ኣመሪካ፡ ናብ ጽኑዕ መንበሪ ቤት ትራምፕ ዝኣተወ ዕጡቕ ብኸመይ ተቐቲሉ?

ማር-ኣ-ላጎ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ቤት ፕረዚደንት ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ፍሎሪዳ ናብ ዝርከብ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቀጽሪ መንበሪ ቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝኣተወ ሰብ ብዝተተኰሰሉ ጥይቲ ተሃሪሙ ከም ዝተቐትለ ኣገልግሎት ጸጥታ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ብረትን መትሓዚ ነዳዲን ሒዙ ዝነበረ ወዲ፡ ብኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ድው ክብል ድሕሪ ዝተዋህቦ ትእዛዝ እዩ ብዝተተኰሰሉ ጥይት ተቐቲሉ።

እቲ ፍጻመ ብሰንበት ንግሆ ከባቢ ሰዓት 1፡30 (ብኣቋጻጽራ ኤውሮጳ) ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

ጥርጡር ኦስቲን ቲ ማርቲን ዝተባህለ ኰይኑ፡ ኣብ ካሜሮን - ኖርዝ ካራላይና - ዝመጽአ ምዃኑን ስድርኡ ደሃዩ ከም ዝጠፍአ ብሰንበት ሓቢሮም ምንባሮምን መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ሓቢሩ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ነቲ ብረት ካብ ሰሜን ካሮላይና ናብ ፍሎሪዳ እናኸደ ኣብ መንገዲ ዝዓደጎ እንተዀይኑ ይምርምሩ ከም ዘለዉ ሲቢኤስ ወሲኹ ይሕብር።

ወሃቢ-ቓል ኣገልግሎት ጸጥታ ኣንቶኒ ጉግሊኤልሚ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ፡ "ሎሚ ንግሆ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቀጽሪ ማር-ኣ-ላጎ [መንበሪ ቤት ትራምፕ] ክኣቱ፡" ምስ ረኣዩዎ ከም ዝተኰስሉ ገሊጹ።

እቲ ጥርጡር "ብሰሜናዊ ኣፍደገ ቀጽሪ ናይ ማር-ኣ-ላጎ፡ ብረትን መትሓዚ ነዳዲ ዝመስል ነገርን ሒዙ ከም ዝተራኣየ፡" እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ብድሕሪኡ፡ እቲ ሰብ ትእዛዝ ምኽባር ድሕሪ ምእባዩ ብጥይት ከም ዝተቐትለ ፖሊስ ፓልም ቢች ካውንቲ ሪክ ብራድሾው ገሊጹ።

"እቲ እንኮ ዝበልናዮ ቃላት 'ነቶም ኣቑሑት ኣንብሮም' - ነቲ ብረትን ጃሎን ነዳድን ማለት እዩ፡" ኢሉ።

"ኣብቲ እዋን፡ ነቲ መትሓዚ ነዳዲ ኣቐሚጡ፡ ነታ ብረት ግን ናብ ናይ ምትኳስ ቦታ ሓፍ ኣቢሉዋ፡" ይብል።

ስለዝዀነ፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ "ነቲ ስግኣት ንምብርዓን፡" ከም ዝተኰስሉ ወሲኹ ይገልጽ።

እቶም ኣባላት ጸጥታ ካሜራ ዝተገጥሞ ክዳን ዝለበሱ ኰይኖም፡ ካብኦም ዝተጐድአ ከም ዘየሎ ሓቢሩ።

ብራድሾው፡ እቲ ጥርጡር ሒዙዋ ዝነበረ ብረት ተዓሚራ እንተ ነይራ ከም ዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ ኣካል ናይቲ ዝስዕብ መርመራ ከም ዝኸውንን ኤፍ.ቢ.ኣይ ክሕግዙዎም ምዃኖምን ገሊጹ።

ጸጥታ ናይቲ ማር-ኣ-ላጎ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ቤት ፕረዚደንት ትራምፕ ብኣዝዩ ጽኑዕ ዝሕሎ ኰይኑ፡ ብደገ ናይቲ ከባቢ ፖሊስ ፓልም ቢች፡ ብውሽጢ ድማ ኣገልግሎት ጸጥታ ከም ዝሕልውዎ ይፍለጥ። በጻሕቲ ይፍተሹ፣ መካይንን ቦርሳታትን ድማ ብኣኽላባትን መመርመሪ ሓጺንን ይፍተሹ።

ምስሊ ጥርጡር፡ መረጽየን ገይሩ ናብ ካሜራ እናጠመተ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Facebook

መግለጺ ስእሊ, ጥርጡር፡ ስድራኡ ከም ዝጠፍአ ንፖሊስ ሓቢሮም ነይሮም

ትራምፕ፡ ዒላማ ናይ ሓያሎ ውዲታትን ፈተነታትን ቅትለት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ሓምለ 2024 ኣብ ባትለር ፔንስልቨንያ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ኢሉ እንከሎ ኣብ እዝኑ ብጥይት ተሃሪሙ። በቲ ተዅሲ ሓደ ተዓዛቢ ክመውት እንከሎ፡ ክልተ ድማ ቈጺሎም።

እቲ ተኳሲ ወዲ 20 ዓመት ማቲው ክሩክስ፡ ብኡንብኡ ብሓይልታት ጸጥታ ብጥይት ተሃሪሙ ተቐቲሉ። ንምንታይ ነቲ ስጕምቲ ከም ዝወሰዶ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ድሕሪ ኣዋርሕ፡ ወኪል ኣገልግሎት ጸጥታ ኣመሪካ፡ ኣብ ዌስት ፓልም ቢች ኣብ ዝርከብ ኢንተርናሽናል ክለብ ጎልፍ (ትራምፕ ዝጻወተሉን ብስሙ ዝጽዋዕን)፡ ኣብ ሓደ ቈጥቋት ሽጉጥ ርእዩ፣ ብድሕሪኡ ራያን ራውት ዝተባህለ ሰብ ክሃድም እኳ እንተ ፈተነ ተታሒዙ።

እቲ ወዲ 59 ዓመት ሰብኣይ፡ ንፕረዚደንት ክቐትል ፈቲኑ ተባሂሉ ንምሉእ ዕድመኡ ክእሰር ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ተፈሪዱ።

ብላዕሊ ናይ ዝተወስደ ምስሊ መንበሪ ቤት ትራምፕን እቲ ጥርጡር ዝተቐትለሉ ቦታን የመልክት
መግለጺ ስእሊ, ብጽኑዕ ዝሕሎ ማር-ኣ-ላጎ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንበሪ ቤት ፕረዚደንት ትራምፕ