ሚስጥራዊ ዲያሪ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ - ሻድሻይ ክፋል

ካብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንተምሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ ዝጨወዩ ዕጡቓት ቦኮሓራም፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስምዒታዊ ፈተና ከየእትወኦም፡ ይልምንወን ነይሮም። ሰብነተን፡ ኩሉ ግዜ ብሒጃብ ክሽፍንኦ ይነግርወን። ከምኡ ንኽገብራ ዝለመንወን፡ ንኣካላተን ርእዮም ናብ ሓጥያት ንከይኣትዉን ሕማቕ ነገር ንከይሰርሑን ብዝብል እዩ።.......ድሕሪኡ'ኸ እንታይ ኮነ? ሻድሻይ ክፋል ዛንታ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ፡ እነሆ።

6) ሕቶ ወይ ድማ ትልምታት መርዓ

ብዕጡቓት ቦኮሓራም፡ ዝቐርበልና ተደጋጋሚ ሕቶ መርዓ፡ ፅዕንቶ ዝበዝሖ ነይሩ።

"ሓንቲ ጓል፡ ዝኾነ ነገር ንምውሳድ ናብ ውሽጢ ክፍሊ ትኣትው፤ ማላም ኣሕመድ (ሓደ ካብቶም ዕጡቓት) ይረኽባ'ሞ፡ ብዛዕባ መርዓ ይሓታ። ንሳ እውን፡ 'ኣይኸውንን' ትብሎ። '...ብዛዕባ እዚ መርዓ እንታይ እዩ ውሳነኺ?"

"ንሳ እውን 'ብፍፁም ክኸውን ኣይኽእልን' ትብሎ። ካብ መንግስታዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት-ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ጨውዮም'ዮም ናብ ሳምቢሳ ኣምፂኦማ። ሕዚ ድማ ብዛዕባ መርዓ የዛርብዋ ኣለዉ። ከመይ ገይራ እያ ክትመርዖ እትኽእል። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣዲኣን ኣቦኣን፣ሓትኖታታ፣ ብሓፈሻ መላእ

ስደርኣ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከምዘላ ኣይፈልጡን።"

...... ብምቕፃል፡ እንድሕር ክትምርዖ ፍቓደኛ ዘይኮይና ንፈጣሪኣ እናኣመነት፡ ከይተመርዓወት ንክትነብር ክትሓቶ ጀሚራ፡ 'እዚ ፅቡቕ ኣይኮነን?' ክትብል ሓቲታቶ። 'እዚ ሕማቕ ውሳነ እዩ።" ክብል ድማ መሊሱላ።

Presentational grey line
ናኦሚ ኣዳሙ

ገሊአን ደቂ ኣንስትዮ ሓሳበን ንክቕይራ ፀቕጢ ተገይሩለን።

"ብናይ ፅዕነት መኪና ይመፁ ንዝነበሩ ሰባት ሪኢናዮም ኢና። ናባና ብምምፃእ፡ በዓል መን ክምርዐዋ ከም ዝደለያ ሓቲቶምና። 'ኩላትክን ሃይማኖት እስልምና ዝተቐበልክን..... ክትምርዐዋ ግድን እዩ። እንተድኣ እቲ ሃይማኖት ብሙሉእ ልቢ ተቐቢልክንኦ ኮይንክን....' ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዜ መልስና ፡

ንክነፍልጦም፡ 30 ደቒቓ ሂቦምና። ንሕና ግና ሱቕ ምባል ኢና መሪፅና። ብድሕሪኡ እውን ንሓደ ሰዓት ተፀብዮምና፡ ዋላ ሐደ መልሲ ዝሃበቶም ኣይነበረትን።"

እዘን ኣይንምርዖን ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከም ባርያ ከምዝረኣያ ናኦሚ ኣዳሙ ነጊራትኒ። "በቢመዓልቱ፡ እዮም ዘጥቅዑና፤ ንክንምርዖ ይነግሩና፤ እንተድኣ ኣቢኽን ግና ከጥቅዑኽን እዮም። ክዳን ንክንሓፅብ፣ ማይ ንክነምፅኣን ንኣንስቶም ድላየን ንክንሰርሐለንን ይገብሩ። ባሮት ኢና ነይርና።"

ብድሕሪ'ዚ እንታይ ክፍጠር ይኸውን? .......... ክቕፅል'ዩ።

Presentational grey line