'ወዲ 5 ዓመት ከለኹ፤ ናይ ወዲ 15 ዓመት ጾታዊ ድልየት ነይሩኒ'

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh
ደቂ ተባዕትዮ ንዓቕመ ኣዳም እንትበጽሑ፡ ካብ ዝረአዩ ለውጢታት ሓደ ምቡቋል ጸጉሪ ብልዕቲ እዩ።
ፓትሪክ ቡርሊፍ ግን፡ ኣብ ክልተ ዓመቱ እዩ ጸጉሪ ብልዕቱ ዝቦቖለ። በቲ ልሙድ ግን እንተወሓደ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ክኽውን ነይርዎ።
ስድርኡ ግን እዚ ኣጋጣሚ ሓዱሽ ኣይኮኖምን።
ፓትሪክን ካልኦት ደቂ ተባዕተዮ ኣዝማዱን፡ 'ፕሪኮስዮስ ፑበርቲ' ብዝበሃል ብለውጢ ሰረት ዘርኢ (ጂን) ዝመጽእን ብዘርኢ ዝመሓላለፍን ሕማም ተጠቃዕቲ ስለዝኾኑ እዩ።
ሓሓሊፉ ዘጋጥም ለውጢ ሰረት ዘርኢ
ንፓትሪክ ዘጥቀዖ ሕማም፡ ቴስቶቶክሲኮሲስ (testotoxicosis) ዝበሃል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Huw Evans picture agency
እዚ ድማ፡ ፍረ ነብሲ ወዲ ተባዕታይ ንዓቕመ ኣዳም ምስበጽሐ ከመንጭዎ ዝግበኦ ዝነበረ ቴስቴስትሮን፡ ኣቐዲሙ ከመንጩ ዝገብር እዩ።
ቴስቴስትሮን ምልክታት ብጽሒ ክረአዩ ዝገብር ሆርሞን እዩ።
እዚ ለውጢ ሰረት፤ ኣብ ክንደይ ሰብ ከምዘጋጥም እኳ ብትኽክል እንተዘይተፈለጠ፡ ኣብ ዓለም ሙሉእ ኣብ 1 ሽሕ ሰባት ጥራሕ ከምዘጋጥም ይግመት።
ቴስቶቶክሲኮሲስ፤ ኣብ ቤተሰብ ቡርሊፍ ብዘርኢ እናተሓላለፈ ዝመጸ ክስተት እዩ።
ፓትሪክ በቲ ዘጋጠሞ እዋኑ ዘይሓለወ በጽሒ፡ ኣብ ሰለስተ ዓመቱ፡ ናይ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ክብደትን ቁመትን ክህልዎ ክኢሉ።
''ፍሉይን ገጅፍን ከምዝኾንኩ ይስመዐኒ ነይሩ። ጸጉሪ ብልዕቲ ምቡቋል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣካላዊ ለውጢ እውን። ፍልይ ስለዝብል ድማ፡ ጎሊሀ ይረኣይ'' ይብል እቲ ኣብ ሎስኣንጀለስ ዝነብር፡ ወዲ 34 ዓመት ተዋሳእን ጸሓፍን።

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh
ቴስቶቶክሲኮሲስ ዝፈጥሮ ጽልዋ
እዚ ተፈጥሮኡ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ናይ ቆልዑ መጻወቲታት እንትኸይድ ጽልዋ የሕድረሉ ነይሩ።
ብዙሕ፡ ጽቡቕ ዘይኮነ ተዘክሮታት ድማ ኣለዎ።
''ኣብ ኣርባዕተ ዓመተይ፡ ምሕምባስ ኣብ ዝመሃረሉ እዋን፡ ኣደይ ደቂ ኣንስትዮ ክዳነን ናብ ዝቕይራሉ ክፍሊ ሒዛትኒ ኣትያ። ሽዑ ኣብኡ ዝጸንሐት ሰበይቲ፡ ዓብዩ ስለዝመሰልኩዋ፡ ጫውጫው ክትብል ጀሚራ'' ይብል ፓትሪክ።
ወላዲት ፓትሪክ ብዛዕባ ኩነታት ፓትሪክ እኳ ክተረድኣ እንተፈተነት፡ ክኣምኑዋ ግን ኣይከኣኩን። ፓትሪክን ኣዲኡን አዐርዮም ክጭነቑ ገይሩዎም።

