ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ቅድሚት ዝመርሓ ኣደታት፡ እንታይ ይረብሓ?

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየዱ ሰልፍታት ብብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ዓይነት ክዳን ይኽደና

ኣብ ዓለም ኣብ ዝተገብሩ ዕውታት ብሄራዊ ቃልስታት፡ እጃም ደቂኣንስትዮ ሰፍ ዘይብል እዩ።

ኣብ ኲናት ቬትናም ዝነበረ ደቂ ኣንስትዮ፣ 'ንስለ ናጽነት ሃገርና' እናበላ እምኒ ቆርጢመን ቃልሲ ዝደገፋ ደቂ ኣንስትዮ ዙምባብወ፡ ዕድመ ንእስነተን ገቢረን መስዋእቲ ዝኸፈላ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራን ትግራይን ነዚ ምስክር'የን።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝባነን ቖልዓ ሓዚለን ብኢደን ድማ ብረት ተሰኪመን "ዓወት ወይ ሞት!" ኢለን ጨሪሐን ዝተሳተፋሎም መድረኻት ድማ፡ ኣምር ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይኖም ሓሊፎም።

ወጽዓን ጭቆናን ስርዓት ደርጊ ብምቕንጣጥ ብሄራዊ ክብሪ ንምልባስ ዝተገብረ ቓልስን፡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ንምዝካር፡ ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ዝቖመ ዓብዪ ሓወልቲ ሰማእታት ኣሎ።

እዚ 51 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሓወልቲ፡ ኣርባዕተ ኣእጋር ዘለውዎ ኮይኑ፡ እቲ ሓደ እግሪ ብደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝውከል።

ብየማነ ጸጋም እቲ ሓወልቲ'ውን፡ ስንቂ ብኣእዳዋ ዘንጠልጠለት፣ ኣብ እንግድዕኣ ቖልዓ ዝሓዘለት፣ ብረት ዝተዓጠቐት፣ ኣብ ከብዳ ድቂ ዝጸረትን ጓልኣንስተይቲ ብሓወልቲ ተቐሪጹ ይረኣይ።

እዚ ኹሉ እንትትርኢ፤ ጸገም፣ ስደትን መከራን ድሓር ድማ ሓርነት ናይተን ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ክፋል ሕብረተሰብ ትግራይ ዝኾና ደቂ ኣንሰትዮ ክትሓስብ ትግደድ።

ክሳብ ጽባሕ ውጽኢት ክልላዊ መረጻ ትግራይ 2012 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመትን ልዕሊኡን፡ ኣብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ውድብን መንግስትን ተኻይዶም።

እቲ ህዝቢ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣጋይሽ ተቐቢሉ፣ ህዝባዊ በዓላትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ፍጻመታትን ኣኽቢሩን ዓጂቡን።

ኣብዞም ከምዚ ዝበሉ ጉዳያት ግን ብብዝሒ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣደታት ሓደ ዓይነት ክዳን ተኸዲነን፣ ተቖኒነንን ብመጋየጺታት ተመላኺዐንን ኣብ ቅድሚት እቶም ሰልፍታት ክወጽኣ ይረኣያ።

ምስሊ ስውኣት ተጋደልቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝሓዛ ደቂ ኣንስትዮ

ኣብ'ቲ ክልል ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ከም ጸሓፊት ኮይና እተገልግል ኣበባ ወልደጊዮርጊስ፡ ብዛዕባ'ዚ "ንምንታይ ከምኡ ኾይኑ?" ኢላ ከምእትግረም ትዛረብ።

"ብወገነይ ማዕረ እቲ እንገብሮ ቃልስን ተሳትፎን ተኻሒስና ኢና ኢለ ኣይኣምንን። ግን ድማ መንግስትና ኮነ ውድብ ህወሓት ኣብ ዝደልዩዎም ጉዳያት ቀዲምና እንርከብ ንሕና ኢና። ብዙሓት ኣደታት ከምዚ ክኾና ክርኢ ከለኹ ድማ እሓዝን" ኢላ።

ተምሃሪት 10ይ ክፍሊ እናሃለወት ብሃንደበታዊ ሕማም ብሞት ዝተፈለየታ ወላዲት ኣዲኣ፡ ንርእሳ ሓዊሱ ጎረባብታን ደቂ እድራን ብምጽዋዕን ብምእካብን እትፍለጥ ምንባራ እትዛረብ ኣበባ፡ ሕዚ ኮይነ ክሓስቦ ከለኹ 'ብከንቱ ድኻም ዝሓለፈት ነብሲ እየ ዝብል' ትብል።

