"ኣንበጣ እኽሊ ወዲኡ ኣብ ዓይኒ ሰብ ክዓርፍ ጀሚሩ"፡ ሓረስቶት ራያ

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝኣተወ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ሓረስቶት ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱ

ምንጪ ስእሊ, DESTA KAHSAY

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ናብ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝኣተወ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ፡ ኣብ ልዕሊ ዘራእትን እጽዋትን ዘውርዶ ሃስያ ከቢድ ኮይኑ'ሎ።

ኣብቲ ከባቢ ጸሓይ ክሳብ እትዓርብ ብርቱዕ ድምጺ ጥሩምባ፣ ርችት፣ ጭጉራፍን ካልእ ድምጺ ዘውጽኡ ነገራትን ልዕሊ ዝኾነ ነገር እዩ ዝስማዕ።

ንዓመት መመላእታ ክሓርሱን ከለሳልሱን ጸኒሖም ማለፊያ ምህርቲ ክሓፍሱ ሃንቀው ዝብሉ ዝነበሩ ገባራት፡ ኣብ ልዕሊኦም ኲናት ምስ ዝኸፈተ ሓያል ዕስለ ኣንበጣ ክገታገቱ ሳእኖም ካብ እግሮም ከይወጽአ፣ ዝደረቡዎ ዓለባ'ውን ካብ ዝባኖም ከይወረደ ንልዕሊ ክልተ ወርሒ በረኻ ሰፊሮም።

እንተኾነ፡ እቲ መጺኡ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ከምቲ ካልእ እዋን ብዝርብሽ ድምጺ ጸረውረው ኢሉዎ ቀልጢፉ ዝሃድም ዘይኮነ፡ ኣብ ግራት ዓዲ ኣቡኡ ዘሳፍሐ ክሳዕ ዝመስሎ ብዘይስኽፍታ ዳርጋ ምሉእ ዓመት ዝተርሃጸሉ ፍረ ዝምጩልፍ ከርሳም እዩ ኮይኑ ዘሎ።

ነዚ ርእየን ኣብ መሬት ተስፋ ዝስኣና ኣዴታት ራያ፡ ርእሰን ናብ መሬት ቀቢረን፣ ኣእዳወንን ኣእጋረንን ክሳብ ዝልሓጽ "ምእንተ ቖልዑ" ግደፈና እናበላ ይልምና ኣለዋ።

"ማእገር ህዝብና ባዕልና" ዝበሉ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ትግራይ'ውን ዓቕሞም ዘፍቀዶ ንምሕጋዝ ምስ ኣንበጣ ክጓየዩን ኣብ በረኻታት ክሓድሩን ይርኣዩ።

ኣብ ደገ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ'ውን ገንዘብ ብምትእኽኻብ ነቲ ሰናይ ዘመን ርእዩ ተስፍኡ ዝተመንዝዐ ህዝቢ ንምሕጋዝ ይጽዕሩ ኣለው።

ሓረስቶት ግን፡ ደጊምስ "ተስፋ ቖሪጽና" ይብሉ ኣለው። ሰለስተ ዛንትኦም ዘካፈሉና ሓረስቶት ኣለው።

Short presentational grey line

"ኣንበጣ እኽሊ ወዲኡ፡ ኣብ ዓይኒ ሰብ ክዓርፍ ጀሚሩ"

ሓረስታይ ንጉስ ሲሳይ ወረዳ ጨርጨር፡ ጣብያ ሓድሽ ቅኒ ቑሸት ላዕላይ ጉባጋላ

ወዲ 50 ዓመት መራሒ ስድራ'የ፤ ምስ ርእሰይ ሸውዓተ ኣባላት ስድራ ኣለውኒ።

ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ስለ ዝኾኑ፡ ነቶም ክልተ ሒዘ ብለይቲ እናወፈርኩ ኣብዚ ዓመት ጽቡቕ ምህርቲ ንክረክብ ብዙሕ እየ ለፊዐ።

