'ወዲ 5 ዓመት ከለኹ፤ ናይ ወዲ 15 ዓመት ጾታዊ ድልየት ነይሩኒ'

ፓትሪክ ቡርሊፍ

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh

ደቂ ተባዕትዮ ንዓቕመ ኣዳም እንትበጽሑ፡ ካብ ዝረአዩ ለውጢታት ሓደ ምቡቋል ጸጉሪ ብልዕቲ እዩ።

ፓትሪክ ቡርሊፍ ግን፡ ኣብ ክልተ ዓመቱ እዩ ጸጉሪ ብልዕቱ ዝቦቖለ። በቲ ልሙድ ግን እንተወሓደ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ክኽውን ነይርዎ።

ስድርኡ ግን እዚ ኣጋጣሚ ሓዱሽ ኣይኮኖምን።

ፓትሪክን ካልኦት ደቂ ተባዕተዮ ኣዝማዱን፡ 'ፕሪኮስዮስ ፑበርቲ' ብዝበሃል ብለውጢ ሰረት ዘርኢ (ጂን) ዝመጽእን ብዘርኢ ዝመሓላለፍን ሕማም ተጠቃዕቲ ስለዝኾኑ እዩ።

ሓሓሊፉ ዘጋጥም ለውጢ ሰረት ዘርኢ

ንፓትሪክ ዘጥቀዖ ሕማም፡ ቴስቶቶክሲኮሲስ (testotoxicosis) ዝበሃል እዩ።

ዑደት ህይወት

ምንጪ ስእሊ, Huw Evans picture agency

መግለጺ ስእሊ, ደቂ ተባዕትዮ ካብ 12 ክሳብ 16 ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን እዮም ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ

እዚ ድማ፡ ፍረ ነብሲ ወዲ ተባዕታይ ንዓቕመ ኣዳም ምስበጽሐ ከመንጭዎ ዝግበኦ ዝነበረ ቴስቴስትሮን፡ ኣቐዲሙ ከመንጩ ዝገብር እዩ።

ቴስቴስትሮን ምልክታት ብጽሒ ክረአዩ ዝገብር ሆርሞን እዩ።

እዚ ለውጢ ሰረት፤ ኣብ ክንደይ ሰብ ከምዘጋጥም እኳ ብትኽክል እንተዘይተፈለጠ፡ ኣብ ዓለም ሙሉእ ኣብ 1 ሽሕ ሰባት ጥራሕ ከምዘጋጥም ይግመት።

ቴስቶቶክሲኮሲስ፤ ኣብ ቤተሰብ ቡርሊፍ ብዘርኢ እናተሓላለፈ ዝመጸ ክስተት እዩ።

ፓትሪክ በቲ ዘጋጠሞ እዋኑ ዘይሓለወ በጽሒ፡ ኣብ ሰለስተ ዓመቱ፡ ናይ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ክብደትን ቁመትን ክህልዎ ክኢሉ።

''ፍሉይን ገጅፍን ከምዝኾንኩ ይስመዐኒ ነይሩ። ጸጉሪ ብልዕቲ ምቡቋል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣካላዊ ለውጢ እውን። ፍልይ ስለዝብል ድማ፡ ጎሊሀ ይረኣይ'' ይብል እቲ ኣብ ሎስኣንጀለስ ዝነብር፡ ወዲ 34 ዓመት ተዋሳእን ጸሓፍን።

ፓትሪክ ቡርሊፍ

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰለስተ ዓመቱ ወዲ ሰውዓተ ዓመት ይመስል ነይሩ

ቴስቶቶክሲኮሲስ ዝፈጥሮ ጽልዋ

እዚ ተፈጥሮኡ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ናይ ቆልዑ መጻወቲታት እንትኸይድ ጽልዋ የሕድረሉ ነይሩ።

ብዙሕ፡ ጽቡቕ ዘይኮነ ተዘክሮታት ድማ ኣለዎ።

''ኣብ ኣርባዕተ ዓመተይ፡ ምሕምባስ ኣብ ዝመሃረሉ እዋን፡ ኣደይ ደቂ ኣንስትዮ ክዳነን ናብ ዝቕይራሉ ክፍሊ ሒዛትኒ ኣትያ። ሽዑ ኣብኡ ዝጸንሐት ሰበይቲ፡ ዓብዩ ስለዝመሰልኩዋ፡ ጫውጫው ክትብል ጀሚራ'' ይብል ፓትሪክ።

ወላዲት ፓትሪክ ብዛዕባ ኩነታት ፓትሪክ እኳ ክተረድኣ እንተፈተነት፡ ክኣምኑዋ ግን ኣይከኣኩን። ፓትሪክን ኣዲኡን አዐርዮም ክጭነቑ ገይሩዎም።

ፓትሪክ ቡርሊፍ

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh

መግለጺ ስእሊ, ፓትሪክ ምስ ናይ ዕድመ መሓዙቱ

ፓትሪክ ኣብ ሰለስተ ዓመቱ፡ ኣብ ሰብነቱ ዝነበረ መጠን ሆርሞን ቴስቴስትሮን፡ ምስ ናይ ወዲ 14 ዓመት ዝመሳሰል እዩ።

ናይ ህጻን ባህሪ ዘለዎ፡ ግን ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐ ድማ ይመስል ነይሩ።

