ሚስጥራዊ ዲያሪ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ - ሓምሻይ ክፋል

ንተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ ዝጨወዩ ዕጡቓት ቦኮሓራም፡ ካብ ርእሰ መምህር እቲ ቤት-ትምህርቲ፣ ስድራ እተን ግዳያትን መንግስትን፡ ዓሚፅኩመን ዝብል ክሲ ስለዝቐረበሎም ብጣዕሚ ሓሪቖም። መራሒ እቲ ጉጅለ ዝቐረፆ ድምፂ እውን፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ክሰምዕኦ ተገይሩ። እዚ ክሲ ፀለመ ከምዝኾነንን፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ዝጨወይወን መንገዲ ኣላህ ንከምህርወን ከምዝኾኑ ቅዳሕ ድምፂ መራሒ ቦኮሓራም ይገልፅ።.......ድሕሪኡ'ኸ እንታይ ኮነ? ሓምሻይ ክፋል ዛንታ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ፡ እነሆ።

Presentational grey line
ናኦሚ ኣዳሙ

5) ሒጃብ ካብ ስምዒታዊ ፈተና ንምድሓን

ዕጡቓት ቦኮሓራም፡ እተን ዝጨወይወን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስምዒታዊ ፈተና ከየእትወኦም ይልምንወን ነይሮም። በዚ ድማ ሰብነተን ኩሉ ግዜ ብሒጃብ ክሽፍንኦ ነጊሮመን።

ብዕጡቓት ቦኮሓራም ዝተጨወያ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ

ምንጪ ስእሊ, AFP/ BOKO HARAM

"መፅሓፍ ቁርኣን ከፊቱ ከንብበልና ጀሚሩ፡ ካብ ትሕዝቶ እቲ ቁርኣን፡ 'ዝኾነ ኣብ ኲናት ጂሃድ ዝተጨወየ ኣካል ኩሉ ናይ ባዕልኽን እዩ፣ ከም ምርጫኽን እዩ፣ ምስ ዝደለኽንኦ ሰብ ደስ ዝበለክን ክትገብራ ትኽእላ፣'....... ዝብል ኣንቢቡ። ሕጃብ ክንኽደን ዝሃቡና ግና፡ ነብስና ክርእዩና ስለዘይደለዩ እዩ። እዚ ማለት ሰብነትና እንተርእዮም ናብ ሓጥያት ከምርሑን ሕማቕ ነገር ክሰርሑን ስለ ዝኽእሉ እዮም። " ብድሕሪ'ዚ እንታይ ክፍጠር ይኸውን? .......... ክቕፅል'ዩ።

Presentational grey line