ኢራን፡ ኣመሪካ ዝዀነ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, MAHSA / Middle East Images / AFP via Getty Images
ኢራን፡ ኣብታ ሃገር ንሰሙናት ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ንምግታእ ስጕምቲ ኣብ ዝወሰደሉን ተቓወምቲ ኣብ ዝቕተልሉን ዘለው እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቓ።
"ኣብዚ ኣዝዩ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት'ዩ ዘሎ፡" ክብል ሓደ ምንጪ ቴህራን ብሰንበት ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ብዙሓት ኣዕሩኽትና ተቐቲሎም እዮም። ብቐጥታ ጥይት ይትኵሱ ነይሮም። ዞባ ኲናት'ዩ ዝመስል፡ ጐደናታት ብደም ጠልቅዮም ኣለዉ። ብናይ ጽዕነት መካይን ሬሳታት ይወስዱ ኣለዉ።"
ቢቢሲ ኣብ ከባቢ ቴህራን ካብ ዝርከብ መካነ ሬሳታት ዝተቐድሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣስታት 180 ናይ ሬሳ ቦርሳታት ቈጺሩ።
ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት 'ኣክቲቪስት ኒውስ ኤጀንሲ'፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሞት 495 ሰልፈኛታትን 48 ኣባላት ጸጥታን ከም ዘረጋገጸ ገሊጹ።
ካልኦት 10 ሽሕን 600 ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ከም ዝተኣስሩ እቲ ኤጀንሲ ይሕብር።
ኣመሪካ ብሰንኪ ቅትለት ሰልፈኛታት ኣብ ኢራን ኢዳ ከተእቱ ምዃና ኣፈራሪሓ'ኳ እንተነበረት፡ ብሰንበት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ መራሕቲ ኢራን ብስልኪ ከም ዝተዘራረበን "ክደራደሩ ከም ዝደልዩን፡" ገሊጹ።
ወሲኹ ግን ኣመሪካ ዝዀነ ኣኼባ ወይ ርክብ ቅድሚ ምክያዱ "ስጕምቲ ክትወስድ ክትግደድ ትኽእል እያ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ኣመሪካ እንታይ ትሓስብ ከም ዘላ ብዝርዝር ኣይገለጸን።
ብሰንበት ግን "ገለ ኣዝዮም ሓያላት ኣማራጺታት ንርኢ ኣለና" ኢሉ።
ኣብ ልዕሊ ኢራን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምውሳድ ዝሕግዙ ኣማራጺታት ዝምልከት መብርሂ ከም ዝተዋህቦም ሓደ በዓል ስልጣን ንመሻርኽቲ ዜና ቢቢሲ ኣመሪካ ሲቢኤስ ኒውስ ሓቢሩ።
ካልኦት ኣገባባት ድማ ጸረ መንግስቲ ዝዀኑ ምንጭታት ብኢንተርነት ምዕባይ፡ ኣንጻር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ሳይበራዊ-ኣጽዋር ምጥቃም ወይ ተወሳኺ እገዳ ምግባር ክኸውን ከም ዝኽእል ሰበስልጣን ንዎል ስትሪት ጆርናል ገሊጾም።
ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢራን፡ ኣመሪካ መጥቃዕቲ እንተፈጺማ እስራኤልን ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ማእከላት ወተሃደራዊን መራኽብ ኣመሪካን ዒላማ ከም ዝዀኑ ኣጠንቂቑ።
እቲ ብሰንኪ ምውሳኽ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቝሑን ምውራድ ዋጋ ባጤራ ኢራንን ዝጀመረ ተቓውሞታት፡ ሕጂ ድማ ምሕደራ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ከብቅዕ ይጽውዕ ኣሎ።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኢራን፡ ዝዀነ ተቓውሞ ዘስምዕ ሰብ ከም "ጸላኢ ኣምላኽ" ክቝጸር'ዩ - እዚ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ዝሓዘ ገበን'ዩ፡" ክብል እንከሎ፡ ኻሜኒ ድማ እቶም ሰልፈኛታት ንትራምፕ "ከሐጕሱ" ዝደልዩ "ዕስለ ዕንወት" ክብል ነቒፉዎም።