''ሰባት ከም ገለ ዓይነት ሓዱሽ እንስሳ ይቖጽሩኒ ነይሮም'' ይብል ፓትሪክ።

ጉዳይ ሕክምና

ፓትሪክ፡ ኣዲኡ ኣብ ለውጢ ሰረት ዘርኢ ናብ ዘጽንዑ ሓካይም፡ ምርምር ከካይድሉ ወሲዳቶ። ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ንክልተ ሰሙናት ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሕ ክኸውን ከሎ፡ በዚ ድማ መጠን ቴስቴስትሮኑ ዝቕንስ መድሓኒት ብናጻ ይረክብ።

''ሓካይም ከቢቦም፡ ግዝፊ ኣካለይ ዝውስን፡ መጠን ፍረ ነብሰይ ምዕቃን ሓዊሱ ኩሉ ዓይነት መጽናዕቲ ይገብሩለይ ነይሮም'' ዝብል ፓትሪክ፡ እቲ ሕክምና ኣብ 6 ወይ 7 ዓመቱ ከምዝለመዶ ይዛረብ።

ፓትሪክ ቡርሊፍ

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh

መግለጺ ስእሊ, ፓትሪክ፡ ኩልሻብ ኣብ ክፍሉ እቲ ዝዓበየ ተምሃራይ እዩ ዝመስል ዝነበረ

ሕማቕ ሽም

ገዚፍ፣ ጨጓርን ተብኣሲ ዝመስል ምስሉን፡ ንፓትሪክ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጸገም ይፈጥረሉ ነይሩ።

ኣብ ቤት ትምህርቱ ከም 'ሕማቕ ተምሃራይ' ክረኣይ ዝጀመረ ፓትሪክ፤ ኣብ ትሽዓተ ዓመቱ ምትካኽ ሽጋራን ማሪዋናን ጀሚሩ።

ኣብ 11 ዓመቱ፤ እቲ ይጥቀሞ ዝነበረ መድሓኒት ክቋረጽ ሓካይሙ ወሲኖም።

ፓትሪክ ቡርሊፍ

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh

መግለጺ ስእሊ, ፓትሪክ ኣብ 13 ዓመቱ፤ ምስ ናይ ዕድመ መሓዝኡ ክነጻጸር ከሎ ዓብዪ እዩ ዝመስል

ብመዳሓኒት ምቁጽጻር ተኻኢሉ ዝነበረ ሆርሞን፡ ብሃንደበት ብምፍልፋሉ ድማ፡ ዝነበረ ሕማቕ ባህርያቱ ክጎልህ ጀሚሩ።

መዐወኒ እጻት

ፓትሪክ ገና 12 እኳ እንተይመልኦ፡ ወዲ 16 ዓመት እየ ብምባል ምስ ጓል 17 ዓመት ዕርክነት ጀሚሩ።

ምስ'ዛ መሓዘኡ ብምዃን ድማ፡ ክልኩል ዘዐውን መድሓኒት ክወስድ ጀመረ።

ወዲ 14 ዓመት ፓትሪክ ቡርሊፍ

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 14 ዓመት ፓትሪክ ቡርሊፍ

ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እቲ ዝተጠቐሞ እጽ ንመሓዙቱ እንትነግሮም ድማ፡ እቲ መድሓኒት ናብ ናይ ሓንቲ ተምሃሪት ዝስተ ስለዘእተዉዎን እታ ቆልዓ ስለዝሓመመትን፡ ፓትሪክ ክእሰር ክኢሉ።

ምስ ወላዲኡ ዝነበሮ ጸገም

ወላዲኡ ብተመሳሳሊ ሕማም ዝተጠቕዐ እኳ እንተነበረ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ግን ኣይዛረብን ነይሩ።

ኣብ 5 ዓመቱ፡ ናይ ወዲ 15 ዓመት ፍትወት ጾታዊ ርክብ ዝነበሮ ፓትሪክ፡ ወላዲኡ ነቶም ጸገማት ብኸመይ ክሰግሮም ከምዝግባእ 'ክነግረኒ ይግባእ ነይሩ' ይብል።

ፓትሪክ ቡርሊፍ

ምንጪ ስእሊ, Patrick Burleigh

መግለጺ ስእሊ, ንሓጺር እዋን ሞዴል ኮይኑ ነይሩ እዩ።

ፓትሪክ 15 ዓመት እንትመልኦ ግን፡ ከም ካልኦት መሓዙቱ ክኽውን ከምዝኽእል ክሓስብ ጀሚሩ።

''ነቶም መዐወኒ እጻት ዝወስዱ ዝነበሩ መሓኡተይ ክርሕቖም ጀሚረ። ምጽናዕን ስፖርት ምስራሕን ጀሚረ። ሽዑ እየ ድማ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኸይድ ከምዘለኒ ዝወሰንኩ'' ይብል ፓትሪክ።

ምስዓበየ ድማ ምስ በዓልቲ ገዝኡን ኣዕሩኽቱን፡ ብዛዕባ ዝነበሮ ኩነታት ምውጋዕ ጀሚሩ።

እዚ ድማ ሩፍታ ክፈጥረሉ ከምዝጀመረን ምስ ነብሱ እውን ከተዓረቕ ከምዝኸኣለን ይዛረብ።

ኣብ 2015፡ መረዲት ካብ እትበሃል በዓልቲ ቤቱ ወዲ ዝወለደ ክኸውን ከሎ፡ ውላዱ ካብቲ ሕማም ነጻ እዩ።