ኦባማ፡ "ብመራሕቲ: ጽልኢ ዝጉስጉስ ዘረባ ክንጸግ ኣለዎ"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት አሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ኣሜሪካውያን ካብ መራሕቶም ዝዝረብ ጽልኢ ዝጉስጉስን ንዓሌታውነት ቅቡል ዝገብርን ዘረባታት ክነጽግዎ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ባራክ ኦባማ ነየናይ ዘረባን ነየኖት መራሕትን'ዩ እዃ እንተዘይገለጸ፡ እዚ ዘረባ ድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስደተኛታት ዘለዎ ኣረኣእያን ዝተዛረቦ ዘረባን ስዒቡ'ዩ ተዋሂቡ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ነቶም ኣብ ቴክሳስ ብጥይት ዝሞቱ 31 ሰባት ኣመልኪቱ ብሰኑይ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንልዕልና ጸዓዱን ጽልእን ክኹንን ተሰሚዑ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ፡ ውልቐ ሰባት ብረት ንኽውንኑ ዘፍቕድ ሕጊ ክእለ ነዊሕ እኳ እንተጸዓረ፡ ከይተዓወተ ከም ዝተረፈ ዝዝከር'ዩ።
ባራክ ኦባማ ኣብቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝተዛረቦ ነገራት ርኢቶ ክህብ'ኳ እንተዘይደለየ "ካብ ኣፍ መራሕቲ ዝወጹ ንጽልእን ንዓሌትነትን ዝጉስጉሱ ዘረባታት ክንነጽጎም ኣለና፡ ኣሜሪካ ናይ ውሱናት ሰባት ገይሮም ከረድኡና ንዝፍትኑ መራሕቲ ክንቕበሎም የብልናን" ኢሉ።
"እዚ ከምዚ ዓይነት ነገራት ኣብ ፖለቲካን ውልቃዊ ህይወትን ቦታ የብሉን" ውን ኢሉ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ እዋን ጎስጓስ ምረጹኒ፡ ንሜክሲካውያን ስደተኛታት ከም ቀተልትን ዓመጽትን እዩ ዝገልጾም ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ንኣርባዕተ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣሜሪካ እንተዘይማእሚእክን ናብቲ ዝመጻክናሉ ክትምለሳ ትኽእላ ኢኽን" ምባሉ ዝዝከር'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







