ተሳትፎን ኣበርክቶን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕርሻ

ኣብ ዝመጽእ 2050 ዓመተ ምሕረት ህዝቢ ዓለምና 9.8 ቢልዮን ኣቢሉ ክበጽሕ እዩ።
ኣብዚ ዝሕረስ መሬት ተዋሒዱሉ ዘሎ እዋን ከኣ ብሰብ ሰርሖ ድኹዒ ንባህሪያዊ ኣከባቢን ጸጋታትን ከይጎዳእካ ንህዝቢ ዓለም ክትቅልቦ ኣጸጋሚ እዩ።
እዚ ክሳብ ሕጂ ብድኹዒ ክካየድ ዝጸንሐ ሕርሻዊ ንጥፈታት ግን ኣብ ጥዕናን ኣከባብን ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ እዩ።
ንኣብነት ባህላዊ መግቢ ቬትናማውያን ሩዝ እዩ። ስለዝኾነ ቬትናማውያን ሓረስቶት ንመግብን ቁጠባዊ እቶትን ሩዝ'ዮም ዘፍርዪ።
ሩዝ፡ ልክዕ ከም እንጀራ ጣፍን መሸላን ንሓበሻ፡ ንቬትናማውያን ኣዚዩ ኣገዳሲ መግቢ እዩ። ይኹን እምበር ብሰንኪ እቲ ሓረስቶት ዝጥቀሙሉ ናይትሮጂን ዘለዎ ድኹዒ ኣብ ኣከባቢ ዓቢ ጸገም ይፈጥር ኣሎ።
ጠቕምን ጉድኣትን ድኹዒ ሩዝ
ድኹዒ ምህርቲ ዘሰስን እኳ እንተኾነ፡ እቲ ናይትሮጂን ዝተባህለ ባእታኡ ናብ ወሓይዝን ውቅያኖሳትን ስለዝዞሩቕን ንህዋ ስለዝሃፍፍን ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከምዘኸትል ተመራመርቲ ሕርሻ ይገልጹ።
እቲ ድኹዒ ምህርቲ የሰስን እዩ እናተባህለ ሓረስቶት ቬትናም ብዘይ ዓሚቚ ኣፍልጦ ይጥቀምሉ ስለዘለው ኣብ ጥዕናን ኣከባብን ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣኸቲሉ እዩ።
ሕጂ ግን ተመራመርቲ ሕርሻ ቬትናም፡ ናይትሮጅን ብዘይብሉ ዱኽዒ ብኸመይ እኹል ምህርቲ ሩዝ ከምዘፍርዩ ምርምር የካይዱ ኣለው።

ዶክተር ፋም ቲ-ቱ ሆንግ ሓንቲ ካብቶም ተመራመርቲ እያ።
ንሳ፡ 50 ሚእታዊት ናይቲ ሓረስቶት ዝጥቀሙሉ ናይትሮጂን ዘለዎ ዱኽዒ፡ ንሰማይ ሃፊፉ ናብ ናይትሮጅን ዳይኦክሳይድ ተቐይሩ፡ እቲ ንዓለምና ከም ኮቦርታ ጎልቢቡ ካብ ጸርጊ ጸሓይ ዝከላኸለላ (ግሪን ሃውስተባሂሉ ዝጽዋዕ) ጠፈርና ስለዘውዕዮ ሓደገኛ ምኻኑ እያ ትሕብር።
እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ካብ ርእሰ ከተማ ቬትናም ሃኖይ ንክልተ ሰዓት ተጓዒዙ ኣህጉራዊ ምርምር ኣብ ዝካየደላ ቴን ሃይ እትበሃል ዓዲ ኣትዩ ምርምሩ የካይድ ኣሎ።
ሓረስቶት ቬትናም፡ ናይትሮጅን ዘለዎ ዱኽዒ ኣብ ክንዲ ዝጥቀሙ፡ እቲ ተኽሊ ሩዝ ባዕሉ ነቲ ዘድልዮ ናይትሮጂን ካብ ኣየር ከምዝስሕቦ ንምግባር እቶም ተመራመርቲ ጻዕሪ የካይዱ ኣለው።
ነቲ ብዱኽዕን ብዘይድኹዕን ዝተዘርአ ሩዝ፡ ኣብ ላባራቶሪ ወሲዶም ንውሓቱን ክብደቱን ብምምዛን ማዕረ ክንደይ ከምዝኸውን ምርምሮም ይቕጽሉ ኣለው።
እቲ ኣብ 1960ታት ምህርቲ ንምስሳን ብሓምላይ ሰውራ ዝተኣታተወ ኣርተፊሻል መዳበርያ ኣብ እዋኑ ጽቡቕ ውጽኢት ኣርእዩ እዩ።
ሕጂ ድሕሪ ግዜ ግን እቲ ናብ ወሓይዝን ውቅያኖሳትን ዝዞሩቕ ናይትሮጂን ኣሉታዊ ሳዕቤን የኸትል ብምህላዉ እዮም ሊቃውንቲ ቬትናም ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ምርምሮም ዝቕጽሉ ዘለዉ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕርሻ
ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ደቂ ተባዕትዮ ንተወሳኺ እቶት ኣብ ህንጻታት ክሰርሑ ናብ ከተማታት ስለዝኸዱ ንጥፈታት ሕርሻ ቬትናም ብደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝዕመም ዘሎ።
ንጥፈታት ሕርሻ ግን ኣብ ቬትናም ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ወዲቑ ዘሎ። ዳርጋ ኣብ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ሕርሻ ብእንግድዓን ተሳትፎን ደቂ ኣንስትዮ እዩ ዝካየድ።