ኣብ ሞንጎ ትምህርቲ ስለ ዝተዓጸወ ድማ እቶም ንኣሽቱ ጥሪት ብምጉሳይ፡ በዓልቲ ቤተይ'ውን ዘርእና ብባልዕን ጻህያይን ከይውረር ብምክትታል ኩላትና ተሓጋጊዝና ጽቡቕ ክኾን ገይርናዮ።

እዛ ናትና ቑሸት 500 ሓረስታይ ኣለዋ፤ ኣነ ድማ 251 ሄክታር መሬት ኣለኒ።

ኣብዚ ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት (ዝሓለፈ ዓመት 2012 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ሓሪሰን ኣለስሊሰን ጣፍ፣ ምሸላ፣ ዓይኒ ዓተርን ስገምን ዘሪአዮ።

ክራማት ብሓምለ ድንጉይ ኢሉና ጸኒሑ፤ ብነሓሰ ግን ሸጋ ክራማት ስለ ዝሃበና ወዮ ናብራ ሓረስታይ ደስ ኢሉና፤ ጽቡቕ ተስፋ ሂቡና ነይሩ።

ነዚ ርእየ ካብ ሓደ ሄክታር ክሳብ 80 ኩንታል ዝኸውን ማሽላ፣ ክሳብ 40 ኩንታል ዝበጽሕ ድማ ጣፍ ክሳብ ክረክብ እየ ዝብል ተስፋ'ኳ እንተነበረኒ፡ ሐዚ ግን ኹሉ ግን ብኣንበጣ ተበሊዑ'ዩ።

ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ክሳብ ሐዚ ሓረስታይ ምህርቱ ሓሰኻ ከይበልዖ ጸረ ባልዕ እናነጸገ፣ ጻህያይ ከይወሮ ጸረ ጻህያይ እናተጠቐመ ተጠንቂቑ ይሕልዎ ነይሩ።

ኣብቲ ከባቢና ቡኒ ዝብሃል ጣፍ፣ ጅጉርቴ ዝብሃል ማሽላ ስለ ዘለና፡ ካብ ጥቅምቲ እዚ ኣመት ኣትሒዝና ሓሲና ክንበልዕ ኢና እናበልና ተስፋ ገይርና ከነብቅዕ፡ እቲ ሓረስታይ ነዛ ተስፋ'ውን ካብ መሬት ስኢኑዋ።

ብብዕራይ ይኹን ብቴክኖሎጂ ተሓጊዝና ሓያል ጉልበት ዘውፈርናሉ፣ እዚ ጣፍን ማሽላን ብሰላም እንተኣቲው ንብዙሕ ዓመትት ዝኽእል ምህርቲ ክርከብ እዩ እናተባህለ ኩሎም ኣመራርሓ እናመጽኡ ዝርእዩዎ ዝነበሩ ምህርቲ ካብታ ግራት ከይወጽአ ጠፊኡ።

እዚ ኩሉ ሓረስታይ ዝተረፎ ነገር የብሉን፤ ኣነ'ውን ኣብ ኣስታት 251 ሄክታር ዝነበረኒ ማሽላ፣ ጣፍ፣ ስገም ኩሉ ዓንዩ።

እዚ ኣንበጣ ኣብ ማሽላ፣ ሽምብራ፣ ስገም ካርና ጸገም ኣብጺሑልና፤ ኮታ ብዙሕ ጸገም በጺሑና ኣሎ።

ገና ናባና ከይኣተወ ከሎ ብዓፋር ገጽ እዩ ክመጽእ ንዳሎ እናበልና እናመኸርና ክንሕልዎ ኢና ጸኒሕና።

እንተኾነ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ዝኣተወ ዕስለ፡ ሓያል ስለ ዝኾነ ዝገበርና እንተገበርና ክንቆጻጸሮ ኣይክኣልናን፤

