ስልጣን ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ'ቲ እንግምቶ ስለምንታይ ትሒቱ?

ተቓዋሚት ኣብ ዋሺንግተን - 2018

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ገለ እዋናት፡ ሃገራት ንደቂ ኣንስትዮ ናብ ስልጣን ኣብ ምምጻእ ዝገብርኦ ጻዕርታት ጎሊሐን ክረኣያ ይኽእላ`የን። ንኣብነት፡ እታ ፍርቂ ናይ ኣባላት ካቢነኣ ብደቂ ኣንስትዮ ዝተታሕዘ ርዋንዳ ከም መርኣዪ ክንወስድ ንኽእል ኢና።

እዚ ስጉምቲ ናይ ርዋንዳ፡ ነቲ ጾታዊ ማዕርነት ዘለዎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰየመ ካቢነ ሚኒስተራት ስዒቡ`ዩ መጺኡ።

ኣብ ካልኦት ክፍለ-ዓለምና`ውን ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዘረጋገጻ ወይ`ውን ስልጣንን ድርኺትን ኣብ ዘለዎም ጽፍሒታት ስራሕ፡ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ጸብለል ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዘለውአን ብዙሓት ኣብነታውያን ሃገራት ኣለዋ።

ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ስሎቨኒያ ተወዝ ምስ እትብል፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይ`ቶም ትርእዮም ደያኑ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን ትረኽበን። ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነት፡ ናሚቢያ ጸብለል ኢላ ትረኽባ። ፍርቂ ናይ`ቶም ዝለዓሉ ጽፍሕታት ሓላፍነት ብደቂ ኣንስትዮ እዩ ተታሒዙ ዝርከብ።

ኣብ ገለ ጽፍሕታት ሓላፍነት ስራሕ፡ ፍሉይ ውጽኢት ንምርካብ ኢለን ነቲ ልሙድ ኣሰራርሐ ረጊሐን ዝኸዳ ሃገራት ንምርካብ`ውን ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ፍርቂ ሞያውያን ሓበሬታ ቴክኖሎጂ [ኣይቲ] ማለዢያ ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ሽዱሽተ ካብ ዓሰርተ ተመራመርቲ ሕክምና ናይ ኒው ዚላንድን ሓሙሽተ ካብ ዓሰርተ መሃንድሳት ናይ ዖማንን ደቂ ኣንስትዮ`የን።

ክንድ`ዚ ዝኣክል ቁጽሪ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ሕጂ ብደቂ ተባዕትዮ ተዓብሊሉ ንዝጸንሐ ጽፍሒታት ሓላፍነት ስራሕ ምሓዘን ሓናጎፋይ ኢልካ እትቕበሎ ነገር`ዩ። እንተኾነ ግን ካልኦት ሃገራት ካብ`ዚ ክመሃራ እትጽበዮ ነገር`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ድርኺት ዘለዎ ግን መን`ዩ ኢልና ንነብስና ክንሓትት ግድን ይኸውን።

ስልጣን ደያኑ

ዳኛ ብረት ካቫናው፡ ብጾታዊ ድፍረት ተጠቂኑ ከብቅዕ፡ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ምስያሙ ስዒቡ ዝተላዕለ ክትዕ ካብ ኣእምሮ ብዙሓት ሰባት ኣይሃሰሰን ዘሎ። እቲ ሰለስተ ካብ`ቶም ትሽዓተ ደያኑ ደቂ ኣንስትዮ ዘለውኦ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓደ ላዕለዎት ዳያኑ ዘለዎም ስልጣን ዘርኢ ኣብነት`ዩ።

ኣብ ከም ብሪጣኒያ ዝኣመሰላ ሃገራት ግን እቲ መስርሕ ሕጊ ኣብ ናይ ሓባር ሕጊ [ኮመን ሎው] ዝተመርኮሰ`ዩ። ደያኑ ኣብ ዳሕረዋይ ዓመታት ናይ ሞያኦም`ዮም ዝስየሙ። ሓደ ሓደ እዋን ድማ ዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮ ብዘለዎ መርበብ፡ እቲ ሕጊ ድማ ኣብ ውሳነታቶምን መራሒ ተግባር ወይ ኩነት [ፕረሰደንስ] ይምርኮስ።

በንጻሩ፡ ኣብ ከም ፈረንሳይን ስሎቨኒያን ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ ስልጣን ደያኑ ኣዝዩ ድሩት`ዩ። ኣብ`ዘን ኣብ ጽሑፍ መምርሕታት ዝምርኮስ ሲቪላዊ ሕጊ ዘለወን ሃገራት፡ ደያኑ ትሑት ሕጊ ናይ ምትርጓም ስልጣን`ዩ ዘለዎም።

ሩት ባደር ጊኒስበርግ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሩት ባደር - ሓንቲ ካብ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ