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh
ፓትሪክ ኣብ ሰለስተ ዓመቱ፡ ኣብ ሰብነቱ ዝነበረ መጠን ሆርሞን ቴስቴስትሮን፡ ምስ ናይ ወዲ 14 ዓመት ዝመሳሰል እዩ።
ናይ ህጻን ባህሪ ዘለዎ፡ ግን ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ ድማ ይመስል ነይሩ።
''ሰባት ከም ገለ ዓይነት ሓዱሽ እንስሳ ይቖጽሩኒ ነይሮም'' ይብል ፓትሪክ።
ጉዳይ ሕክምና
ፓትሪክ፡ ኣዲኡ ኣብ ለውጢ ሰረት ዘርኢ ናብ ዘጽንዑ ሓካይም፡ ምርምር ከካይድሉ ወሲዳቶ። ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ንክልተ ሰሙናት ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሕ ክኸውን ከሎ፡ በዚ ድማ መጠን ቴስቴስትሮኑ ዝቕንስ መድሓኒት ብናጻ ይረክብ።
''ሓካይም ከቢቦም፡ ግዝፊ ኣካለይ ዝውስን፡ መጠን ፍረ ነብሰይ ምዕቃን ሓዊሱ ኩሉ ዓይነት መጽናዕቲ ይገብሩለይ ነይሮም'' ዝብል ፓትሪክ፡ እቲ ሕክምና ኣብ 6 ወይ 7 ዓመቱ ከምዝለመዶ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh
ሕማቕ ሽም
ገዚፍ፣ ጨጓርን ተብኣሲ ዝመስል ምስሉን፡ ንፓትሪክ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸገም ይፈጥረሉ ነይሩ።
ኣብ ቤት ትምህርቱ ከም 'ሕማቕ ተምሃራይ' ክረኣይ ዝጀመረ ፓትሪክ፤ ኣብ ትሽዓተ ዓመቱ ምትካኽ ሽጋራን ማሪዋናን ጀሚሩ።
ኣብ 11 ዓመቱ፤ እቲ ይጥቀሞ ዝነበረ መድሓኒት ክቋረጽ ሓካይሙ ወሲኖም።

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh
ብመዳሓኒት ምቁጽጻር ተኻኢሉ ዝነበረ ሆርሞን፡ ብሃንደበት ብምፍልፋሉ ድማ፡ ዝነበረ ሕማቕ ባህርያቱ ክጎልህ ጀሚሩ።
መዐወኒ እጻት
ፓትሪክ ገና 12 እኳ እንተይመልኦ፡ ወዲ 16 ዓመት እየ ብምባል ምስ ጓል 17 ዓመት ዕርክነት ጀሚሩ።
ምስ'ዛ መሓዘኡ ብምዃን ድማ፡ ክልኩል ዘዐውን መድሓኒት ክወስድ ጀመረ።

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh
ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እቲ ዝተጠቐሞ እጽ ንመሓዙቱ እንትነግሮም ድማ፡ እቲ መድሓኒት ናብ ናይ ሓንቲ ተምሃሪት ዝስተ ስለዘእተዉዎን እታ ቆልዓ ስለዝሓመመትን፡ ፓትሪክ ክእሰር ክኢሉ።
ምስ ወላዲኡ ዝነበሮ ጸገም
ወላዲኡ ብተመሳሳሊ ሕማም ዝተጠቕዐ እኳ እንተነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ግን ኣይዛረብን ነይሩ።
ኣብ 5 ዓመቱ፡ ናይ ወዲ 15 ዓመት ፍትወት ጾታዊ ርክብ ዝነበሮ ፓትሪክ፡ ወላዲኡ ነቶም ጸገማት ብኸመይ ክሰግሮም ከምዝግባእ 'ክነግረኒ ይግባእ ነይሩ' ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh
ፓትሪክ 15 ዓመት እንትመልኦ ግን፡ ከም ካልኦት መሓዙቱ ክኽውን ከምዝኽእል ክሓስብ ጀሚሩ።
''ነቶም መዐወኒ እጻት ዝወስዱ ዝነበሩ መሓኡተይ ክርሕቖም ጀሚረ። ምጽናዕን ስፖርት ምስራሕን ጀሚረ። ሽዑ እየ ድማ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኸይድ ከምዘለኒ ዝወሰንኩ'' ይብል ፓትሪክ።
ምስዓበየ ድማ ምስ በዓልቲ ገዝኡን ኣዕሩኽቱን፡ ብዛዕባ ዝነበሮ ኩነታት ምውጋዕ ጀሚሩ።
እዚ ድማ ሩፍታ ክፈጥረሉ ከምዝጀመረን ምስ ነብሱ እውን ከተዓረቕ ከምዝኸኣለን ይዛረብ።
ኣብ 2015፡ መረዲት ካብ እትበሃል በዓልቲ ቤቱ ወዲ ዝወለደ ክኸውን ከሎ፡ ውላዱ ካብቲ ሕማም ነጻ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