ብሰንበት እታ ሃገር "ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ውግእ ዝተቐትሉ ሰማእታት፡" ንምዝካር ብዝብል ናይ ሰለስተ መዓልታት መዓልቲ ሓዘን ከም ዝተኣወጀ ኣፍሊጣ።
ሰራሕተኛታት ሓያሎ ሆስፒታላት፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብዝሞቱ ወይ ብዝተጐድኡ ሰልፈኛታት ከም ዝተጨናነቑ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ቢቢሲ ፐርሽያ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ ከተማ ራሽት 70 ሬሳታት ናብ ሓደ ሆስፒታል ከም ዝኣተው ከረጋግጽ እንከሎ፡ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ቴህራን ዝርከብ ሰራሕተኛ ጥዕና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣስታት 38 ሰባት ሞይቶም፤ መብዛሕትኦም ናብ ህጹጽ ረድኤት ምስ በጽሑ . . . ናብ ርእሶም፡ ኣፍ ልቦም ብቐጥታ ብጥይት ዝተሃርሙ'ዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ናብ ሆስፒታል እኳ ክበጽሑ ኣይክኣሉን፡" ክብል ገሊጹ።
ቢቢሲን ካልኦት መብዛሕትአን ዓለምለኻውያን ትካላት ዜናን፡ ካብ ውሽጢ ኢራን ጸብጻባት ክቕርባ ኣይክኣላን ዘለዋ።
መንግስቲ ኢራን ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኢንተርነት ብምዕጻው፡ ሓበሬታ ምርካብን ካብኡ ዝርከቡ ሓበሬታታት ምርግጋጽን ኣጸጋሚ ኰይኑ ኣሎ።
ገለ ተንቀሳቓሲ ኣሳእል ይወጽኡ ዘለው ኰይኖም፡ እዚኦም ኣብ ማእከል ፎረንሲክ ዳያግኖስቲክን ላቦራቶሪን ግዝኣት ቴህራን - ኣብ ካህሪዛክ ዝርከብ መቐበሊ ሬሳታት - መስርዕ ቦርሳታት ሬሳ ዘርኢ ቪድዮ ይርከቦም።
ካብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝተረኽበ ሓደ ቪድዮ፡ ኣስታት 180 ዝተሸፈኑ ወይ ዝተጠቕለሉ ኣስክሬናት ክረኣዩ ይኽእሉ።
መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ቅሉዕ ቦታ ተደፊኦም ኣለዉ፤ ሰባት ከእውዩን ክበኽዩን ይስማዕ።

ምንጪ ስእሊ, MAHSA / Middle East Images / AFP via Getty Images
ብቢቢሲ ቨሪፋይ ዝተረጋገጸ ሓያሎ ቪድዮታት፡ ኣብታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ኢራን መሽሃድ ኣብ መንጐ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ጸጥታን ግጭት ከም ዘጋጠመ ዘርኢ እዩ።
መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝለበሱ ሰልፈኛታት ብድሕሪ ሳንዱቕን ሓዊን ክሕብኡ ይረኣዩ፣ ርሕቕ ኢሉ ድማ መስርዕ ሓይልታት ጸጥታ ይርአ። ኣውቶቡስ እትመስል መኪና እውን ብሓዊ ክትቃጸል ትርአ።
ብዙሕ ድምጺ ጠበንጃ ከምኡ'ውን ናይ ድስቲን ጣውላን ዝመስል ድምጺታት ይስማዕ።
ፕረዚደንት ኢራን ማስዑድ ፔዘሽክያን ነቲ ናዕቢ ንኣመሪካን እስራኤልን ወቒሱ።
"ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝተወሰኑ ውልቀሰባት ኣሰልጢኖም፡ ካብ ደገ ኣሸበርቲ ናብታ ሃገር ኣምጺኦም፡ መሳጊድ ብሓዊ ኣቃጺሎም፡ ኣብ ራሽት ኣብ ዝርከቡ ዕዳጋታትን ማሕበራትን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ነቲ ባዛር ብሓዊ ኣቃጺሎሞ፡" ክብል ተዛሪቡ። እንተዀነ ነዚ ክሲ መርትዖ ኣየቕረበን።
