ባራክ ኦባማ፡ ደቂ-ኣንስትዮ መራሕቲ ካብ ደቂ-ተባዕትዮ ይበልጻ

ምንጪ ስእሊ, EUROPEAN PHOTOPRESS AGENCY
ናይ ኩለን ሃገራት መራሕቲ ደቂ-ኣንስትዮ እንተ ዝኾና፡ ኣብ ደረጃ ናብራን ካልእ መዳያት ሂወትን ዝንኣድ ምምሕያሽ ምተራእየ ነይሩ ክብል ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኣብ ሲንጋፖር ዝሃቦ መግለጺ፡ ዋላ'ኳ ደቂ-ኣንስትዮ'ውን ፍጹማት እንተ ዘይኮና፡ "ብሉጻት ምዃነን ግን ኣየማትእን'ዩ" ኢሉ።
እዞም ንዓለም ዘናውጽዋ ዘለዉ ጸገማት፡ ካብቶም ስልጣን ጨቢጦም ዝርከቡ ብዕድመ ዝዓበዩ፡ መብዛሕትኦም ደቂ-ተባዕትዮ ዝምንጩ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።
ብዛዕባ ተርእዮታት ፖለቲካዊ ምትፍናንን፡ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝዝርጋሕ ሓሶታትን ስኑዕ ዜናታትን'ውን ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ኣብ ሓደ ዕጹው ኣኼባ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እዛ ዓለም ብደቂ-ኣንስትዮ ትምራሕ ነይራ እንተ ትኸውን እንታይ ምመሰለት ኢሉ ይሓስብ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
"ኣብዚኣ ደቂ ኣንስትዮ ክትፈልጥኦ ዝደልየክን፡ ፍጹማት ኣይኮንክንን፡ ብዘየማትእ መንገዲ ክብሎ ዝኽእል ግና፡ ካባና [ደቂ-ተባዕትዮ] ኣዚኽን ዝሐሽክን ኢኽን።"
"ኣብ ገጽ ምድሪ ዘላ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንክልተ ዓመት ብደቂ-ኣንስትዮ እንተ ትምራሕ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት... ደረጃ ናብራን ካልኦት ውጽኢታትን፡ ምምሕያሽ ከም ዝረአ እተኣማመን'የ" ኢሉ።
ናብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክምለስ ዝደሊ እንተ ኾይኑ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ መራሕቲ ግዚኦም ምስ ኣኸለ ስልጣኖም ክለቁ ኣለዎም ኢሉ ከም ዝኣምን ተዛሪቡ።
"ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ጸገማት እንተ ሪኢና፡ ዝኣረጉ ደቂ-ተባዕትዮ፡ ካብቲ ስልጣን ክእለዩ ብዘይምኽኣሎም ዝተፈጠሩ'ዮም።"
"ፖለቲካውያን መራሕቲ ክፈልጥዎ ዝግብኦም ነገር እንተ ኣልዩ፡ ኣብኡ ዘለኻ ሓደ ስራሕ ክትዓምም እዩ 'ምበር፡ ንምሉዕ ዕድሜኻ ከትጸንሕ ኣይኮነን። ኣብኡ ዘለኻ፡ ንናትካ ኣገዳስነት ወይ ስልጣን ንምስሳን ኣይኮነን።"
ኦባማ፡ ካብ 2009 ክሳብ 2017 ናይ መጀመርታ ጸሊም ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ምግልጋሉ ይፍለጥ።
ድሕሪ ናይ ክልተ እብረ ዕድመ ስልጣኑ ምስ ወረደ ድማ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሚሸል ኦባማ ብምዃን፡ ሓደ ትካል (ኦባማ ፋውንዴሽን) ብምምስራት፡ ንመንእሰያት መራሕቲ ኣብ ምምዕባል ይነጥፉ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ክልቲኦም፡ ኣብቲ እቲ ትካል ኣብ ኩዋላ-ላምፑር፡ ማሌዥያን ዘዳለዎ ኣኼባ ተሳቲፎም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