"ኣብ ዝኾነ መንግስቲ ይኹን ውድብ ዝጸውዖም ሰልፊታት ተሪፋ ኣይትፈልጥን። ንናብራ ዝጠቅም ዋላ ሓደ ነገር ትረኽበሉ ስለ ዘይነበረ ግን፡ ተመሃሪት ኮይነ፡ ክልቲኤና ካብ ዘየሰማምዑና ነገራት ሓደ ምንባሩ እዝክር። ሕጂ'ውን እዚ ነገር ኣብ ካልኦት ኣዴታት ክርእዮ ከለኹ፡ 'እንታይ'ዩ ብልሓቱ?' እየ ዝብል" ኢላ።

ከምቲ 'ኣደን ጓል ነንበይኑ ጸሎተን' ዝበሃል፡ ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዝመርሐን መንግስቲ ወይ'ውን ፖለቲካዊ ውድብ ዘርእይኦ ደገፍን ናብርአንን ዘሎ ኣፈላላይ፡ ናብራ ሰኑይን ሰነን ኮይኑ ፍጹም ዝራኸብ ኣይኮነን።

ዘይከሓድ፡ ብደረጃ ሃገር ኮነ ክልል ዘሎ ፖለቲካዊ ውክልናን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ ክዓብይ ክኢሉ'ዩ። ኣብ ባይቶ ዘለወን ውክልና 50 ሚኢታዊት ከም ዝበጽሐ'ውን ይግለጽ።

እቲ ቁውም ነገር ግን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምንታይ'የን ብሓቂ ተወኪለንን ተረቢሐንን ዝብል ክኸውን ከምዘለዎ ንብዙሓት ዘረዳድእ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ምዕባይ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕርሻ፣ ንግድን ካልኦት ቁጠባዊ ንጥፈታትን ዓቕመን'ኳ እንተኣዕበያ መብዛሕትአን ግን ስሩዕ ኣብ ዘይኮነ ምንጪ እቶት ዝተዋፈራ፣ ቆልዓ ኣብ ምእላይን ሓዳር ኣብ ምምራሕን ሓላፍነት ዝተሰከማ እየን።

ናብራ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ'ውን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኮነን።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ናብ ፖለቲካ ክመጽኣ ምግባር፡ ሓቛፊ ውሳነ ንክህሉን 'መራሒ እንታይ'ዩ ዝመስል?' ኣብ ዝብል (መብዛሕትኡ ግዜ ወዲ ተባዕታይ'ዩ ዝመርሕ ዝብል ግንዛበ ስለ ዘሎ) ዘሎ ኣተሓሳስባ ኣብ ምቕያርን ከም ዝሕግዝ ይእመን።

ሓቃዊ ተሳትፎ ክህልወን እንተኾይኑ፡ ኣቐዲሙ ደቂ ኣንስትዮ ብኣተሓሳስባን ቁጠባዊ ዓቕምን ሓራ ክወጽኣ ኣለወን።

ሓቃዊ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ድዩስ "መዳመቒ?"

ስለ ምንታይ ግን፡ ብዙሕ ግዜ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሰልፍታት ቅድሚት ክመጽኣ ይድለ? ዝብል ብቐንዱ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ እዩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ኢንስቲትዩት ከባቢ፣ ስርዓተ ጾታን ልምዓታዊ መጽናዕትን ከምኡ'ውን ሓላፊት ክፍሊ ትምህርቲ ስርዓተ ጾታን ልምዓታዊ መጽናዕትን ፍረወይኒ ገብረእግዚኣብሄር፡ እቲ ምውጻእን ሓሳብካ ምግላጽን ጽቡቕ ነገር ኮይኑ፡ ብኡ ልክዕ እቲ ማሕበረ ቑጠባውዊ ተጠቃምነተን ኣሎ ድዩ ኢልካ ክትሓስብ ከለኻ ማዕረ ኮይኑ ኣይትረኽቦን ትብል።

መንግስቲ ኣብ ዝደልዮም መድረኻት ብብዝሒ ክእከባ ምርኣይን፡ ትኽክለኛ ፖለቲካዊ ተሳትፎአንን ዘይቃዶ ነገር ስለ ዝረኣየኒ ግን፡ ንምንታይ እዩ ኣብ ቅድሚት ኮይነን ክረኣያ ዝድለ ዝብል ብቐሊሉ ንምምላስ ይኸብድ እዩ ኢላ።

