ኣብ ልዕሊ ዶናልድ ትራምፕ ፈተነ ቅትለት ተፈጺሙ

ዶናልድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ፔንሲልቬንያ ጐስጓስ ፕረዚደንታዊ መረጻ እናካየደ እንከሎ፡ ፈተነ ቅትለት ተኻይዱሉ።

እቲ ተዅሲ ምስ ተሰምዐ፡ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ፕረዚደንት ነበር ንምክልኻል ናብቲ መድረኽ ተጓይዮም ብምድያብ ካብቲ ዝትኮስ ዝነበረ ጠያይቲ ክከላኸሉሉ ክኢሎም።

ኣብቲ ፍጻመ ብዙሕ ተኸታታሊ ተዅሲ ዝተሰምዐ ኰይኑ፡ ትራምፕ ብኣገልግሎት ጸጥታ ተዓጂቡ ናብ እትጽበዮ ዝነበረት መኪና ክውሰድ ኣብ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተራእዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ሓንቲ ጥይት "ንላዕለዋይ ክፋል" የማናይ እዝኑ ከምዝሃረመቶ ገሊጹ።

ኣፈኛኡ ኣብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ሕክምናዊ ማእከል ክንክን ይግበረሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ትራምፕ፡ "ብዙሕ ደም” ከምዝፈሰሶ እውን ኣብ ጽሑፉ ሓቢሩ።

እቲ ጥርጡር ኣብቲ ቦታ ብኣባላት ጸጥታ ኣመሪካ ብጥይት ከምዝተቐትለ ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ኣንቶኒ ጉግሊኤልሚ ገሊጹ'ሎ።

ብተወሳኺ፡በቲ ተዅሲ ሓደ ሰብ ከምዝሞተን ካልኦት ክልተ ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዘጋጠሞምን ሓቢሩ።

ሰለስቲኦም ግዳያት ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም ድሒሮም ሰበስልጣን ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ምንጭታት ኣኽበርቲ ሕጊ ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ጠበንጃ ዓጢቑ ከምዝነበረን፡ ካብቲ ቦታ ወጻኢ ሒደት ኣማኢት ሜትሮታት ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ልዕል ዝበለ ናሕሲ ከምዝተኮሰን ሓቢሮም።

ነቲ መርመራ ዝመርሑ ዘለዉ ወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ዝተቐትለ ዕጡቕ፡ ነቲ ፈተነ ቅትለት ክወስድ ዝደረኾ ምኽንያት ግን ከምዘይፈለጡ ተዛሪቦም።

ፍሉይ ወኪል ኤፍ.ቢ.ኣይ ኬቪን ሮጀክ፡ እቲ ትካል ነቲ ተዅሲ ከም ፈተነ ቅትለት ይሕዞ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ወሲኹ ድማ እቲ ጥርጡር መለለዪ መንነት ከምዘይሓዘን መርመርቲ ብወግዒ መንነቱ ንምፍላጥ ዲኤንኤ ይጥቀሙ ከምዘለዉን’ዩ ገሊጹ።

ግሬግ ዝተበሃለ ሓደ ምስክር ዓይኒ፡ ትራምፕ ናብ መድረኽ ምስ ወጽአ ኣስታት ሓሙሽተ ደቓይቕ፡ ሓደ ሰብ ከም ኣብ ናሕሲ እቲ ህንጻ "ከንፋሑኽ" ከምዝረኣየ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ብዛዕባ’ቲ ሰብ ንፖሊስ ከምዘፍለጠ’ውን ገሊጹ።

"ጠበንጃ ነይርዎ፡ ብንጹር ንርእዮ ኔርና" ኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣባል ኮንግረስ ሪፓብሊካን ሮኒ ጃክሰን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ወዲ ሓዉ በቲ ተዅሲ ከምዝተጐድአ ገሊጹ። ኣብ ክሳዱ ቀሊል መጕዳእቲ ከምዝበጽሖን ኣብቲ ቦታ ከምዝተሓከመን እውን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ባይደን ካብ ትውልዲ ግዝኣቱ ደላወር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ መጥቃዕቲ "ክፍኣት" ብምባል ከምዝሓዘነ ገሊጹ።

"ኣብ ኣመሪካ ነዚ ዓይነት ዓመጽ ዝኸውን ቦታ የለን" ኢሉ። ሰብ ኵሉ ክዅንኖ’ውን ጸዊዑ።

ፖለቲከኛታት ክልቲኡ ሰልፍታት ኣመሪካን መራሕቲ ዓለምን ነቲ መጥቃዕቲ ይዅንኑ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ "ኣብ ዲሞክራስያዊ ስርዓትና ፖለቲካዊ ዓመጽ ፍጹም ቦታ የለን" ኢሉ። ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ብኸቢድ ብዘይምጉድኡ ድማ ዕረፍቲ ከምዝተሰምዖ ሓቢሩ።

ምክትል ፕረዚደንት ትራምፕ ነበር ማይክ ፔንስን በዓልቲ ቤቱን ንትራምፕ ይጽልዩ ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ "ኵሉ ኣመሪካዊ ክጽንበሮም" ተማሕጺኖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታመር፡ "ኣብ ምርጫዊ ጐስጓስ ፕረዚደንት ትራምፕ ብዝረኣዮ ፍጻመ ከምዘሰንበደ" ገሊጹ።

"ብዝዀነ መልክዕ ፖለቲካዊ ዓመጽ ኣብ ሕብረተሰብና ቦታ የብሉን፡ ሓሳበይ ድማ ምስ ኵሎም ግዳያት ናይዚ መጥቃዕቲ'ዩ" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ፡ ሰባት ነቲ "ንዲሞክራሲ ዝፈታተን" ዓመጽ ክቃወሙ ጸዊዑ።

ከምኡ'ውን መራሒ ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ "በቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ዝተፈጸመ ተዅሲ” ከምዘተቘጥዐ ገሊጹ።