ይዅን'ምበር፡ ብቢቢሲ ፐርሽያን ቢቢሲ ቨሪፋይን ዝተረጋገጸ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሓለፍቲ ጸጥታ ኢራን ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዝተኣከቡ ሰልፈኛታት ብጥይት ክተኩሱ ምጽንሖም የረጋግጹ።
እዚኦም ድማ ቴህራን፡ ምዕራባዊ ግዝኣት ከርማሻን፡ ደቡባዊ ዞባ ቡሸህርን ይርከብዎም።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእከል ምዕራባዊት ከተማ ኢላም ዝተቐድሑ ብዙሓት ዝተረጋገጹ ቪድዮታት፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ሰልፈኛታት ሰልፊ ዘካይዱሉ ዝነበሩ ሆስፒታል ኢማም ኻሜኒ ገጾም ተዅሲ ክተኩሱ እውን የርእዩ።
ኣብ ኢራን ተበጻሕነት ኢንተርነት ብዓቢኡ ኣብ ውሽጣዊ ኢንትራኔት ዝተሓጽረ ኰይኑ፡ ምስ ናይ ደገ ዓለም ዝግበር ርክብ ድሩት እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ግን፡ ሰብመዚ ንመጀመርታ ግዜ ነዚ እውን ብኸቢድ ገዲቦሞ ኣለዉ።
ሓደ ክኢላ ንቢቢሲ ፐርሽያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ምዕጻው ካብቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ ናዕቢ "ደቂ ኣንስትዮ፡ ህይወት፡ ናጽነት" ዝኸበደ ምዃኑ ገሊጹ።
ተመራማሪት ኢንተርነት ኣሊረዛ ማናፊ፡ ምስ ደጋዊ ዓለም ንምትእስሳር እቲ እንኮ ተኽእሎ ዘለዎ መገዲ ብሳተላይት ስታርሊንክ ምዃኑ እኳ እንተገለጸት፡ እዚ ካብ መንግስቲ ከቢድ ሳዕቤን ክስዕብ ስለ ዝኽእል ግን ተጠቀምቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣጠንቂቓ።
31 ጥቅምቲ 1960 ዝተወልደ፡ በዅሪ ወዲ ናይቲ ኣብ 1979 ኣብ እስላማዊ ሰውራ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ናይ መወዳእታ ሻህ ኢራን መሓመድ ረዛ ፓህላቪ፡ ንሰልፈኛታት፡ 'ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ጐንኹም ክኸውን'የ' ኢሉ።
እቲ ኣመሪካ ዝነብርን ሰልፈኛታት ተቓውሞኦም ከሐይሉን ዝጸውዕ ፓህላቪ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ትራምፕ "ክግለጽ ዘይክእል ጅግንነትኩም ብጥንቃቐ ይዕዘቦ፡" ኣሎ ኢሉ።
ሰባት ሰንበት ምሸት ተቓውሞኦም ክቕጽሉ፡ ግን ከኣ ብጕጅለ ወይ ምስ ህዝቢ ክጸንሑን "ህይወትኩም ኣብ ሓደጋ ከየእትዉን" ኣተባቢዑ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ሰልፈኛታት ብቀዳምን ሰንበትን ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ባንዴራ ኢራን ከውርዲ ዘርኢ ይመስል።
ኢራን ነዚ ፍጻመታት ስዒቡ ኣብ ቴህራን ንኣምባሳደር ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝጸውዐት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።
ኣብ 2022 ሕጃብ ብግቡእ ኣይተኸድነትን ተባሂላ ብፖሊስ ስነ-ምግባር ተኣሲራ ዝነበረት ማህሳ ኣሚኒ ዝተባህለት ጓለንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ እንከላ ምስ ሞተት ድሕሪ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ እዚ ናይ ሕጂ እቲ ዝዓበየ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ሓያሎ ኣዋርሕ ልዕሊ 550 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 20 ሽሕ ድማ ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተኣስሩ ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







