ሚሸል ኦባማ: ''ኣዝያ እትድነቕ ሰበይቲ'' ዝብል መዓርግ ረኺባ

ምንጪ ስእሊ, PA
ሚሸል ኦባማ ካብ ኣሜሪካ ኣዝያ እትድነቕ ሰበይቲ ብምዃን፡ ን17 ዓመት ብተኸታታኪ ብሂላሪ ክሊንጠን ዝተወነነ ቦታ ሒዛቶ።
ፕረዚደንታዊ ሕጽይቲ ነበር፤ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካን ከምኡ'ውን ቀዳመይቲ እመቤት ነበር ኣሜሪካ ሂላሪ ክሊንተን፡ ሳልሰይቲ ኮይና ተመሪጻ።
ኣሰናዳኢት 'ቶክ ሾው' ቴሌቭዥን፡ ኦፕራ ዊንፊሪ ድማ ካልኣይቲ ኮይና ከም ዝወጸት ጋልኡፕ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።
ንግስቲ ኤልሳበጥ፡ ን50 ግዜ ካብ ዓሰርተ ብሉጻት ኮይና ከም ዝወደአት እቲ ውጺኢት ዳህሳስ ይሕብር።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ'ውን ን11 ዓመት ብተኸታታሊ ''ዝያዳ ዝድነቕ ሰብኣይ'' ኮይኑ'ሎ።
ብኣንጻሩ፤ ፕረዚደንት ትራምፕ ንራብዓይ ግዜ ካልኣይ ኮይኑ ወዲኡ።
እዚ መጽናዕቲ ብዘይካ 1976 ካብ 1946 ጀሚሩ ዓመት ዓመት እዩ ዝካየድ።
እቲ መጽናዕቲ ን1025 ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ሰባት ንዘድንቕዎ ሰብኣይን ሰበይትን ክርቐሑ ሓቲቱ።
ኣዝየን ዝድነቓ ኣንስቲ
- ምሸል ኦባማ - 15%
- ኦፕራ ዊንፍሪይ - 5%
- ሂላሪ ልሊንቶን - 4%
- ሚላያ ትራምፕ
- ንግስቲ ኤልሳበጥ 2ይሪ - 2%
ኣዝዮም ዝድንቑ ኣስብኡት
- ባራክ ኦባማ - 19%
- ዶናልድ ትራምፕ - 13%
- ጆርጅ ቡሽ -
- ጳጳስ ፍንቸስኮ - 2%
- ቢል ገይት - 1%
ኣብዚ በብዓመቱ ዝካየድ ዳህሳስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እዚ መዓርግ ዘይረኸበ ካልአይ ሰብ ኮይኑ።
ቀዳማይ ፕረዚደንት ኾይኑ እዚ መዓርግ ዘይረኸበ፡ ጌራልድ ፎርድ ይበሃል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