ዝተወሰነ ናብ ኣላማጣ ዝተወሰነ ሓደ ሓደ ገመድ ዝተረፎ እንተሃለወ እምበር ናትና ግን ኩሉ ስኢኑ እዩ።

ግራትኩም ሓልዩ ክብሃል ከሎ ተወዲብና ብጥሩምባ፣ ብሓይታ፣ ብጭጉራፍ ክልተ ግዜ ኣባሪርናዮ።

ንሳልሳይ ግዜ ዝመጸእ ዕስለ ግን ሓያል ወራር ገይሩ ክንከላኸሎ ኣይክኣልናይ። እቲ ኣንበጣ ዘይተንከፎ እኽሊ የለን፤ ኣብ ኩሉ እዩ በጺሑ።

ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ዝባን ሰብን እንስሳን ክዓርፍ ጀሚሩ። ናይ ሰብ ዓይኒ እናወቕዐ ነይሩ። ድሕሪ ሐዚ እንታይ'ሞ ክግበር?

መቸስ፡ ብእግዚኣብሄር ተስፋ እኒአና፤ ጸሎት ክንገብር እምበር እንታይ'ሞ ክንገብር?

ሐዚ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣንሽቲ እየን ተሸጊረን ዘለዋ፤ ቤተክርስቲያን እናኸዳ ዝምህለላ፣ ክንጠሚ ዲና? እዚ ጣፍ፣ እዚ ምሸላ እንተተበሊዑ ድሕሪ ሐዚ ናበይ ኢና ንኸድ? እናበላ ይጭነቓ ኣለዋ። በዓልቲ ቤተይ ክትጸናንዐለይ ኣይክኣለትን።

ዳሕና ዝነበራን ኣብ ሰሙን ኩለን ዓቢረን፣ ጸሊመን፣ ተስፋ ስኢነን። እቲ መንእሰይ ቀደሙ'ውን ተጨናቒ'ዩ፤ ሐዚ ከኣ ብኢሱዎ ተስፋ ቖሪጹ ኣሎ።

ማሽላ ዝሓዘ መንእሰይ ራያ

ምንጪ ስእሊ, MOLA AMARE

Short presentational grey line

"እንታይ'ሞ ክገብር ክጠሚ'የ እምበር"

ጓል ኣንስተይቲ ሓረስታይ ብሪ ሓየሎም

ኣነ'ኳ በታ ዓቕመይን ትሕዝቶይን ኣብ ፍርቂ ሄክታር መሬት ጣፍን ምሸላን ዘሪአ ነይረ።

እንታይ ዋጋ ኣለዎ፡ ኣንበጣ ኣቸጊሩና ሐዚ ኩሉ ይጥቃዕ ኣሎ። እቲ መጺኡ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ንምክልኻል ኩሉ ብዓቕሙ ይሳተፍ'ኳ እንተበሃለወ ኣንበጣ ኣሸኒፉዎ።

ክሳብ እዛ እለት፡ ኣብ በረኻ ብጻምእን ጥምትን ነቲ ኣንበጣ ከነባርር ኢና ንውዕል፤ ሰብ ግን ተሰላችዩ። ኣመጻጽእኡ በዚሑ ኩሉ ደኺሙዎ።

ድሕሪ ሐዚ እንታይ ከም እንገብር ኣይንፈልጥን።

ዘራእትና ከይንዓጽድ ገና ኣይበጽሐን፤ ኣጓጉል እዩ ዘሎ።

ምስ ማዩ ሸዊት እዩ ዘሎ።

በቃ ግራተይ በዚ ኣንበጣ ተበሊዑ እንተተወዲኡ ምስ ደቀይ ክጠሚ'የ።

ኣደ ምስ ደቃ

ምንጪ ስእሊ, DESTA KAHSAY

Short presentational grey line

'ናይ ኣንበጣ ኲናት መጺኡና'

