ንመንግስቲ ትግራይን ፌደራልን ተዋጥጥ ዘላ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ ንዝተርኣየ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምቁፅፃር ኬሚካል ንምንፃግ ክትውዕል ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ተጋሩ ዓዲጎም ዝለኣኽዋ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን)፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፌደራል መግስቲ ካብ ትዕገት ሸውዓተ ወርሒ ምስ ኮና ከዘራርብ ቀንዩ።
ኤጀንሲ መረዳእታን መረብ ድሕነትን ኢትዮጵያ ግና እታ ድሮን ዝመጽአትሉ ዕላማ ስለ ዘይፍለጥ ክንልእኻ ኣይንኽእልን ክብል ኣብዚ ሰሙን ኣፍሊጡ እዩ።
በዚ ምኽንያት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣምበጣ ኣብ ትግራይ ዕንወት ኣብ ዘውርደሉ ዘሎ ብምዃኑ ብዙሓት ቅረትኦም ክገልፁ ይረኣዩ።
ኣብ ትግራይ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ብሰፊሑ ምስተራእየ እቲ ኩነታት ኣተሓሳሲብዎም ህፁፅ ገንዘብ ክልእኹ ሓሲቦም ከም ዝነበሩ ዝገልፅ፡ ምክትል ኣቦ ወንበር ማሕበር ተጋሩ እስራኤል ተኬ ማኛው ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ግን 'ገንዘብ ካብ ትልእኹ ማሽን ገዚእኹም ለኣኹልና' ስለ ዝበልዎም ነታ ሕዚ ኣካታዒት ኮይና ዘላ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ክዕድጉ ከም ዝወሰኑ ይገልፅ።
እዛ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት (ድሮን) ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምልኣኾም ድማ ኣብታ ሃገር ምስ ጉዳይ 'ድሮን' ተዛሚዶም ንዝለዓሉ ጉዳያት ፀገም ንከይፍጠር ምስ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል ከም ዝዘተዩ ይዛረብ።
"እታ ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ዝኣዘዘና ድሮን ንእሽተይ ስለ ዝኾነት፡ ኣብዚ ዓዲ ናብ ዘሎ ቢሮ ሕርሻ ከይድና ኣማኺርናዮም። ንሶም ድማ እዚኣ ኣላትኩም፤ ግን ኣብ ቻይና እያ ትርከብ ኢሎምና" ዝብል ተኬ ማኛው፡ ፀገም ከም ዘይብላን ናብ ትግራይ ኣትያ ክተገልግል ከምትኽእልን ምስ ኣረጋገፁ ካብ ቻይና ዓዲጎም ከም ዝለኣኽዋ ይገልፅ።
ይኹን'ምበር እታ ድሮን ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዓጊታ ሸውዓተ ኣዋርሕ ተቖፂሮም።
ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ'ውን እዛ ድሮን ንክትልቀቕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክስራሕ ፀኒሑ፤ ኣይሰመረን።
"ንሕና ንመንግስቲ ፌደራል ዋላ ብቐጥታ ኣይንሕተቶ፡ ብተዘዋዋሪ ግና ንሓትት ነይርና ኢና። ዝምልከቶ ኣካል ቢሮ ሕርሻ ትግራይ ክሳብ ዝኾነ፤ ኣብቲ ሽዑ እዋን ክንልእኻ ከለና'ውን፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም መንግስታት ብዙሕ ዘዋጥጥ ጉዳይ ስለ ዘይነበረ፡ ብሎሚ ፅባሕ ተዓገሱ፣ ናይ መስርሕ ጉዳይ እዩ ዝብል መልሲ'ዮም ዝህቡና ነይሮም፤ ብወገን ዶክተር ኣትንኩት መዝገቦ (ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ)" ይብል፡
ኣብዚ ጉዳይ ዘዘራረብናዮ ዳይሬክተር ኤጀንሲ መረዳእታን መረብ ድሕንነትን ኢትዮጵያ ዶክተር ሹመቴ ግዛው፡ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ወርሒ መጋቢት ከም ዝመጽአት ብምእማን እንተኾነ "ኣምበጣ ንምቁፅፃር ከም ዘይተልኣኸ" ገሊፁ።

ምንጪ ስእሊ, ENA
"እቲ ናብ ትግራይ ይኺድ ዝተባህለ ድሮን፡ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ን'ሪቨርስ ኢንጂነሪንግ'ን ተዛመድቲ ንዝኾኑ ስራሕቲ ምርምርን ክንጥቀመሉ ብዝብል እዩ መጺኡ። ድሕሪኡ ድማ ንፃህያይ መንፀጊ ክኸውን ስለ ዝኽእል ኣእትዉልና ዝብል ሕቶ መጺኡ። ሕዚ ድማ ኣብ ቀረባ ወራር ኣምበጣ ምስ ኣጋጠመ እዚ ድሮን ልቐቑልና ኢሎም" ይብል።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ወራር ኣምበጣ ከቢድ ሃሰያ የውርድ ብምህላዉ፡ መንግስቲ ፌደራል ነታ ድሮን ዘይሰደዳ ዝብል ቁጠዐ ካብ ህዝቢ ይስማዕ ኣሎ።