"ግን ድማ ስራሕ ስለ ዘይብለን ወይ ተጸዊዐን ብቐሊሉ ስለ ዝመጽኣ'ዶስ ብውሽጢ ዝርብሕዎ ነገር ኣሎ ንዓይ'ውን ግልጺ ኣይኮነለይን" ዝበለት ፍረወይኒ፡ "ስቕ ኢልካ ከም መዳመቒ ምጥቃም እዩ ዝርአ" ኢላ ትነቅፍ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ኮፍ ካብ ምባል፣ ሓሳብካ ንምግላጽ ካብ ምጉናይን ተናጊፈን እየን ዝብል ለውጢታት እንተሃለወ'ውን፡ ኣብ ባይታ ግን መንግስቲ ዘይተፈትሖ፣ ዘይርኣዮን ዘይሰምዖን ጸገማት ደቂኣንስትዮ ሽሾ እዩ።

ብስእነት ፍትሒ፣ ዘቤታዊ ዓመጽ፣ መርዓ ትሕቲ ዕድመ፣ ስእነት ስራሕን ስደትን --- ገና ዘይተመለሱ ብዙሓት ጸገማት ኣለውወን።

እታ ምህርቲ ስርዓተ ጾታ'ውን ነዚኣ እያ ተረጋግጽ።

"እቶም ዝምልከቶም ሰባት ናብ ስልጣን ንክመጽኡ ኣብ ቅድሚት ኣለና በሃልቲ፣ መሐረንትን ሓረንትን ንሳተን ኮይነን እናሃለዋ፡ ኣብ ባይታ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብዙሓት ዘይተመለሱ ናይ ፍትሒ ጉዳያት ኣለውወን፤ ካብ ቖልዓ 3 ዓመት ክሳብ ሰብ ጸጋ ዕድመ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣሎ፣ ኣብ ጉዳይ መሬት ሰማዒ ስኢን ክበኽያ፣ ክመላለሳ፣ ገንዘብን ጉልበትን ክውድኣ ዝውዕላ ኣለዋ" ትብል።

ወሲኻ፡ "ብዙሓት ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ዓወት ተመሊሰን ናብ ምንታይ ከም ዝኣተዋ ይፍለጥ እዩ" ዝበለት መምህር ፍረወይኒ፡ "ግን ድማ ኣብ ዝኾነ እዋን ደፋራት ስለ ዝኾና ወይ ንነገራት ተገደስቲ ኮይነን ኣብ ቅድሚት ስለ ዝርከባ ድዩ ኣብ ቅድሚት ዝርከባ ኢለ'ኳ እንተሓተትኩ፡ ኣብ ኣተኣላልያ ግን መጥቀሚ ከም ዝኾና እዩ ዘርኢ" ትብል።

ከም እምነት እታ ምህርቲ ስርዓተ ጾታ ድማ፡ እቶም ንሰልፊ ዘተሓባብርወን ሰብ መዚ፡ እዘን ኣደታት፡ ንመሰለንን ጠለበንን ኣብ ቅድሚት ኮይነን ክቃለሳ መታን ደልዮም ዘይኮኑስ "ከዳምቓን ከጣቕዓሎምን" ጥራይ ምዃኑ እዩ እቲ ጸገም።

እዚ ካብ ምንታይ ዝምንጪ ጸገም'ዩ?

መምህር ፍረወይኒ ድማ ካብ ክልተ ወገን እየ ዝርእዮ ትብል።

እቲ ሓደ፡ ካብ መጀመርትኡ ህወሓት ደርጊ ኣብ ምውጋድ ዝነበሮ ግደ ኣብ ርእሲ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ተቐሪጹ፡ "ብዓይኒ ዕሙተይ ህወሓት ንዓና መሰልና ክህበና፣ ካብ ጸገም ከውጽአና ይኽእል እዩ ዝብል ርድኢት ካብ ምሓዝ ዝነቐለ ይመስል" ኢላ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ካብኡ ወጻእ ካልእ ኣማራጺ ናይ ዘይምርኣይ ጸገም ስለ ዘለወን'ዩ ትብል።

እዚ፡ "ህወሓት ኣብ ቅድሚት ኣሎ እምበር፤ እንታይ ጸገም ፈቲሑለይ፣ እንታይ ይተርፎ ኢልካ እወንታውን ኣሉታውን ነገራቱ ፈሊኻ ክሕተት አንተኾይኑ'ውን ተወዲብካ ዘይምሕታት ኣሎ" ብዝብል ትገልጾ።

እዚ፡ ዕድላት ትምህርቲ ብምምችቻእን፡ ንረብሓ ደቂኣንስትዮ ዝውክሉ ናጻ ማሕበራት ብምጥንኻርን ክፍታሕ ከም ዝክእል ትኣምን።