ናይ ሕጊ ምሩቓት ድማ ደያኑ ንምዃን ንሕንሕ ዘለዎ ፈተና ክሓልፉ ናይ ግድን ይኸውን።

ናይ ስልጣን ቦታታት ኣብ ክንዲ ብንስኻ ሕለፍ፡ ብኣካደሚያዊ ብቕዓት ምዃኑ ድማ ዓቢ ፍልልይ የምጽእ።

ካብ ዓሰርተ ደያኑ ናይ ፈረንሳይ፡ ካብ ሽዱሽተ ንላዕሊ ደቂ ኣንስትዮ እየን። እንተኾነ ግን እቲ ጽፍሒ ሓላፍነት ምጉዳል ደሞዝ የስዕብ። ብብሕቲ ዝሰርሑ ጠበቓታት ካብ ዳያኑ ንላዕሊ እቶት ይረኽቡ።

ብሚእታዊ ዝበዝሐ ቁጽሪ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ደያኑ ኣብ ሃገራት ሕብረት ሶቬት-ነበር ይርከባ። ንኣብነት፡ ሸውዓተ ካብ ዓሰርተ ደያኑ ናይ ስሎቨኒያን ላትቪያን ደቂ ኣንስትዮ እየን።

ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ምሕደራ፡ ደያኑ ትሕቱ ደሞዝ ጥራይ ዘኮነ ነይርዎም፡ ውሳነታትቶም`ውን ብሰነ-ሓሳብ ዝተደረተ`ዩ ነይሩ። እቲ ሓቀኛ ስልጣን ኣብ ኢድ ካልኦት ሰባት`ዩ ነይሩ። ደያኑ ናይ`ዘን ሃገራት ገና ብተዛማዲ ትሑት ዝናን/ክብሪን እቶትን`ዩ ዘለዎም።

ሕሪ`ቲ ነውጺ

ኣብ ካልእ ሞያታት፡ ድሕሪ`ቲ ናይ ለውጢ ወያ`ውን ነውጺ እዋን፡ ደቂ ኣንስትዮ ስልጣን ጨቢጠን`የን ዝብል ኣምር ኣሎ።

ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ዴሳዊት ቡልጋሪያ፡ ሞያ ጋዜጠኝነት ስራሕ ናይ መንግስቲ`ዩ ነይሩ። ብዙሓት ዝተመሃራን ዋኒንተኛታትን/ኣውፈርቲ ደቂ ኣንስትዮ ሞያአን ቀይረን ኣብ`ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ማዕርነት ክፍሊ ዜና ይርከባ።

ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ምስ 80 ሓደሽቲ ኣባልት ባይቶ - መስከረም 2018

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜ ምስ 80 ሓደሽቲ ኣባልት ባይቶ - መስከረም 2018

ኣብ ርዋንዳ ጾታዊ ማዕርነት ኣብ ባይቶ ኣብ 2003 ተኣታትዩ። እቲ ስጉምቲ ድርሕሪ`ቲ ኣብ 1994 ዝተፈጸመ ህልቂት ዝሰዓበ ዕንወት መንግስታዊ ትካላት`ዩ ተወሲዱ።

ሽዱሽተ ካብ ዓሰርተ ኣባላት ባይቶ ብደቂ ኣንስትዮ ብምትሓዙ ድማ ነታ ሃገር ኣብ ዓለም መዳርግቲ-ኣልቦ ገይርዋ ይርከብ። እንተኾነ ግን፡ ኣብዚ`ውን እቲ ሓቀኛ ስልጣን ኣብ ኢድ መን ከምዘሎ ኣብ ሕቶ ምልክት ይኣቱ`ዩ።

ፕረሲደንት ፖወል ካጋመ ብውልቀ-መላኺነት ይውቀስ`ዩ። ህላወ ዓቢ ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ባይቶ ሓቀኛ ስልጣል ደቂ ኣንስትዮ ኣሎ ከብል ኣይክእልን።

ካልኦት ድማ ህላወ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይቶ ዓቢ ማሕበራዊ ድርኺት ኣለዎ ይብሉ። ገለ ካብኡ ድማ ዝያዳ ክብረት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብስድራቤታትን ሕብረተሰብን፡ ዝያዳ ክእለት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምድራኽ ውሳነታት ይርከብዎም።

እሞ ኩሉ`ዚ እንታይ ይሕብረና?

ዝምድና ደቂ ኣንስትዮን ስልጣንን ዝተሓላለኸን መደምደምታ ክትገብረሉ ዘጸግምን`ዩ። ወትሩ ኣብ`ቲ ዝዓበየ ስእሊ ክትጥምት ግን ኣገዳሲ`ዩ።

ገና ነዊሕ ጉዕዞ`ኳ ተሪፉና እንተሎ፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቦታ ስልጣን ክህልዋና ምልክት ሓይሊ`ዩ፡ ዋላ`ኳ ኣበር-ኣልቦ እንተዘይኮነ።

ሓደ ነገር ግን ንጹር ዝኾነ ይመስል። ነገራት ከም`ቲ በቲ ልሙድ መንገዲ ጥራይ እንተድኣ ተገይሮም፡ ለውጢ እንተሃለወ`ውን ዝሑል`ዩ ዝኸውን።