'ንህዝቢ ወኪለ እየ ናብ ቤት-ምኽሪ ኣትየ'፡ ወይዘሮ ያየሽ ተስፋሁነይ

ወይዘሮ ኣየሽ

ምንጪ ስእሊ, YAYESH

ብቕድሚ ትማሊ ባይቶ ተወከልቲ ህዝብን ባይቶ ፌዴሬሽንን ሻድሻይ ዓመት ናይ ስራሕ ጊዜ ብወግዒ ጸምቢሎም።

ወከልቲ ክልል ትግራይ ድማ ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣኼባ ንከይሳተፉ ብህወሓት ተኒጊርዎም።

ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይዝሮ ያየሽ ተስፋሁነይ ግን "ንህዝቢ ወኪለ እየ ናብ ቤት-ምኽሪ ኣትየ" ብምባል ንበይና ተሳቲፋ።

ቢቢሲ ትግርኛ ንወይዘሮ ያየሽ ተስፋሁነይ ኣዘራሪቡዋ ኣሎ - ምሉእ ቃለ መሕትት ይስዕብ።

Short presentational grey line

ቢቢሲ፡ ህወሓት፡ ኣብቲ ትማሊ ዝነበረ መኽፈቲ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ፌደሬሽንን፡ ወከልቲ ትግራይ ከይኸዱ ኣጊደ'የ ምባሉ ይፍለጥ። ብዛዕባ እዚ መዓስ ሰሚዕኺ?

ያየሽ ተስፋሁነይ፡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ሓምሻይ ዙርያ መረጻ ተመሪጸ እየ ኣትየ። ቀዳማይ ነገር፡ ንዓይ ናብ ኢደይ ዝበጽሐኒ ደብዳበ የለን። ክሳብ ሕጂ ዝበጽሐኒ ደብዳበ የለን።

እኳ ደኣስ ኣመራርሓ ህወሓት ብሚዲያ ብዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ኣይኣትውን ዝብል ኣንፈት ከም ዘሎ ከምቲ ካልእ ዜጋ ሓፈሻዊ መግለጺ ክወሃብ ሰሚዐ ነይረ።

ካብዚ ብዝሰገረ ግን ናባይ ዝተላእኸ ደብዳበ የለን።

ቢቢሲ፡ ብምንታይ ምኽንያት ኢኺ ኣብቲ ናይ ትማሊ ጉባኤ ንብሕትኺ ተሳቲፍኪ?

ወይዘሮ ያየሽ፡ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ'የ ንህዝቢ ወኪለ እየ ቤት ምኽሪ ኣትየ፤ ብ2008። ኣብዚ ህወሓት ከም ግንባር ኢህወደግ ወኪሉኒ እየ ኣብ ኣዲስ ኣበባ የካ ክፍለ ከተማ ጣብያ መረጻ 16 ተወዳዲረ ህዝቢ ድምጹ ሂቡኒ ኣትየ።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ኢህወደግ ከም ግንባር ዝተፈላላየ ውክልና ሒዝና ናብቲ ባይቶ ንእቶ እምበር፡ ካብ ዝኣተና ጀሚርና ግን ናይ ስራሕ ሓላፍነትና ከም ሓደ ናይ ሕጊ መውጽኢ ኣካል፣ ከም ሓደ ፈጸምቲ ዝሰርሑዎ ምክትታልን ምድጋፍን ሓላፍነት ዘለና ኣካልን ኣባልን፡ ናይቲ ዝመረጸኒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ውክልና ሒዘ ኣትየ።

ስለዚ እቲ ክፍጽሞ ዝግበአኒ ብኡ መልክዕ እየ ክሰርሕ ጸኒሐ።

ብዙሕ'ኳ ተመረጽቲ ኮይንና ዘድምዕ ስራሕ ሰሪሕና ዝብል እንተዘይሃለወኒ፡ ገለ ፈተነታት ግን በዚ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣንፈትን'የ ዝሰርሕ ነይረ።

