ባይደን ኣብ ውድድር ፕረዚደንትነት ንኽጸንሕ ስድራኡ ድፍኢት ይገብሩሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ስድራ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ድሕሪ'ቲ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ዘካየዶ በዳሂ ክትዕ፡ ነብሱ ካብ ውድድር ንኸግልል ዝቐርበሉ ዘሎ ጻውዒታት ዕሽሽ ክብሎ ኣተሓሳሲቦም።
ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ኣዝማዱ ኣብ ፕረዚደንታዊ መዕረፊ ቦታ ከም ዘሕለፎን ኣብኡ ድማ ቃልሲ ክቕጽል ከምዘተባብዕዎን መሻርኽቲ ቢቢሲ ኣሜሪካ ዝዀነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
ኣብ ኣትላንታ ድሕሪ ዘርኣዮ ዘይምርግጋእን ዘይውዱብ ሓሳባትን ኣብ ብዙሓት ሰዓብቲ ሰልፉ ጭንቀት ኣሕዲሩ ኣሎ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ዝተገብረ ዳህሳስ ብዛዕባ 81 ዓመት ዝመልአ ዕድመኡ ስክፍታታት ከምዝወሰኸ የመልክት።
ብሰንበት ዝተዘርግሐ ዳህሳስ ሲቢኤስ ኒውስ ከምዘመልክቶ፡ 72 ሚእታዊት ካብቶም ዝተመዝገቡ መረጽቲ፡ ባይደን ከም ፕረዚደንት ኰይኑ ከገልግል ዘኽእሎ ጥዕና ኣእምሮን ክእለት ምግንዛብን ከምዘይብሉ ይኣምኑ። ዳርጋ ፍርቂ ካብ መረጽቲ ዲሞክራትስ ከኣ ካብቲ ውድድር ክወጽእ ኣለዎ ኢሎም።
ካብ ናይ ጐስጓስ ጉጅለኡን ስድራኡን ዝመጸእ ዘሎ መልእኽቲ ግን ንትራምፕ ንምስዓር ዝበለጸ ተስፋ ናይቲ ሰልፊ ኰይኑ ይቕጽል ምህላዉ የመልክት።
እቲ ኣብ ሜሪላንድ ኣብ ዝርከብ ፕረዚደንታዊ መዕረፊ ቦታ - ‘ካምፕ ደቪድ’ - ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ስድራቤት፡ ብፍልጥቲ ሰኣሊት ኣኒ ሌይቦቪትዝ ንዝፍጸም መደብ ስእሊ ኣቐዲሙ ዝተታሕዘ እዩ ነይሩ። በዓልቲ ቤት ባይደን ዝዀነት ጂል፡ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ካብቶም ኣብቲ ምትእኽኻብ ዝተረኽቡ እዮም።
ጂል ባይደን ካብ ካምፕ ደቪድ ኰይና ምስ መጽሔት ቮግ ኣብ ዝገበረቶ ዝርርብ ተሌፎን፡ “እተን 90 ደቓይቕ ነተን ፕረዚደንት ኰይኑ ዝሰርሓለን ኣርባዕተ ዓመታት ክገልጻ” ከምዘይክእላ ተዛሪባ።
ቃልሶም ከምዝቕጽሉ ዘረጋገጸት እታ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት፡ በዓል ቤታ “ኵሉ ግዜ ንሃገር ዝበለጸ ከምዝገብር” ተዛሪባ።
ገለ ኣዝማዱ ነቲ ምስ ትራምፕ ኣብ ዝተፋጠጠሉ መድረኽ ዘርኣዮ ድዅም ኣፈጻጽማኡ ዝነቐፉ ኰይኖም፡ ሓገዝቱ ንዝገበርዎ ዓቐኑ ዝሓለፎ ቅድመ-ምድላው ከኣ ከም ምኽንያት ኣቐሚጦም። ምስ በዓልቲ ቤት ባይደን ጂል ቅርበት ዘለዎ ሰብ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሳ ካብቶም ንጋንታኡ ዝነቕፉ ኣባላት ስድራቤት ከምዘይኰነት ገሊጹ።
ስክፍታታት ዕድመ ክልቲኦም ሕጹያት [ባይደን 81 - ትራምፕ 78] ቅድሚ እቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ክትዕ እውን ዝለዓል ጉዳይ እዩ ነይሩ።
ባይደን ዝነበሮ ድኹም ድምጽን ዝተደናገረ መልስታትን ግን ኣብ ጉዳይ ሕጹይነቱ ዝለዓሉ ስክፍታታት ኣሐዲሱ። ገሊኦም ድማ ካብቲ ውድድር ንነብሱ ከግልል ንኽጽውዑ ምኽንያት ኰይኑ።
ትራምፕ እውን ብኣፈጻጽማኡ ዝተነቐፈ ኰይኑ ምስቲ ንነዊሕ እዋን ምርጫ 2020 ከምዝተሰርቀ ከቕርቦ ዝጸንሐ ቅሬታ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ናይ ሓሶት መግለጺታት ኣቕሪቡ።
ብሰንበት ላዕለዎት ሰብ መዚ ዲሞክራትስ ኣብ መሳኹቲ ተለቪዥናት እናቐረቡ ነቲ ፕረዚደንት ክከላኸሉሉ ተራእዮም።
ሪፓብሊካን ብወገኖም እቲ መድረኽ ክትዕ ስለምንታይ ትራምፕ ቅኑዕ ምርጫ ከምዝዀነ ዘርኣየ ምንባሩ ገሊጾም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







