ጆ ባይደን፡ ንዲሞክራት ሻቕሎት ፈጢሩሎም፡ ምክልኻል ግን ኣይገደፉን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓድሽ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ገለ ደገፍቲ ዲሞክራት፡ ጆ ባይደን ፕረዚደንት ኰይኑ ከገልግል ኣይበቅዕን ዝብል ስክፍታታት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።
ትማሊ ሰንበት ዝተዘርግሐ ዳህሳስ ሲቢኤስ ኒውስ/ዩጎቭ ከምዘመልክቶ፡ 72 ሚእታዊት ካብ ዝተመዝገቡ መረጽቲ፡ ባይደን ከም ፕረዚደንት ኰይኑ ከገልግል ዝኽእል ብቝዕ ኣእምሮኣውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጥዕና ከም ዘይብሉ ይኣምኑ።
እዚ ድማ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ዳህሳስ [65 ሚእታዊት] ርኡይ ወሰኽ ዘርኢ አዩ።
49 ሚእታዊት መራጽቲ ብዛዕባ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ እውን ከምኡ ተመሳሳሊ ስክፍታ ኣርእዮም።
እዚ ምስ ዕድመን ጥዕና ኣእምሮን ዝተኣሳሰር ስክፍታ፡ ብፍላይ ንጐስጓስ ባይደን ዝምልከት ኰይኑ፡ 45 ሚእታዊት ካብቶም ነቲ ዳህሳስ ምላሽ ዝሃቡ መረጽቲ ዲሞክራትስ፡ እቲ ፕረዚደንት ንኻልእ ሕጹይ ከረክብ ድሌት ኣለዎም።
ብዛዕባ ዕድመ እቶም ሕጹያት ስክፍታታት ዝለዓል ዘሎ - ሚስተር ባይደን ወዲ 81፡ ትራምፕ ድማ ወዲ 78 ዀይኖም- ቅድሚ እቲ ናይ ሓሙስ ክትዕ ጀሚሩ እዩ ነይሩ።
ኣብ እዋን እቲ ክትዕ፡ ሚስተር ባይደን ዘስመዖ ድምጽን ዘርአዮም ምድንጋራትን ግን፡ ኣብ ገለ ዲሞክራትስ ብዛዕባ ሕጹይ ኰይኑ ክቕጽል ኣለዎ ድዩ ዝብል ሕቶ ፈጢሩሎም፡ ገለ ድማ ሚስተር ባይደን ካብቲ ንሕንሕ ክወጽእ ይጠልቡ።
ስድራቤት እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሰንበት ኣብ ካምፕ ዳቪድ ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባ፡ ባይደን ኣብቲ ውድድር ክጸንሕን ቃልሱ ክቕጽልን ከምዘተባብዕዎ ብዛዕባ እቲ ዝርርባት ኣፍልጦ ዘለዎ ምንጪ ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ኣረጋጊጹ።
ከምኡ ዀይኑ’ውን፡ መሓዛ ዲሞክራትን ዋይት ሃውስን፡ ኣባል ኮንግረስ ሜሪላንድ ጄሚ ራስኪን፡ ትማሊ ሰንበት ምስ ኤምኤስኤንቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት "ከቢድ ኵነታት" ኢሉዎ።
ንሱ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ናይ ሚስተር ባይደን ኮይኑ ከም ዝቕጽል እኳ እንተ ኣስመረ፡ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ውድብና ኣዝዩ ቅኑዕን ዕቱብን ዝርርባት ይካየድ ኣሎ" ኢሉ።
"ፕረዚደንት ባይደን ዝወሰኖ ብዘየገድስ፡ ሰልፍና ስጡም ኰይኑ ክቕፅል እዩ፡ ነዚ ድማ ባይደን የድልየና እዩ”።
ድሕሪ እቲ ክትዕ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደን፡ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማን፡ ባይደን ብሉፅ ከምዘይነበረ ብግልጺ ኣሚኖም እዮም።
ንሳቶምን ካልኦት ብዙሓት መሻርኽቲ ዲሞክራትን ግን ሚስተር ባይደን ካብቲ ንሕንሕ ክወፅእ ኣለዎ ዝብል ጻውዒት ነጺጎምዎ።