ስለዝኾነ ብግልፂ ዝዓገትኩምሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ክንብል ነቲ ዳይሬክተር ሓቲትናዮ።
"ቀዳማይ ነገር እዚ ድሮን እዚ ናይ ቻይና ስርሓት እንከሎ ካብ እስራኤል መፅዩ ተባሂሉ። ካልኣይ ብዛዕባ እቲ ድሮን ዝገልፅ መሰነይታ ፅሑፍን ሙሉእ ሓበሬታን የብሉን። ንኣምበጣ መንፀጊ ተባሂሉ ዝመፅአ እውን ኣይኮነን። ካልእ ድማ ብትካል መግብን ሕርሻን ዓለም ካብ ዝተፈቕደ መጠን ድሮን ወጻኢ'ዩ፤ ነዚ ዕላማ ተባሂሉ ዝተሰርሐ እውን ኣይኮነን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ከም መንግስቲ ብቑዕ ብዝኾነ ስርዓት አሰራርሓ ማሕበረሰብ ንክውዕል፡ መን ይቆፃፀሮ? ፀገም እንክፍጠር መን ሓላፍነት ይወስድ? ዝብል ስርዓት ብምቕማጥ ተግባራዊ ክግበር ከም ዝደልዩ ድማ ሓቢሩ።
"ፖለቲካዊ ውሳነ ከምዝኾነን እዩ"
ምክትል ኣቦ መንበር ማሕበር ተጋሩ እስራኤል ተኬ ማኛው ግና፡ ነታ ድሮን ዘድልይ መስርሕ ኩሉ ከም ዘማልኡ ብምሕባር፡ ንምላሽ እቲ ዳይሬክተር ከም ዘይኣምነሉን ፖለቲካዊ ውሳነ ከምዝኾነን እዩ ዝገልፅ።
"ካብ ሀ ክሳብ ፐ ኩሉ እቲ መስርሕ ከም ዝተማልአ እዩ ዘለኒ መረዳእታ። ከም ኮሚቴ ብዙሕ ፃዕሪ ጌርና ኢና፤ ሽሞም ክንገልፆም ዘይንደልይ ብዙሓት ተጋሩ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ወኪላት፡ ናብ ኢንሳን ናብ ዝምልከቶም ኣካላትን ብዙሕ ጽዒሮም። ዝረኸብዎ መረዳእታ ግና ናይ ፖለቲካ ጉዳይ'ምበር፡ እቲ መስርሕ ኩሉ ተማሊኡ እዩ" ይብል።
ዶክተር ሹመቴ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ትግራይ ንምንታይ ዘይተለኣኸት ዝብል ሕርቃን እንተሃለወ ካልኦት ክልላት'ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ከም ዘቐርቡ እዩ ዝዛረብ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ሓረስቶት በዚ ዕስለ ኣምበጣ ፍርያቶም ዓንዩ ይነብዑ ኣለዉ እሞ፡ እዚ ስጉምቲ በቲ ህዝቢ ምፍራድ'ዶ ኣይኮነን? ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናሉ።
"ኣነ'ውን ነቲ ህዝቢ ይግደሰሉ'የ፤ ልዕሌኺ'ውን ነቲ ህዝቢ ይስመዐኒ፣ የሕመኒ። ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንድሬዳዋ፣ ኣምሓራን ካልኦት ብዙሓት በዚ ወራር ኣምበጣ ኣብ ፀገም እዮም ዘለዉ። ብሚኒስቴር ሕርሻ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቒሙ ይሰርሕ ኣብ ዘለወሉ፡ እቶም ተወለድቲ ትግራይ ንናይ እስራኤል ሕርሻ ቢሮ ዝሓተትሉ ምኽንያት ኣይፈልጥን" ዝብል ምላሽ ምስ ሃበና፡ ኣብ ሞንጎ እቲ መስመር ስልኪ ብወገን እቲ ዳይሬክተር ተዓፅዩ።
መሊስና ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።
እንተኾነ ኣብ ካልኦት ክልላት እታ ሃገር ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕስለ ኣምበጣ ንምምካት ሚኒስቴር ሕርሻ ኬሚካል ዝነፅጋ ነፈርቲ ኣዋፊሩ'ዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዞባ ምብራቕን ምዕራብን ሃረርጌ'ውን ኬሚካል ካብ ዝነፅጋ ነፈርቲ ብተወሳኺ ድሮን ከም ዝጥቀሙ፡ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ዳባ ደበሌ ንቢቢሲ ገሊፁ እዩ።
ሚኒስቴር ሕርሻ እታ ሃገር፡ "ንቢሮ ሕርሻ ትግራይ ኰነ ካብኡ ንታሕቲ ዘለዉ ወረዳታት ብስልኪ ዋላ ብኻልእ መንገዲ ረኺብና ክንሓቶም እንከለና፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ምምችቻውን ዝንፀገሉ ከባቢ ብምንፃር ክንፀግ ኣብ ምግባርን፡ ፍቓደኛታት ስለ ዘይነበሩ ክሳብ ሕዚ ኣይተነፀገን" ክብል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣይተ ኣበራ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







