ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ አፍሪካ ኣብ ዝግበር ምርምር ክታበት ኮቪድ-19 ትሳተፍ ዘላ ኢትዮጵያዊት

ምንጪ ስእሊ, MIHRET
ምሕረት ኣማረ ኣብ ሱዳን ዝተወለደት ኢትዯጵያዊት ኮይና ኣብ ኣመሪካ ድማ ዓብያ። ብስራሕ ምኽንያት ናብ ኣፍሪቃ ብምምጽኣ ድማ ሕጉስቲ ምዃና ትዛረብ።
ንዓሰርታት ዓመታት ኣብ ሕክምና ቑስልን ምምላስ ዝተጎድአ ቖርበትን (ሪጄኔሬሽን) ክትሰርሕ ዝጸንሐት ምሕረት፡ ሕጂ ድማ ኣብ ምርምር ክታበት ኮቪድ-19 ትሳተፍ ኣላ።
ምሕረት፡ ኣብ መጀመርታ ዶክተር ናይ ምዃን ራእይ'ኳ እንተነበራ፡ ካብቲ ዓውዲ ከይርሓቐት ግን ብመዓርግ ዶክተር ኣብ ቤተ ፈተነ እናሰርሐት ትርከብ።
"ኣብ ውሽጢ ማይክሮስኮፕ ዝርኣይ ዓለም ንምርኣይ ዕድል ካብ ዝረክብ ግዜ ኣትሒዙ ካብ ሕክምና ናብ ቤተ ፈተነ ኣትየ ንብዙሕ ዓመታት ጸኒሐ'የ" ትብል።
ኣብቲ ዓውዲ ዝተባባዕ ቑጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘይበረ ዝገለጸት ምሕረት፡ "ተመሊሰ ትምህርቲ ክጅምር ከለኹ ቖልዓ ነይሩኒ። ብዝተወሰነ መልክዑ ዝፍትነኒ ኣጋጣሚታት'ኳ እንተነበረ ዘይክኣል ግን ኣይነበረን" ብማለት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ኮይነን'ውን ዝደለይኦ ከዐውታ ከም ዝኽእላ ትጠቅስ።
ብክፍሊ ትምህርቲ ባዮሎጂ ከም ዝተመረቐት እትዛረብ ምሕተት፡ መድሓኒት ዝተፈላለዩ ሕማማት ንምርካብ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ክትሳተፍ ከም እትደሊ ትገልጽ።
በዚ ምኽንያት ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ክትሰርሕ ብምጽናሕ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዘጋጥሙ ጸገማት ጥዕና ትኹረት ናብ ዝገብር ዓውዲ ከም ዘቕንዐት ትዛረብ።
ድሕሪ'ዚ ብቢዝነስ ኣድምኒስትሬሽን ካልኣይ ዲግሪ ተኸታቲላ ናብ ምምሕዳር መጽናዕትን ፖሊሲ ምርምርን ኣትያ።
ኣብቲ ትካል ምኽትል ዳይሬክተር ኮይና ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዙርያ ኮቪድ-19 ትሰርሕ ኣላ።
እቲ ሕጂ ትሰርሐሉ ዘላ ፋውንዴሽን ሄንሪ ጃክሰን ኮይኑ፡ "ኣብዚ ኣህጉር ጽቡቕ ነገር የበርክት ከም ዘለኹ'ዩ ዝስምዓኒ" ትብል።
እቲ ንሳ ትሰርሐሉ ዘላ ትካል ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝዋፈር 50 ዓመታት ዝገበረ ኢንስቲትዩት ዋልተር ሪድ ኣርሚ ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ኮይኑ በዚ ፋውንዴሽን'ዩ ዝሕገዝ።
እቶም ዝካየዱ ፕሮግራማት መጽናዕቲ ብላዕለዋይነት ምቁጽጻር ብጽሒት ምሕረት ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ ዝግበር መጽናዕትን ምርምርን ናይ ምክትታል ሓላፍነት ኣለዋ።
"ኣብ ላይቤሪያ፥ ጋናን ናይጄሪያን ትኹረት ገይርና ኢና ንሰርሕ" ዝበለት ምሕረት፡ ቅድሚ 6 ዓመታት ብዙሓት ሰባት ብዝቐተለ ሕማም ኢቦላ ተጠቒዐን ዝነበራ ሃገራት ዘለው ትካላት ጥዕና ክጠናኸሩ ይግባእ ትብል።

ምንጪ ስእሊ, MIHRET
"ኢቦላ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከቢድ ዕንወት'ዩ ኣውሪዱ። ሕጂ ግን እዚ ተሞኩሮ ከም ልምዲ ብምውሳድ ኮቪድ-19 ኣብ ምክልኻል ንጥቀመሉ ኣለና" ኢላ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኢንስቲትዩት ዋልተር ሪድ ኣርሚ ዝመርሖ ዘሎ ምርምር ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምዕራብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንክበጽሕ ዘኽእል መጽናዕቲ ይካየድ ከም ዘሎ ትዛረብ።
"ውጽኢታዊ ብዝኾነ መገዲ ንጉዓዝ ምህላውና የሐጉሰኒ እዩ። ብፍላይ ኣብ እንስሳት ክነካይዶ ዝጸናሕና ምርምር፡ ምልክታት እቲ እንደልዮ ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ናይ ምጥንኻር የርኢ ኣሎ" ብማለት እቲ ፈተነ ኣብ ቀረባ ናብ ሰብ ከም ዝዓቢ ሓቢራ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለው ቤተ ፈተነታት ቅድም ኢሉ ሕጽረት ናውታት ምርምርን ፈተነን ከም ዝነበሮም ዝጠቐሰት ምሕረት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ዝነበረ ክፍተት ምምላእ ስለ ዝተኻእለ ናብ ካልእ ቦታ ዝልኣኽ ዝነበረ ቅምሶ ብቐረባ ውጽኢቱ ክፍለጥ ከም ዝኽኣለ ተዛሪባ።
ቐዳማይ ዙርያ መጽናዕቲ እቲ ክታበት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምስተኻየደ "ካልኣይ ዙርያን ናይ መወዳእታ መረጋገጽን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከቡ ቤተ ፈተነታት'ዩ ክካየድ" ኢላ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩሎም ኣፍሪቃውያን ሰብ ሞያ'ዮም ነቲ መጽናዕትን ምርምርን ዘካይዱ ዘለው።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