መራሒ ‘ውሑዳት ተወከልቲ’ ባይቶ ሓኪም ጀፍሪስ፡ ትማሊ ሰንበት ንኤምኤስኤንቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ክትዕ ዘቕረቦ ብቕዓት "ዓንቀፍቀፍ ዝበለ እዩ ነይሩ። ግን፡ ብርግጽ፡ ምዕንቃፍ ንቕድሚት ካብ ምስጓም ሓሊፉ ካልእ ኣይዀነን ዝብል እምነት ኣለኒ" ኢሉ።
እዚ ብሲቢኤስ ኒውስን ትካል ድምጺ'ምበር ዩጎቭን ዝተገብረ ዳህሳስ ምስቲ ኣደ መንበር ጎስጓስ ባይደን ጀን ኦ’ማሊ ትማሊ ሰንበት ዘካፈለቶ መዘክር ዝጻረር እዩ።
ውሽጣዊ ምርጫ ከምዘርእዮ፡ እቲ ዳህሳስ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ኣመሪካውያን መረጽቲ ከምዘይውክል ይገልጽ።
ሰበስልጣን ምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዳህሳስ ምስ ተሓተቱ፡ ፊት ንፊት ዝግበር ጐስጓስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ባይደን ብነጥቢ ከም ዝመርሕ ወይ ምስ ትራምፕ ከም ዝተመዓራረየ ዘርኢ ምዃኑን ይምጕቱ።
ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ባይደን ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ስንባደ ኣይኰነን” ክብል ገሊጹ።
"ቅድሚ ሓሙስ፡ ኣዝዩ ኣሪጉ ዝመስሎም ሰባት ነይሮም፣ ብዙሓት ካብቶም ሰባት ግን ሕጂ'ውን ኣብ ክንዲ ትራምፕ ንባይደን ይመርጹ ኣለዉ።"
ድሕሪ እቲ ክትዕ ምስ መራጽቲ ዝተገብረ ቃለመሕትት ግን፡ ነቲ ኣብ ምርጫ ሲቢኤስ ኒውስ ዝተገልጸ ስክፍታ ይድግፍ።
መራጽቲ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ድሕሪ ኣፈጻጽማኡ ስክፍታ ከምዝነበሮም ሓቢሮም።
ሓደ ዲሞክራሲያዊ መራጺ ድሕሪ እቲ ክትዕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ነዛ ሃገር ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ባይደን ዝወረደ መሲሉ ተራእዩኒ" ኢሉ።
እዚ ስክፍታታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣባላት ጓስጓስ እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሰንበት ንግሆ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ተኸታታሊ ናይ ፖለቲካ መድረኻት ተራእዮም።
ናይ ቀረባ መሓዛ ናይቲ ፕረዚደንትን ሓባራዊ ኣቦ መንበር ጎስጓስ ዝዀነ ዲሞክራሲያዊ ሰነተር ክሪስ ኩንስ ኣብ መደብ ኤቢሲ ኒውስ ዘ ዊክ ንፕረዚደንት ባይደን ብትሪ ተኸላኺሉ።
“ጆ ባይደን ንምእማኑ ዘጸግም ብራኸ ኣለዎ፡ ወዲቕካ ተመሊስካ ዝያዳ ከም እትቃለስ ይፈልጥ’ዩ” ይብል እቲ ሰነተር።
“እዚ’ዩ ክገብሮ ዝሓሰቦ።”
ሚስተር ኩንስ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ብቕዓት ናይቲ ፕረዚደንት ምስ ተሓተተ፡ ብዛዕባ ትራምፕ ስክፍታታት ኣልዒሉ።
ሚስተር ባይደን ብዛዕባ ዕድመኡን ምርግጋኡን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስክፍታታት ይሰምዕ ድዩ ኣይሰምዖን እውን ኣይዛረብን።
ሚስተር ኩንስ ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት "ንዶናልድ ትራምፕ ክስዕሮ ዝኽእል እንኮ ዲሞክራት'ዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