ስለዚ ኣነ ትማሊ ዝተረኸብኩሉ ምኽንያት'ውን ሓደ ወኪል ናይ ህዝቢ ድምጺ ህዝቢ'ዩ ከኽብር ዘለዎ።

ካብዚ ወጻኢ እቲ መእተዊ ዝኾነካ ፓርቲ ስለ ዝጸውዐካ፡ እቲ ናይ ህዝቢ ክብርን ድምጽን ነጺግኻ ምኻድ ኣግባብነት ኣለዎ ኢለ ስለ ዘይኣምን እየ ክርክብ ክኢለ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወዳዲርኪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክትኣትዊ ከለኺ፡ ውክልናኺ ናይ ትግራይ ህዝቢ ወኪል ምዃንኪ ዘንጸባርቕ ድዩ?

ወይዘሮ ያየሽ፡ ከም ዝፍለጥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንግንባር ኢህወደግ ዝውክሉ 23 ኣባላት ቤት ምኽሪ'ዮም ዝኣትው። ህወሓት ሓሙሽተ ኣቕሪቡ።

እዚ ክብሃል ከሎ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሕ ትግራዋይ ዘለዎ ከተማ እዩ። ካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ሓዊስካ ማለት'ዩ። ነዚ መሰረት ገይሩ'ዩ ህወሓት ወኪላት ኣወዳዲሩ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኣቱ።

በዚ መልክዕ ክርኣ ኣለዎ፤ ትግራዋይ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር።

ብርግጽ ኣዲስ ኣበባ ከም ሓደ ምምሕዳር ከተማ እዩ ዝወሰድ፡ በቲ ዝነበረ ናይ ኢህወደግ ኣተሓሳስባ በዚ ቃንዩ 23 ኣባላት ቤት ምኽሪ እንትርከብ ህወሓት 5 ኣወዳዲሩ'ዩ። ስለዚ በዚ ዓይነት ኣተሓሳስባን ኣግባብን እየ መጺአ።

ቢቢ፡ ትማሊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣብ ፈደራል ክሰርሑ ንዝጸንሑ ኣባላቱ ናብ ውድቦም ሪፖርት ክገብሩ ዘውጽኦ መጸዋዕታ ከመይ ትርእይዮ?

ወይዘሮ ኣየሽ፡ እዚ ናይ ሕጊ ሕቶ ኢኺ ትሓትኒ ዘለኺ። በቲ ዘለኒ ግንዛበ ግን ኣነ ወኪል ህዝቢ ክሰዕ ዝኾንኩ ካብ ውክልናይ ክለዓል ወይ ዘይክሳተፍ ዝኽእል ብኽልተ መገዲ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ሓደ እቲ ዝወከለኒ ህዝቢ ኣይትውክለናን ኢሉ ኣመኔትኡ እንተልዒሉ። ምኽንያቱ እቲ ዝወከለኒ ህዝቢ ንኣና ክተድምጽልና፣ ጸገምና ክተቕርብልና ኣይኽኣልክን ብዝብል ወይ ካልእ ጸገማት እንተሃልዩኒ ርእዩ እቲ ህዝቢ ኣመኔትኡ እንተኣልዒሉ ከቋርጽ ግዴታ ኣለኒ።

ምኽንያቱ ናብ ባይቶ ድሕሪ መምእታውካ ዘሎ ስልጣን ናይ ህዝቢ'ዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ብኻልእ መዳይ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ዘእክል። በቲ ዝነበረ ንቡር ኣካይዳ በብሓሙሽተ ዓመት እናተመረጸ፡ ካልኣይ እንተዘይተመሪጽካ ትወጽእ። ናይ ሎሚ ዘበን ግን ፍሉይ ዝገብሮ፡ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ምድላው እናተገብረ እናሃለወ ኣብ ዓለም ለበዳ ሕማም ኣጋጢሙ፤ ኣብ ዓድና'ውን ኣትዩ።

