ንዝኽሪ ልደት 100 ዓመት ማንዴላ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኸበ ባራክ ኦባማ ካብ ዘሕለፎ መልእኽቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣንጻር ስደተኛታት ዝግበር ጭቆና ብምኹናን፡ ነታ ዋንጫ ዓለም ዝጨበጠት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ተጻወታ ከም ኣብነት ብምምጻእ ናይቶም ሰባት ተውህቦን ዓቕምን ክእለተን ብማዕርነት እንተተጠቂምካሉ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዓቢ ለውጢ ከተመዝግብ ከምትኽእል ገሊጹ።
ፕሬዚደንት-ነበር ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ንፈለማ እዋን ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ኣንጻር`ቶም ንመርትዖታት ዕሽሽ ዝብሉ መለኽቲ መራሕትን ፖለቲከኛታትን ዝጸፍዕ መደረ ኣስሚዑ።
እቲ ዝሃቦ መግለጺ ኣንጻር`ቲ ``ብሓሶት ዝተለበጠ ምርትዖ`` ዝጥቀም ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዘነጻጸረ ዝተጎልብበ ነቐፌታ ኢዩ ነይሩ።
ካብቲ ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ናይ ኔልሶን ማንዴላ ዕለተ-ልደት ንኣስታት 15,000 ተሳተፍትን ንማዕከናት ዜና ዓለምን ዝገበሮ መደረ ሓሙሽተ ነጥብታት ኣቕሪቡ።
1. መርትዖታት ዝተቐደሱ ኢዮም
``ኣብ መርትዖታት ክትኣምኑ ኣለኩም፡ ብዘይ መርትዖታት ዝኾነ መሰረት ንምትሕብባር ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ`` ኢሉ ባራክ ኦባማ።
``ኣነ እዚ መድረኽ ኢዩ እንተድኣ ኢላ፡ ኣንስኻ ድማ የለን እዚሓርማዝ ኢዩ እንተድኣ ኢልካ ክንረዳዳእ ኣይንኽእልን ኢና`` ኢሉ ኦባማ።
ምስቶም ኣብ ናይ ፓሪስ ክሊማዊ ለውጢ ስምምዕ ዘይሰማምዑ ሰባት - ከም ፕሬዚደንት ትራምፕ ዝኣመሰሉ፡
ኣሜሪካ ካብቲ ስምምዕ ክትስሕብ ዝደሊ- እንተድኣ እቲ ዘቕርብዎ ሞጎት ኣብ መርትዖ ዝተመርኮሰ ኮይኑ ኣብ ሓደ ምርድዳእ ክበጽሕ ከምዝኽእል ገሊጹ።
ፕሬዚደንት ትራምፕ ክሊማዊ ለውጢ ጨሪሱ ኣይክሰትን ኢሉ ኢዩ ዝሓስብ።
``እንተድኣ ነቶም ፖለቲከኛታት ክሕስዎ ረኺብክምዎም፡ እዋእ ተፈዲሕና`` ድሕሪ ምባል ምሕሳዎም ይቕጽሉ ኢሉ ኦባማ።
2. ስደተኛታት ሓይሊ ኢዮም
እንተድኣ ተውህቦ ዓቅምን ብቕዓትን ጻዕርን ሰባት ተወሃሂዱ ኣብቲ ሕብረተሰብ ማዕርነት ከረጋግጽ ይኽእል ኢሉ ባራክ ኦባማ።
እስከ ነታ ኣብዝሓለፈ መዓልታት ናይ ዓለም ዋንጫ ዝጨበጠት ``ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳ ንርአ`` ምስ በለ ብሆታ ነቲ ዝበሎ ደገፎም ገሊጾምሉ።
``ንዓይ እቶም ተጻውቲ ደቀባት እቲ ከባቢ ኣይመስሉንን፡ ግና`ኸ ፈረንሳውያን ኢዮም``። ኣብ ኣሜሪካን ደቡብ ኣፍሪቃን ዓሌታዊ ኣፈላላይ ከምዘሎ መርትዖ ኣየድልዮን ኢዩ፡ ``ቅሉዕ ሓቂ ስለዝኾነ`` ኢሉ ኦባማ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3. እቶም ኣዝዮም ሃብታማት `ካብቲ ተራ ህዝቢ ተንጺሎም ኢዮም`
እቶም ኣዝዮም ስሙያትን ሃብታማትን ካብቲ ሂወት ናይቶም ድኻታት ኣዝዮም ርሒቖም ኢዮም። ``ኣብ ናይ ንግድ ስርሓቶምን ፋብሪካታቶምን ካብቲ ናይቲ ሃገር ኩነታት ኣዝዮም ተገሊሎም ኢዮም፡ ካብቶም ተራ ህዝቢ ድማ ተነጺሎም ኢዮም`` ኢሉ ኦባማ።


ምንጪ ስእሊ, AFP
ከምውጽኢት ናይዚ ድማ፡ እቲ ፋብሪካታቶም ንምዕጻው ዝወስድዎ ስጉምቲ ናይቶም ሰብ ብርኪ ጠለብ ዘማልእ ውሳነ ጥራይ ኢዩ ዝኸውን።
4. ዓወት ንዴሞራሲ
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ፖለቲከኛታት ``ፖለቲካ ፍርሒ፡ መረረን ምንካይ ወጻኢታት`` ከልዕሉ ክመዝጸንሑ ኦባማ ኣጠንቂቑ።
ዴሞክራሲ ናይ ብሓቂ ግዕዙይ ኢዩ፡ ``እንተኾነ ናይ ውልቀ መለኽቲ ብቕዓት ድማ ናይ ሓሶት መብጽዓ ኢዩ።``

``ካብ ሕጂ ንድሓር ኩሉ ኣቓልቦና ኣብቶም ሃብታማት ዘይኮነ ኣብቶም ተራ ህዝቢ ዓለም ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ዴሞክራሲ ካብኡ ስለዝምንጭው።
ኣነ መጻኢ ናይዛ ዓለም ብናይ ኔልሶን ማንዴል ራእይ ኢየ ዝኣምን፡ ዓለም ድማ በቲ ራእይ እንተድእ ተገዚኣ ድማ ኩሉ ክማላእ ይኽእል`` ድማ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
``ምኽንያቱ ሰላምን ምትሕብባርን ክጭበጥ ስለዝኽእል``። ንቕድሚት ክንስጉም እንተድኣ ኮይና ድማ ካልእ ምርጫ ይብልናን።
ንግዚኡ ነገራት ንድሕሪት ክኸዱ ይኽእሉ፡ ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ቅኑዕ ኢዩ ዝዕወት ኢሉ ኦባማ።
5. ትስፉዋት ንኹን
``ትስፉዋት ንኹን፡ ንቕድሚት ምምራሽ ምህናጽን ድምጽና ምቅላሕን ኣየነቋርጽ ድሕሪ ምባል ነብሲ ወከፍ ወለዶ ነዛ ዓለም ንምቕያር ትዕድልቲ ኣለዎ`` ብምባል ኢዩ መደራኡ ብእውንታ ዝዛዘመ።
``ሓደ መራሒ ጥራይ ክህልወና ኣይኮናን ንደሊ፡ ናይ ሓባር ጽንዓትን መንፈስን ክህልወና ኢና እንደሊ`` ድማ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