ሓረስታይ ሲሳይ ስዩም

ኣብ ወረዳ ረያ ጨርጨር ነባሪ ጣብያ ሓድሽ ቅኚ'የ። ኣላዪ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራ እየ።

ኣብዚ ዓመት ጽቡቕ ኣዝመራ ስለ ዝነበረ ጽቡቕ ምህርቲ ክንሓፍ እሞ ሰናይ ዘመን ከነሐልፍ ኢና ዝብል ሰማይ ዝዓረገ ተስፋን እምነትን ነይሩኒ።

ኣብታ ሓደ ሄክታር መሬተይ ድማ ጣፍ ይኹን ምሸላ ዘሪአ ጽቡቕ ምህርቲ ከእቱ ይጽበ ነይረ። 11 ወርሒ ሙሉእ እየ ለፊዐ።

እቲ ዘራእቲ ብጻህያይን ባልዕን ከይጠፍአኒ ዝሓለፍኩዎ ኣነ እየ ዝፈልጦ። ቅድም ኢሉ 20 ኩንታል ዝህበኒ ዝነበረ መሬት ሎም ዘበን እንተውሓደ 30፤ እንተበዚሑ ድማ 40 ኩንታል ምህርቲ ክረኽበሉ እየ ብዝብል ብርከይ ከይዓጸፍኩ፣ ሑቐይ ኣጉቢጠ ምስ መሬት ተቓሊስ፤ መሬተይ እናገደብኩን እናልማዕኹን ከሪመ።

ካብታ ሄክታር ናብ 20 ኩንታል ዝጽጋዕ ጣፍ፣ ካብታ ፍርቂ ድማ 15 ኩንታል ማሽላ ክረክብ እየ፤ በዚ ንስድራይ ዓንጊለ ናብ ዕዳጋ ኣቕሪበ ክርባሕ እየ ብዝብል እየ ጽዒረ።

ይኹን'ምበር፡ ሃንደበት ኣንበጣ መጺኡ ጸገም ፈጢሩለይ፤ ኩሉ ነገር ከም ዘይነበረ ኣባዲሙለይ።

ካብታ ፍርቂ እዚ ዝኣክል፣ ካብታ ፍርቂ'ውን ክንድ'ዚ ክረክብ'የ ኢለ መደብ ኣውጺአ ልበይ መሊኡለይ ምህርቲ ከእቱ ኣብ ዝጽበየሉ እዋን ኣንበጣ መጺኡ ንኹሎም ተስፋታተይ መንጢሉኒ።

ኣነ ሓደ ሄክታርን ፈረቓን መሬት'ዩ ዘለኒ። ርብዒ ትኸውን ተሪፋትኒ እምበር ዝሓዝኩዎ የብለይን።

ክሳብ ሐዚ ብእንርእዮ ግን ልዕሊ 150 ሄክታር ጣፍ፣ ናብ 100 ሄክታር ዝጽጋዕ ዕፉን፣ ብተወሳኺ'ውን ሽምብራ ኣዕኒዩልና እዩ።

እቲ ኣንበጣ ወሪሩና እዩ። ብሓይሊ ሰብ ዝውጻእ ወራር ኣንበጣ'ውን ኣይኮነን መጺኡ ዘሎ።

ደጊም፡ ተስፋ ቖሪጽና ከፍ ኢልና ኣለና።

ኣዴታት ተስፋ ቖሪጸን፤ ኣንሽትና ጸልሚቱወን። ናይ ኣንበጣ ኲናት መጺኡና ብምንታይ ኢና ክንዕንገል? ኣብ ዕዳጋ ዝሽመት ክርከብ ድዩ? እናበላ ይጭነቓ ኣለዋ።

ግንከ ሓደ ሻብ ዝሞተ ነገር ኣይልዓልን'ሞ፡ ንድሕሪ ሕዚ ካብዚ ትምህርቲ ክንወስድ እዩ ዝግባእ።