ብሕልፊ ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዚያ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብቶም ዝዓበዩ ሃገራት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝሞትሉ ዘስግአ ኩነታት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ እንተተኸሲቱ እንታይ ኢና ክንገብር ዝብል ቅልውላው ዝነበረሉ ወቕቲ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ፡ ህዝቢ ዘስግእ ኩነታት ስለዘሎ፡ ብኹሉ ኩርናዕ ሃገርና ተንቀሳቒሰ እቲ ግቡእ ምድላው መረጻ ከጸግመለይረ'ዩ፤ ስለዚ ምርጫ ይናዋሕ ኢሉ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዘቕረቦ ሓሳብን ተቐባልነት ረኺቡ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ቐሪቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ድማ፡ ምስቶም ዝነበሩ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው ውሰነ ኣሕሊፉ፤ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት እቲ መረጻ ክናዋሕ ክኢሉ'ዩ።

ስለዚ እቲ ኣነ ካብ ቤት ምኽሪ ክወጽእ ኣለኒ ኢለ ዝሓስቦ ህዝቢ ኣመኔትኡ እንተኣልዒሉን ናይ ምርጫ ዘመን እንተኣብቂዑን'ዩ።

እዚ ድማ ገና ስለ ዝተናውሐ ኣነ እቲ ህዝቢ ዝሃበኒ ኣመኔታ ተቐቢለ ቀጺለ፡ ንቐጻሊ ኣብ ዝግበር መረጻ ምስተመረጸ ሓላፍነትና ምስ ኣረከብና እየ ሐላፍነተይ ዝውድእ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ፡ ነዚ ሒዘ እየ ኣትየ።

ወይዘሮ ኣየሽ

ምንጪ ስእሊ, YAYESH

ቢቢሲ፡ መንግስቲ ትግራይ፡ እቲ ትማሊ ዝተኻየደ መኽፈቲ ጉባኤ ክልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ዘይሕጋዊ'ዩ ብምባል ኣይተቐበሎን። ልክዕ ድዩ?

ወይዘሮ ኣየሽ፡ ኣነ ሕጋውን ቅቡልን'ዩ ኢለ እየ ዝወስድ። ሕገ መንግስቲ ተኸቲሉ ዝተፈጸመ ስለ ዝኾኑ፡ ንሕገ መንግሰትቲ ምኽባር ድማ ናይ ኩላትና ዜጋታት ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ብኡ ተረዲአ ልክዕ እዩ ኢለ ክሳተፍ ክኢለ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ሃገራዊ መረጻ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንክናዋሕ፡ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ተሓቲቱ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ከጽድቖ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝኾኑ ወከልቲ ትግራይ ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ይፍጸም ኣሎ ኢሎም ይቃወሙ ነይሮም። ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረኪ መርገጺ እንታይ'ዩ?

ወይዘሮ ያየሽ፡ ኣነ ልክዕ'ዩ፤ ሕገ መንግስታዊ'ዩ እየ ዝብል።

ቢቢሲ፡ ቅድም ኢሉ እቲ ዝወከለኒ ህዝቢ ንኣና ክተድምጽልና፣ ጸገምና ክተቕርብልና ኣይኽኣልክን ብዝብል ወይ ካልእ ጸገማት እንተሃልዩኒ ርእዩ እቲ ህዝቢ ኣመኔትኡ እንተኣልዒሉ ከቋርጽ ግዜታ ኣለኒ ኢልኪ ነይርኪ።

ንዝሓለፉ ክልተ ዓመትን ልዕሊኡን ድማ ብወገን ትግራይ ዕግበት ከም ዘየሎ፣ መንግስቲ ክሰርሖም ዝግባእ ፕሮጀክታት ፌደራል ይቋረጹ ከም ዘለው፣ መገዲ ተዓጽዩ ምስ ህዝቢ ክራኸብ ከም ዘይክኣለ ዝገልጹ ጥርዓናት የቕርብ ነይሩ።

ከም ወኪል ኣባል እቲ ባይቶ፡ ብልክዕ ውክልና ህዝቢ ኣረጋጊጽና ኢና ዝብል እምነት ድዩ ዘለኪ?

ወይዘሮ ያየሽ፡ እዚ ሕቶ ኣነ ዘይኮንኩ ህዝቢ እዩ ክምልሶ ዘለዎ። ህዝቢ እቶም ዝወከልኩዎም ኣባላት ባይቶ ብግቡእ ሓላፍነት ይዋጽኡ ነይሮም ኣይነበረን ዝብል ክምልስ ይግባእ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝተፈላላዩ እዋናት፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ብልጽግናን ዘሎ ዘይምቅዳው ብዙሓት ኣባላት ሰልፊ ህወሓት ዝነበሩ ናብ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ተጸምቢሮም'ዮም። ኣባል ብልጽግና ዲኺ?

