ኮሮናቫይረስ፡ ብዕድመ ኣናእሽቱ ንዝኾኑ ክንደየናይ የስግኦም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ዝበሃል ዘሎ ግልጺ እዩ፤ ዕድሜኻ ዓብዪ ምስ ዝኸውን፡ ዝያዳ ብኮሮናቫይረስ ትህሰ። እንተኾነ ግን፡ ብዕድመ ኣናእሽቱ ዝኾኑ ሰባት፡ ንነብሶም በዚ ሕማም ዘይትንከፉ ገይሮም ክርእዩ የብሎምን ክብል ትካል ጥዕና ዓለም የጠንቅቕ።
ዶክተር ሮዚና ኣሊን-ክሃን፡ "እዞ ሕማም ብዕድመ ንዝደፍኡን ሕዱር ሕማምን ንዘለዎም ሰባት ጥራይ ኣይኮነን ዘጥቅዕ" ትብል።
ከም መረጋገጺ ከኣ፡ ብ 25 መጋቢት 2019፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሕዱር ሕማም ዝነበሮ ወዲ18 ዓመት ብኮሮናቫይረስ ምሟቱ ትጠቅስ።
ዶክተር ኣሊን፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 30ን 40 ዝርከቡ ቅድም ኢሉ "ጥዑያት" ዝነበሩ መናእሰይ፡ ሕጂ በዚ ቫይረስ ተሰኒፎም ኣብ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ኮይኖም "ንህይወቶም ይቃለሱ'ዮም ዘለው" ትብል።
ብዕድመ ክረኣይ እንከሎ፡ መን እንታይ የስገኦ?
ዓበይቲ ሰባት፡ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ተቓላዕቲ'ዮም ዝብል ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ።
ተመራመርቲ ኢምፐሪካል ኮሌጅ ለንደን፡ ግዳይ ኮሮናቫይረስ ኮይንካ ናብ ሕክምና ምእታው ምስ ዕድመን ዘራኽብ ንጹር ነገር ከም ዘለዎ ብመጽናዕቶም ክፈልጡ ምኽኣሎም ሓቢሮም እዮም።
ዓበይቲ ሰባት፡ ናብ ሕክምና ምስኣተዉ'ውን ጽኑዕ ክትትል ክግበረሎም የድሊ።
ኣብ ትሕቲ 50ታት ዕድመ ካብ ዝርከቡ ሰባት እቶም ትሕቲ 5 ሚኢታዊት ብምኽንያት ዘርእዩዎ ምልክታት እቲ ሕማም፡ ናብ ሆስፒታል ክኸዱ ይግደዱ።
ካብ 70 ክሳብ 79 ዕድመ ኣብ ዝርከቡ ድማ፡ ናብ 24 ሚኢታዊት ሓፍ ይብል።
ብተመሳሳሊ ዕድሚኦም ትሕቲ 40 ኮይኑ ናብ ሆስፒታል ካብዝኸዱ ሰባት፤ እቶም ሓሙሽተ ሚኢታዊት ጥራይ ጽኑዕ ክትትል የድልዮም።
ኣብ 60ታት ዕድመ ካብ ዝርከቡ እቶም 27 ሚኢታዊት፤ ኣብ 70ታት ድማ 43 ሚኢታዊት ኣብ ከቢድ ጸገም ጥዕና ወዲቖም ዝለዓለ ክትትል ሕክምና የድልዮም።
ዕድሚኦም 80 ወይ ልዕሊኡ ዝኾኑ ሰባት ሓሚሞም ናብ ሆስፒታል ክኸዱ ምስ ዝግደዱ ግን፡ ኩነታቶም ዝኸበደ ይኸውን።
እዚ ቫይረስ ኣዝዩ ካብ ዘጥቅዐን ሃገራት ቻይናን ጥልያንን ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ካብዚኦም እቶም 71 ሚኢታዊት ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ጸገም ጥዕና ከም ዝወድቑን ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ክረኽቡ ከም ዝግደዱን ይሕበር።
ኣብ ኢንግሊዝ ዌልስን ሰሜን ኣየርላንድን ኣብ ከቢድ ጸገም ጥዕና ኮይኖም ጽኑዕ ክትትል ጥዕና ዝተገበረሎም ዕድሚኦም ብማእኸላይ 63 ከም ዝነበሩ ይግለጽ።
ብኻልእ ወገን ማእከል ምቁጽጻርን ምክልካልን ሕማማት ኣሜሪካ ከም ዝሓበሮ ድማ፡ 53 ሚኢታዊት ካብቶም ኣብ ዘስግእ ኩነታት ጥዕና ወዲቖም ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዝተገብረሎም ዕድሚኦም ልዕሊ 55 ዝነበሩ እዮም።
እዚ ማለት ድማ፡ እቶም ዳርጋ ፍርቂ ብዕድመ ዝነኣሱ ምዃኖም የርኢ።
