ትራምፕ ኣብ ኮለጃት ኣሜሪካ ዝርአ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝጻረርን ንግዱዓት ዝድግፍ ፖሊሲ `ክስርዝ` ኢዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምምሕዳር ፕሬዚደንት ትራምፕ ኣብ ኣብያተ ትምህርታት ብዙሕነትን ንግዱዓት ቀቢላታት ሓለፋ ዝገብር ናይ ፕሬዚደንት ኦባማ ፖሊሲ ክስርዞ ከምዝኾነ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ገሊጸን።
ዓቃብ ሕጊ ኣሜሪካ፡ ንዓሌትነትን ንግዱዓት ሓለፋ ዝህብ 24 ሰነዳት ምምሕዳር ኦባማ ከምዝሰረዘ ተፈሊጡ።
ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ምምሕዳር ኦባማ ኣብ ኮለጃት ዝኽተሎ ዝነበረ ብዙሕነት ዘተባብዕን ንግዱዓት ሓለፋ ዝገብርን ፖሊሲ ከልዕሎ ከምዝኾነ ናይ ኣሜሪካ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።
ብሰሉስ፡ ዓቃብ ሕጊ ኣሜሪካ ጄፍ ሴሽንስ ንኣብ ኣብያተ ትምህርትታት ዝርአ ዓሌትነትን ንግዱዓት ዝግበር ሓላፋታት ዝምልከት 24 ሰነዳት ሰሪዙ።
ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ቁጽሪ ናይቶም ናብቲ ኮለጅ ክኣትው ዝደልዩ ኤስይውያን ዝመበቆሎም ኣሜሪካውያን ይድርት ኢዩ ብምባል ብዓልየታዊ ኣድልዎ ድሕሪ ምውንጃሉ ኢዩ እዚ ጉዳይ ክልዓል ዝኸኣለ።
ኣብ 2016፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንግዱዓት ዝግበር ሓለፋ ብምድጋፍ ፍርዱ ሂቡ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፡ ኣንቶንዮ ኬኔዲ፡ ነቲ ናይ 2016 ብይን ዝሃበ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ጡረታ ክወጽእ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ፕሬዚደንት ትራምፕ ብተዛማዲ ናይ ምምሕዳሩ ኣጠማምታ ዝድግፍ - ዓሌትነት ኣብ ንኮለጃት ዝኣትው ተማሃሮ ኣብ ግምት ዘእቱ - ዳኛ ክመዝዝ ዕድላት ረኺቡ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብያተ ትምህርታትታብ መስርሕ ምቕባል ተማሃሮ ጉዳይ ዓሌት ኣቓልቦ ከይህብኦ ክሕብረን ኢዩ ይብሃል። እዚ ድማ ነቲ ፕሬዚደንት ባራክ ኦባማ ዝኽተሎ ዝነበረ ብዙሕነት ኣብ ኮለጃት ዘተባብዕ ፖሊሲ ደው ንምባል ዝዓለመ ኢዩ ይብሃል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እንታይ ማለት`ዩ ነቲ ፖሊሲ ምስራዝ?
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እቲ ኣብ ኮለጃት ንግዱዓት ዝግበር ሓለፋታት - ብፍላይ ኮለጃት ኣብ ምቕባል ኣባላት ውሑዳት ቀቢላታት ዝድግፍን ብዙሑነት ዘተባብዕን ስጉምቲ ብምኻኑ - ከም ኣወንታዊ ስጉምቲ ኢዩ ዝፍለጥ። ኣብ ኣሜሪካ ግና ንዓመታት ከም ኣካታዒ ስጉምቲ ኢዩ ክርአ ጸኒሑ።
እቲ ብሓደ ተማሃራይ ኣብ ልዕሊ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፡ እቲ ኮለጅ ኤስያውያን-ኣሜሪካውያን ተማሃሮ ኣብ ምቕባል ርትዓዊ ዝኾነ ኣገባብ ኣይጥምን፡ ንምቕባሎም ዓቢ መምዘኒ ነጥቢ ከምጽኡ ኢዮ ክጠልብ ጸኒሑ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እዚ ኣብ ልዕሊ`ቲ ኮለጅ ዝቐረበ ናይ ዓሌት ኣድልዎ ክሲ ይምርምሮ ከምዘሎ ይፍለጥ።
እንተኾነ፡ ሃርቫርድ ዩኒቨርስቲ ኣብ ልዕሊ ናብቲ ዩኒቨርስቲ ክእትው ዘመልክቱ ተማሃሮ ዝኾነ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዘይገብር ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብዚ እዋን ኣስታት 22.2 ሚኢታዊ ናይ ተማሃርኦም ኤስያውያን-ኣሜሪካውያን ከምዝኾኑ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