ወይዘሮ ኣየሽ፡ ኣነ ምልእቲ ሰብ'የ፤ ናይ ባዕለይ ኣተሓሳስባን ምልከታን ኣለኒ። ስለዚ እቲ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፣ ዝህቦ ሓሳብን ዝወስዶ ስጉምትን ናይ ባዕለይ ተባሂሉ'ዩ ክውሰድ ዘለዎ።

ኣነ ኣባል ባይቶ ከም ምዃነይ መጠን፡ ካብ ኣባልነተይ ከቋርጽ ዝኽእል በተን ክልተ ምኽንያታት ስለ ዝኾነ፡ ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ክቕድም ስለ ዘለዎ ንህዝቢ ኣኽቢረ'የ።

ቢቢሲ፡ በዚ ውሳነ ከጋጥመኒ ይኽእል'ዩ እትብልዮ ስግኣት ኣሎ'ዶ?

ወይዘሮ ያየሽ፡ ብቐጥታ እዚ ዝብሃል ዝበጽሓኒ ነገር የለን። ግን ኣብ ሃገርና ብዙሓት ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ተጠቀምቲ ኣለው።

መብዛሕትኡ ድማ ስቕ ኢሉ እዩ ሓሳቡ ዝገልጽ። ብኻልእ መዳይ ናይ ዝተፈላለዩ ውድባት ሓሳባት ስልቲ ዝመስል ኣካይዳ ዘለዎም ነጠፍቲ እውን ኣለው።

በዚኦም ዝጽሓፉ ነገራት ክትሪኦም ከለኻ ዘይሃንጽን ምፍርራሕ ዝመስሉን ይርኣዩ እዮም። እዚ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ዝኾነ ፓርቲ ዝመጽአ እዩ ኢለ ንምዝራብ ዕቱብ ዝኾነ መረዳእታ ክህልወኒ ይግባእ።

ኮይኑ ግና ባህሪያዊ እዩ፤ ሰብ ዝመሰሎ ክዛረብ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግን ጽቡቕ ድጋፍ እውን እናተጽሓፈ ይርኢ ኣለኹ እየ።

ቢቢሲ: ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ዘሎ ዘይምቅድዳው ከመይ ትርእዮ? እንታይ ክግበር ይግባእ ትብሊ?

ወይዘሮ ያየሽ: ጸገማት ክህልው፣ ናይ ህዝብን ኣካይዳን ኣፈላላይ ክህሉ ይኽእል'ዩ። እዚ ንምንታይ ተፈጥረ ኣይንብልን። የግ ዳስ ከምዚ ዝበለ ነገር ከጋጥም ከሎ ብብስለት ተቐራሪብካ ነቲ ጸገም ብኸመይ ንፍትሓዮ ክብሃል ኣለዎ።

ምእንተ መን? ምእንተ ህዝብን ሃገርን ተባሂሉ መለክዒና ህዝቢ ብምግባር ተቐራሪቦም እቲ ጸገም ክፍታሕ ኣለዎ። ነዚ'ውን ኣነ ዕድል እንተረኺበ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ እየ ዝሓስብ።

ብጎንጽን ምክራርን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ጠጠው ኢልካ ንህዝቢ ክተርብሕ ግን ኣይክኣልን። "ዓዲ ንክዕቢ ምምኽኻር፣ ዓዲ ንክጠፍእ ምፍኹኻር" ዝብል ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ከም ሃገርና ዝበለ ናይ ዴሞክራሲ ዕብየቶም ገና ዝኾነ ሃገራት ቅልውላው እንትፍጠር ኩሉ ነገር እዩ ዝበላሾ።

ስለዚ እቲ ዘሎ ጸገማት ተቐራሪብካ ብምዝርራብን ሓቢርካ ብምስራሕን ክፍታሕ ኣለዎ ይብል።