ኣብ ከበሳታት ትግራይን ኤርትራን ንኣብነት ሓረስቶት ደቀንስትዮ፡ ካብ እዋን ማሕረስ ጀሚረን ኣብ ጎልጓል፡ እቲ ግራት ምስተዘርአ ኣብ ጻህያይ፡ ኣብ እዋን ዓጺድን ኣብ ዓውድን እውን ከይተረፈ ተሳትፎአን ዕዙዝ እዩ።
እታ ብባህላዊ ጸቕጢ ደቂ ኣንስትዮ ዘይገብረኣ ነገር ማሕረስ ጥራሕ እያ ነይራ። ግን ንሳ እውን እንተኾነት ኣብዚ እዋን እዚ ትጠሓስ ምህላዋ ቢቢሲ ትግርኛ ንክልት ትግራዎት ሓረስቶታት ኣዴታት ቃለ መሕትት ብምክያድ ነቲ ዘደንቕ ስርሐን ንተኸታተልታ ኣቕሪባ ነይራ።
እታ ሰብኣያ ዝሞታ ኣደን፡ ካልእ በዓል ቤታ ዝፈትሓ ዓይነ ስውርቲ ትግራወይቲ ኣደን ዛንተአን ምስተነበ ብዙሕ ኣንባቢ ብኣድናቖት እዩ ኣተባቢዑወን።
ካልእ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ እትነብር ወ/ሮ ታቦቴ እትበሃል ሓረስታይ ኣደ ከኣ፡ ለይቲ ለይቲ ንሰዊት ዕፉን ዘጥቅዕ ሓሰኻ ንምቕታል ካብ ለሚንን ማይ ጨባን ካልእ ነገራትን ኣቃሚማ ኪኢላታት ሕርሻ ዝተደነቕሉ ዕዉት መድሃኒት ሰሪሓስ ንዓወት ምብቃዓ ቢቢሲ ኦሮሞ ሰኒዱዎ ነይሩ።
እቲ ካብ መዳበርያ ሩዝ ዝዝዕግ ሕሉፍ ናይትሮጂን ብዙሕ ኣልጌ ይፈጥር እሞ እቲ ጻዕቂ ኣልጌ ንኹሉ እቲ ኦክሲጂን ስለዘህልኾ ኣብ ህይወታውያን ምምዝባል ይፈጥር።
በዚ ኸኣ እዮም ሊቃውንቲ ሕርሻን ኣከባብን ንጸጋታትና ብውሑስ መገዲ እንተተጠቒምናሉ ንዕጽፊ ብዝሒ ህዝቢ ዓለምና እውን ኣኺሉ ዝተርፍ ምህርቲ ክፈሪ ከምዝኽእል ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







