ድንግልና ንክውሰድ ትኽክለኛ ዕድመ ዝበሃል ግዜ ይህልዉ'ዶ ይኸውን?

ዝሰዓዓሙ መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንእሰያት፡ ፆታዊ ርክብ ቀዲምካ ምጅማር፡ ንምስኣን ድንግልና ከም ምኽንያት ብምቑፃር፡ ከም ዝናስሑሉ መፅናዕትታት ይሕብሩ።

ልዕሊ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮን ርብዒ ደቂ ተባዕትዮን፡ ኣብ ንእስነት ዕድሚኦም ወይ ከኣ ኣብ መእተዊ 20ታት ዕድሚኦም ፈላማይ ፆታዊ ርክብ ምፍፃም "ትኽክለኛ እዋን" ከም ዘይነበረ ይኣምኑ።

ኣብ እንግሊዝ፡ ፆታዊ ርክብ ንምፍፃም ሕጋዉነት ዘለዎም፡ እቶም ዕድሚኦም ካብ 16 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኑ ጥራሕ እዮም።

ይኹን ዳኣ'ምበር፡ ኣብቲ ዕድመ ዝርከቡ መንእሰይ ፆታዊ ርክብ ንምፍፃም ድልዋት ኣይኮኑን ይብሉ መፅናዕትታት።

ኣብ እንግሊዝ ካብ 2010 ክሳብ 2012 ዝተኻየደ ሓደ መፅናዕቲ፡ ኣስታት 3,000 መናእሰይ ዘሳተፈ ነይሩ።

ውፅኢት መፅናዕቲ

ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ እተን ኣስታት 40 ሚኢታዊት መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮን 26 ሚኢታዊት ደቂ ተባዕትዮን፡ እቲ ንፈለማ እዋን ዝፈፅምዎ ፆታዊ ርክብ "ኣብ ትኽክለኛ ግዜ" ከም ዘይነበረ ይስምዖም።

መብዛሕቲኦም ከኣ፡ ድንግልንኦም ከይሰኣኑ ንተወሳኺ ግዜ እንተዝፀንሑ ነይሮም ድልየቶም ከም ዝኾነ ገሊፆም።

እቶም ዝበዝሑ ዕድሚኦም 18 ኣብ ዝመልኣሉ እዋን ፆታዊ ርክብ ዝፈፀሙ ኮይኖም፡ ፍርቆም ድማ ኣብ መወዳእታ መበል 16 ዓመት ዕድሚኦም ዝፈፀምዎ እዮም።

ዳርጋ ሲሶ ዝኾኑ፡ ቅድሚ 16 ዓመት ምእታዎም ፆታዊ ርክብ ጀሚሮም።

ትኽክለኛ ግዜ መዓስ'ዩ?

ፆታዊ ርክብ ክትፍፅሙ እንተኾይንኩም/ክን እዞም ሕቶታት፡ ንነብስኹም/ኽን ሕተቱ/ታ

  • ትኽክለኛ ድዩ?
  • ንመፃምደይ ኣፍቅሮ/ራ'ዶ?
  • ብጣዕሚ'ዶ ተ/የፍቅረኒ?
  • ብፆታዊ ርክብ ብዛዕባ ዝመሓለፉ ሕማማትን ኤች ኣይ ቪን ንምክልኻል፡ ኮንደም ንምጥቃም ተዘራሪብና'ዶ? ዝርርብናኸ ፀቡቕ'ዶ ነይሩ?
  • ጥንሲ ንምክልኻልከ ዘኽእሉ ኣማራፅታትከ ተጠቂምና'ዶ?
  • ሓሳበይ እንተቐይረ "ኣይኸውንን" ምባል እኽእል'ዶ? በዚኸ ክልትኤና ንሰማማዕ'ዶ?

ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሕቶታት "እወ" ዝብል መልሲ እንተሂብኩም፡ ፆታዊ ርክብ ንምጅማር ኣብ ትክክለኛ እዋን ኣለኹም/ኽን ማለት እዩ። ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት "እወ" ዝብል መልሲ እንተሂብኩም/ክን ግን ትኽክለኛ እዋን ኣይኮነን።

  • ብመፃምዲ ወይ ብመሓዛ ድፍኢት ይበፅሓኒ ኣሎ'ዶ?
  • ብድሕሪኡ ናብ ጣዕሳ ክኣትው'ዶ እኸውን?
  • ፆታዊ ርክብ እፍፅም ዘለኹ መሓዙተይ ንምሕጓስን ምሕዝነትና ንምቕፃልን ድዩ?
  • መፃምደይ ንኸይፍለየኒ ብምሕሳብ ድየ ፆታዊ ርክብ እፍፅም ዘለኹ?