሽተ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ይርከባ። ኣብዘን ማሕበራት፡ ብብርኪ ክልል 162 ዓርሰ ፍቓደኛታት ኣለዋ።

"ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣሎ፣ እቲ ሞት ሕዚ እውን ኣሎ። እቲ በብእዋኑ ዝውስኽ ዘሎ ፀብፃብ ናብ ማሕበር ንከይኣቱ ግን፡ ቁጠባዊ ፀገማት እተን ማሕበራት ደሪትወን እዩ። ስለዚ፡ ከም ቀደም ነተን ማሕበራት ደገፍን ክትትልን ክግበረለን ኣለዎ" ይብላ ወይዘሮ መልክኣ።

"ከምቲ ቀደም ሰዓት ኮበርታታት፣ ኣንሶላታትን ሓገዝ ምግብን ንማሕበራት ክወሃብ ይግባእ። እዚ ይትግበር ስለዘየለ ግና፡ ሕዚ 'ናብቲ ማሕበር ንምእታው እንታይ ምኽንያት ኣለና፣ ዘልኣለም ኣብ ሚድያ እናተቓልሓ፡ ፎቖድኡ ቀበሌ ብዛዕባ ኤችኣይቪ ዝለፍለፋ እንታይ ረኺበን?' ዝብል ኣባል እዩ ዘሎ" ይብላ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ደመይ ቫይረስ ኤችኣይቪ ኣለኒ ዝብል ምሁር ሓይሊ ኣይትርእን። እቲ ኤችኣይቪ ኣብ ድኻ ጥራሕ ድዩ ዘሎ፡ ዝብል ስምዒት ኣብ ውሽጠን ከምዝተፈጠረን፡ ኣብቲ ማሕበር ምሁር ሓይሊ ከምዘየለ ገሊፀናልና።

ማሕበር ተስፋህይወት ብግሎባል ፈንድ ብዝግበረለን ሓገዝ ኣብ 10 ወረዳታት ትግራይ እናሰርሓ እየን። ይኹን እምበር እታ ማሕበር ዋላ እኳ ኣስተምህሮ እንተሃበት፡ ሕዚ እውን ብርክት ዝበላ መናእሰይን ደቂኣንስትዮን ኣብ ስራሕቲ ፋይቶነት ተዋፊረን ከምዝርከባን እተን ደቂኣንስትዮ ንቁጠባዊ ፀገም ዝተቓልዓ ብምዃነን፡ "ግደፋ ጠጠው ኣብላ" ክብልአን ከምዘይኽእላ ወይዘሮ መልክኣ ሓቢረን።

እንታይ'ከ ይገበር?

መንእሰይ ፀጋዝኣብ ኪዳኑ፡ መንግስቲ ሓደ ዘይግቡእ ነገር ክዓፁ ወይ ድማ ክኽልክል እንከሎ ካልእ መማረፂ መፍትሒ ከናድይ ከምዝግባእ ይገልፅ።

ፀጋዝኣብ ኪዳኑ
መግለጺ ስእሊ, ፀጋዝኣብ ኪዳኑ

"ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ጫት ንከይህሉ ኣጊዱ፤ እዚ ፅቡቕ ነገር እዩ። ግና ብድሕሪኡ 'እቲ መንእሰይ ኣብ ምንታይ እዩ ክውዕል?" ብምባል ድማ መፍትሒ ክግበረሉ ይሓትት።

ወይዘሮ መልክኣ ኣስገደ ብወገነን፡ ኣብ ጉዳይ ኤችኣይቪ ኤይድስ፡ ኣብ ፀገም ዘለዋ ማሕበራት ኤችኣይቪ ኤይድስ ኮይኑ ከምዘሎን፡ ዝምልከቶ ኣካል ህዝብን መንግስትን እጃሙ ከበርክት ፀዊዐን።

"ጥዕና እንተሒዝካ እዩ ኩሉ ነገር ዝከኣል። ጥዕና እንከይሓዝካ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሙ ዘለዎ ሰብ ኣፍራዪ ሓይሊ ክኸውንን ክነብርን ስለዘይኽእል፡ ኩሉ 'ጉዳይና' እዩ ኢሉ ክሰርሓሉ ይግባእ" ኢለን።

ኣይተ ኣሰፋ ሓጎስ ብወገኖም፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብ ትግራይ እናተጋደደ ምዃኑ ይዛረቡ።

"ሕዚ እውን ትግራይ ኣብ ለበዳ እያ ዘላ። መጠን እቲ ለበዳ ድማ ብሓደ ትካል፣ ቢሮ ወይ ድማ ብዝተወሰነ ክፋል ሕብረተሰብ ትከላኸሎ ኢኻ ማለት ስለዘይኮነ ካልኦት መዳረግቲ ኣካላትን ዘፈራትን እውን ብንጥፈት ክዋስእሉ ትፅቢት ይግበር" ኢሎም።

ከም ስትራቴጂ ከም ቢሮ ንኤችኣይቪ ኤድስ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ኣካላት ኣድሂቦም ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን ንኤችኣይቪ ኤድስ ዘቃልዑ ነገራት ንምኽልካልን ብፍላይ "ምስ ሚድያ ክንሰርሕ ኢና" ብምባል ሓሳቦም ይዛዝሙ።