ሚስጥራዊ ዲያሪ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ - ሓምሻይ ክፋል
ንተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ ዝጨወዩ ዕጡቓት ቦኮሓራም፡ ካብ ርእሰ መምህር እቲ ቤት-ትምህርቲ፣ ስድራ እተን ግዳያትን መንግስትን፡ ዓሚፅኩመን ዝብል ክሲ ስለዝቐረበሎም ብጣዕሚ ሓሪቖም። መራሒ እቲ ጉጅለ ዝቐረፆ ድምፂ እውን፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ክሰምዕኦ ተገይሩ። እዚ ክሲ ፀለመ ከምዝኾነንን፡ ነተን ደቂ ኣንስትዮ ዝጨወይወን መንገዲ ኣላህ ንከምህርወን ከምዝኾኑ ቅዳሕ ድምፂ መራሒ ቦኮሓራም ይገልፅ።.......ድሕሪኡ'ኸ እንታይ ኮነ? ሓምሻይ ክፋል ዛንታ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ፡ እነሆ።


5) ሒጃብ ካብ ስምዒታዊ ፈተና ንምድሓን
ዕጡቓት ቦኮሓራም፡ እተን ዝጨወይወን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስምዒታዊ ፈተና ከየእትወኦም ይልምንወን ነይሮም። በዚ ድማ ሰብነተን ኩሉ ግዜ ብሒጃብ ክሽፍንኦ ነጊሮመን።
ሚስጥራዊ ዳያሪ ደቀንስትዮ ቺቦክ- ቀዳማይ ክፋል

ምንጪ ስእሊ, AFP/ BOKO HARAM
"መፅሓፍ ቁርኣን ከፊቱ ከንብበልና ጀሚሩ፡ ካብ ትሕዝቶ እቲ ቁርኣን፡ 'ዝኾነ ኣብ ኲናት ጂሃድ ዝተጨወየ ኣካል ኩሉ ናይ ባዕልኽን እዩ፣ ከም ምርጫኽን እዩ፣ ምስ ዝደለኽንኦ ሰብ ደስ ዝበለክን ክትገብራ ትኽእላ፣'....... ዝብል ኣንቢቡ። ሕጃብ ክንኽደን ዝሃቡና ግና፡ ነብስና ክርእዩና ስለዘይደለዩ እዩ። እዚ ማለት ሰብነትና እንተርእዮም ናብ ሓጥያት ከምርሑን ሕማቕ ነገር ክሰርሑን ስለ ዝኽእሉ እዮም። " ብድሕሪ'ዚ እንታይ ክፍጠር ይኸውን? .......... ክቕፅል'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