ኣዝዩ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ዘድልዮምን ግዳይ ሞት ዝኾኑን ግን፡ ኣብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ'ውን ሰፊሕ ኣፈላላይ ኣሎ።
ኣስታት 80 ሚአታዊት ካብ ግዳያት ሞት ዕድሚኦም ልዕሊ 65 ዓመት ዝነበሩ'ዮም።
ንኣብነት ኣብ ጥልያን ካብቶም ኣብ 40ታት ዕድመ ዝርከቡ ግዳያት ናይዚ ቫይረስ፡ እቶም 0.4 ሚኢታዊት ጥራሕ እዮም ንሞት ተቓሊዖም።
ኣብ 80ታት ካብ ዝርከቡ ድማ እቶም 19.7 ሚኢታዊት እንትሞቱ፡ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ካብቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 40 ዝርከቡ እቶም 0.7 ሚኢታዊት እዮም ሞይቶም።
ዳይሬክተር ሃገራዊ ምክልኻል ረኽስን ተመሓላፍቲ ሕማማትን ኣሜሪካ ኣንቶኒ ፋውሲ ካብ ሓፈሻዊ ሞት እቲ ዝበዝሐ ኣብ ዕድመ ኣብ ዝደፍኡን ካልእ ሕዱር ሕማምን ኣብ ዝነበሮም ሰባት ዝዛይድ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ቫይረስ ግን ስልሒት ሒሳብ ኣይኮነን ክብል የረድእ።
"በዚ ሕማም ኣዐርዮም ዝሓሙ መናእሰይ ክህልው'ዮም" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ጥዕና ዓለም'ውን፡ ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከም ዝወድቁ መረዳእታ ኣሎ።
ግን ድማ፡ ህጻናት ዝርከቡዎም ኣብ ትሑት ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ግዳያት ናይዚ ቫይረስ ዝኾኑ ሰባት ከም ዘለው የመልክት።
ሕዱር ኩነታት ሕማም
ዕድመ ብዘየገድስ፡ ቅድም ኢሉ ዝጸንሐካ ኩነታት ጥዕና፡ በዚ ቫይረስ ናይ ምህሳይ ተኽእሎኻ ኣብ ምዕባይ ናይ ባዕሉ ተራ ኣለዎ።
ንኣብነት፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ 4.3 ሚሊዮን ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ኣዝማ ኣለዎም።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ጥዕና ኾይንካ ብኮሮናቫይረስ እንተተታሒዝካ፡ ሓደግኡ ክብ ዝበለ እዩ ዝኸውን።
ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ደው ነብል
ብእድመ ኣናእሽቲ ዝኾኑ ሰባት፡ በዚ ሕማም ናይ ምህሳይ ዕድሎም ዝነከየ እንተኾነ'ውን፡ ብቐሊሉ እቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ሰባት ከመሓላልፉ ይኽእሉ'ዮም።
ምልክታት ነናይቲ ሕማም ዘይክህልዎም ወይ'ውን ቀሊል ክከውን ስለ ዝኽእል፡ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ዘይክመስሎም ይኽእል።
ኮሮናቫይረስ ድማ ብብዙሕ መልክዑ ምስ ልሙድ ሰዓል ዝመሳሰል ምልክት ስለ ዘለዎ፡ ብማእኸላይ እዚ ቫይረስ ዘለዎ ሰብ ንኽልተ ወይ ሰለስተ ሰብ ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል ሰብ ሞያ ይግምቱ።
እዞም ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ድማ ናብ ካልኦት ክልተ ወይ ሰለስተ ሰባት ከመሓላልፉ ይኽእሉ። እዚ ማለት፡ ብውሑድ ሰብ ዝጀመረ ምልባዕ እዚ ቫይረስ፡ ብቐሊሉ ኣብ ኣማኢት ክበጽሕ ይኽእል።
ሰንሰለት ምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ክበትኮ ዝኽእል ድማ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







