ኣፈጻጽማ ጆ ባይደን ስለምንታይ'ዩ ስንባደ ፈጢሩ? ብኻልእ ሕፁይ ክትካእኸ ይኽእል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጆ ባይደን ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ክትዕ ብዘርኣዮ ድኹም ኣፈጻጽማ ኣብ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ፡ እንተላይ ኣብቶም ምስ ፕረዚደንት ቅርበት ዘለዎም ሰባት ስንባደ፡ ምድንጋርን ዋላ’ውን ሓዘንን ኣስዒቡ’ሎ።
ሕጂ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ናይቲ ሰልፊ፡ ኣብ ዋይት ሃውስን ኣብ ጎስጓስ ባይደንን ሃሪስን ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ዕቱብ ዝርርባት ይካየድ ኣሎ።
ሓደ ካብዚኦም ጆ ባይደን ካብ ሕጹይ ፕረዚደንትነት ክወርድ ኣለዎ ድዩ ኣይግባእን ዝብል እዩ።
ሰበስልጣን ዲሞክራት ኮነ ምስቲ ፕረዚደንት ቅርበት ዘለዎም ሰባት፡ ብዛዕባ ብቕዓት ሕጹዮምን ኣብ ወርሒ ሕዳር ንዶናልድ ትራምፕ ክስዕሮ ይኽእል ድዩ ኣይክእልን ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣመና ኣሻቒልዎም’ሎ።
ገለ መሓዙት ናይ’ቲ ፕረዚደንት፡ብዛዕባ እቲ ናይ ኣትላንታ ምድላዋት ከመይ ከምዝነበረ ቢቢሲ ኣዘራሪብዎም ነይሩ።
ጆ ባይደን ብናይ ጎስጓስ ጋንትኡ ካብ መጠን ንላዕሊ ተዳልዩን ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዝሰርሐን ይዛረቡ - ኣብታ ቅድሚ እቲ ክትዕ ዝነበረት ሰሙን ጥራይ ንኸዕርፍ ዝያዳ ግዜ እንተዝወሃቦ ድማ ኣዝዩ ዝሓሸ ስራሕ ምሰርሐ ነይሩ ይብሉ።
እቲ ትንታነ ቅኑዕ ክኸውን ዝኽእል’ኳ እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ደኺሙን ካብ መጠን ንላዕሊ ስራሕ ሰሪሑን ዝብል ኣበሃህላ ግን ነቲ ሚስተር ባይደን በጺሒዎ ዘሎ ናይ ዕድመ ኩነታት ኣብዚ ምርጫ ናይ ምዕዋት ዓቕሙ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል’ዩ ዝብል ኣዝዩ ሓቀኛ ስግኣት ንምዕጋት ብዙሕ ዘይክጸልዎ ይኽእል’ዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ፍሉጥ ጸሓፊ ዓምዲ ፖለቲካ ዴቪድ ኢግናሽየስ፡ ፕረዚደንት ባይደን ካብቲ ውድድር ንገዛእ ርእሱ ከግልል ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ኤዝራ ክላይን ካብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ኣብ ውሽጢ ዋይት ሃውስ ዘለዉ ሰባት ዘሰንበደ፡ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ሓቲሙ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ ሓሳብ እዞም ዓምደኛታት ፖለቲካ ሰማዒ ኣይረኸበን ጸኒሑ።
እዚ ድሕሪ’ቲ ብቕድሚ ትማሊ ምሸት ዝተኻየደ ድኹም ኣፈጻጽማ ክትዕ ተቐይሩ።
ትማሊ ዓርቢ ንግሆ ልዑል ሽም ዘለዎም ዲሞክራስያውያን ስትራተጂስት፡ ምሁራትን ሰበስልጣን ነበርን፡ ነቲ ሚስተር ባይደን ካብቲ ውድድር ክወጽእ ዝቐረበ ጻውዒት ተጸንቢሮምዎ።
ኣብቲ ፕረዚደንት ባይደን ብተደጋጋሚ ዝከታተሎ ናይ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ናይ ንግሆ መደብ ሞርኒንግ ጆ እከታተል ነይረ።
ኣዳላዊ ናይቲ መደብን ተሓላቒ ናይቲ ፕረዚደንትን ጆ ስካርቦሮ፡ ሚስተር ባይደን ገና ነታ ሃገር ከመሓድር ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ምናልባት ግን ድሕሪ ሕጂ ኣብቲ ምርጫ ንምዕዋት ዘኽእል ቁመና የብሉን ዝብል ነጥቢ ኣቕሪቡ።
ስለዚ እዚ ንጆ ባይደን ኣበይ ከብጽሖ ይኽእል?
ቀዳማይ ነገር፡ ኣብቲ ውድድር ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ዝብል ውሳነ - ይውሓድ ይብዛሕ - ምሉእ ብምሉእ ናቱ መሰል እዩ።
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ካብቲ ናይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ውድድር ብናይ ባዕሉ ፍቓድ ክእለ እንተዘይወሲኑ፡ ካብ’ቲ ንሕንሕ ክእለ ዳርጋ ዘይከኣል’ዩ።
ሓደ ምንጪ ናይ ምረጹኒ ጎስጓስ፡ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ዝውሰን ብኣዝዩ ንእሽቶ ጉጅለ ዝውሰን ኮይኑ፡ ንፕረዚደንት፡ በዓልቲ ቤቱን ሓፍቱ ቫል ባይደንን ዝሓቖፈ ምዃኑ ሓቢሩኒ።
ካልኣይ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ሚስተር ባይደን ይተካእ ዶ ይቐጽል ዝብል ዕላል ኣብ መንጎ ምሁራትን ሰበስልጣን ነበርን ብግልጺ ይካየድ’ኳ እንተሎ ሕጂ’ውን ኣብቶም ጭቡጥ ጽልዋ ዘለዎም ጥራይ ብብሕቲ’ዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ብርግጽ፡ ሓያሎ ካብ መሓዙት ናይቲ ፕረዚደንት ናብ ተለቪዥንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ወጺኦም ክከላኸልሉ ጀሚሮም ኣለዉ።
ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም "ብፕረዚደንት ኣዝዩ ከምዝሕበን" ገሊጹ።ኣመሓዳሪ ፔንስልቨንያ ጆሽ ሻፒሮ ንዲሞክራትስ "ምጭንናቕ ኣቋርጹ" ኢሉ።
እታ ጋንታ ነቲ ፕረዚደንት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺኡ፡ ናይቲ ናይ ክትዕ መልክዕ ክድምስሶ ዕድል ክትህቦ ትደሊ።
ሓደ ምንጪ ኣብቲ ጎስጓስ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ባይደን ካብቲ ውድድር ናይ ምስሓብ ዕድሉ ኣስታት 5 ምኢታዊት ጥራይ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







