ሚስጥራዊ ዲያሪ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ - ሻብዓይ ክፋል

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሻድሻይ ክፋል ሚስጥራዊ ዲያሪ (ውልቀ-መዘክር) ደቀ-ኣንስትዮ ቺቦክ፡ ብዛዕባ ነተን ብዕጡቓት ቦኮ ሓራም ዝተጨወያ ናይጀርያውያንን፡ ሓዳር ንክገብሩለን ዘገድዱሉ ኩነታትን ቀሪቡ ነይሩ።
ንኽምርዓውኦም ድልዋት ዘይኮና፡ ኣገዲዶም ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክሰርሓ ካብ ምግባሮም ብተወሳኺ ንኣንስቶም ባሮት ክኾናለን ይገብሩ ነይሮም። ሻብዓይ ክፋል ቀፂሉ'ሎ...
7) ካብ ጭውያ ዝሃደማ፡ ብነበርቲ ከባቢ እናተታሕዛ ናብቲ ጉጅለ ዕጡቓት ይምለሳ
ከም በዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ሚሸል ኦባማ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ኢዶም ዝሓወሱሉ ወፍሪ ይካየድ ነይሩ። ካብዚ ብደረጃ ዓለም ዝተወለዐ "ደቅና ምለሱልና" ዝብል ወፍሪ ንርእሶም ዘግለሉ ገለ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ እውን ነይሮም።
ዝተጨወያ ደቀ-ኣንስትዮ እናሓዙ መሊሶም ነቲ ጉጅለ ኣሕሊፎም የረክብወን።

"ዝተወሰና ደቀ-ኣንስትዮ ክሃድማ ዝፈተናሉ ካልእ መዓልቲ ነይሩ። ክሃድማ እንተፈተና'ኳ ክሰምረለን ግን ኣይከኣለን። እቶም ሰባት ድማ ሒዞምወን። ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ከውዕልወን ዝኸኣሉ፡ ናብ ሓደ ሹቕ ኣትየን ሓገዝ እንትሓትኦም፡ ማይን ብሽኮትን ሂቦምወን። ብድሕሪኡ 'መን ኢኽን? ካበይከ መፂእኽን?' ክብሉ ሓቲቶምወን። ንሳተን እውን 'ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ቺቦክ ካብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝጨወዩና ኢና'ኢለንኦም። ሓደ ካብ ሞንጎ'ቶም ሰባት 'እዚኤን ደኣ ኣይ ደቂ ሸካውስ እንድየን?' ክብል ተዛረበ።
"ፅቡቕ መግቢ ኣቕሪቦምለን። መደቀሲ'ውን ሂቦምወን። ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ድማ ናብቲ ንሕና ዘለናሉ ቦታ መሊሶምወን። ምሸት ሒዞምወን ምስ መፁ ብሓለንጊ ገሪፎምወን፡ ክሳደን ከምዝቖርፅወን እውን ነጊሮመን"
ሻምናይ ክፋል ክቕፅል'ዩ...
ሚስጥራዊ ዳያሪ ደቀንስትዮ ቺቦክ- ቀዳማይ ክፋል




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







