ፓኪስታን ኮሮናቫይረስ፡ 'ክንርእዮ ኣይንኽእልን . . . ግን ኩሉ ሰብ ፈሪሑ'ዩ'

መከላኸሊ መገዲታት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ዝኾኑ ርሕቀትካ ምሕላውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃምን ክትግበሩ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መከላኸሊ መገዲታት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ዝኾኑ ርሕቀትካ ምሕላውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃምን ክትግበሩ ጀሚሮም

ወዲ 50 ዓመት ሳዳት ክሃን፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝገበሮ ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉዕዞ እዩ ተመሊሱ።

ኣብ ሰሜን ፓኪስታን ናብ እትርከብ መረበቱ ዝኾነት ገጠር ከተማ ማርዳን ምስ ተመልሰ፡ በረከት ሒዙ መጺኡ ተባሂሉ ነበርቲ እታ ከተማ ብኽብሪ ተቐቢሎምዎ።

ወዱ ሃቅ ናዋዝ ከም ዝብሎ፡ 600 ሰባት ንኽብሩ ኣብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ተረኺቦም'ዮም።

"ሩዝ፣ ስጋን ደርሆን ኣዳሊና። ኩሉ ነባሪ መጺኡ ድማ እንቋዕ ደሓን መጻእኻ ኢሉዎ" ኢሉ።

ኣብ ፓኪስታን፡ ከምዚ ዓይነት ሃይማኖታዊ ምብጻሕ ገይሩ ንዝተመለሰ ሰብ፡ 'ፈጺምካዮ ኢኻሞ እንቋዕ ደስ በለካ' ምባል ባህሊ እዩ።

ኣቶ ክሃን [የማን] ኣብ ስዑዱ ኣብ ዝገበሮ ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ሓቢሮምዎ ዝተስኣሉ ገያሾ

ምንጪ ስእሊ, Supplied

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ክሃን [የማን] ኣብ ስዑዱ ኣብ ዝገበሮ ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ሓቢሮምዎ ዝተስኣሉ ገያሾ

እንተኾነ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ከሃን ኣብታ ሃገር ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ኮይኑ፤ መላእ እታ ንሱ ዝነብረላ ዞባ ድማ ክትዕጾ እያ።

ኣብቲ ከባቢ መርመራ ኮቪድ-19 ካብ ዝተገብረሎም 46 ሰባት፡ እቶም 39 በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተረጋጊጹ'ሎ።

ክልተ ካብ ስዑዲ ዓረብ ሓቢሮምዎ ዝመጽኡ መሓዙቱ'ውን ግዳያት እዚ ባይረስ ኮይኖም ኣለው።

ኣብ መላእ እታ ሃገር ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ይወስኽ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Social media

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መላእ እታ ሃገር ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ይወስኽ ኣሎ

ሞት ከሃን፡ ኣብ ከም ፓኪስታን ዝበላ ስድራ ተኣኪቡ ዝነብረለን፣ ድኹም ሕከምናዊ ኣገልግለት ኣብ ዘለወን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዝህሉ ጸገም ቃልሲ ምክልኻል እዚ ቫይረስ ምዃኑ የርኢ።

እኹል ናይ ምክልኻል ስራሓት እንተዘይተሰሪሑ፡ እታ ሃገር ዝኸፍአ ሓደጋ ከጋጥማ እዩ ክበል ሓደ በዓል ሞያ ጥዕና ኣጠንቒቑ ኣሎ።

ኣብ ፓኪስታን፡ ሓደ ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም፤ 10 ሞይቶም ኣለው። መብዛሕትኦም ካብ ጎረቤት ሃገር ኢራን በጺሖም ዝተመለሱ ኮይኖም፡ እዚ ቫይረስ ዝላብዐሉ ዘሎ ፍጥነት ግን ንብዙሓት ኣብ ስግኣት ኣጥሒሉ ኣሎ።

ምኽትል ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ጥዕና ሳይንስ ላሆር ፕሮፌሰር ጃቬድ ኣክራም፡ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፍጠር ዝርግሐ እዚ ቫይረስ እዩ እቲ ዘስግእ።

ብወተሳኺ፡ ብምኽንያት ሕጽረት ዓቕሚ መርመራ፡ ኣብታ ሃገር በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብልክዕ ክፍለጥ ከም ዘይኽእል እዩ ዝገልጽ።

ክሳብ ሕጂ ካብ 207 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር፡ መርመራ ዝተገብረሎም 6000 ጥራሕ እዮም።

ኣብ መላእ ሃገር ኮሮናቫይረስ ከይላባዕ ስግኣት ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መላእ ሃገር ኮሮናቫይረስ ከይላባዕ ስግኣት ኣሎ

ወደባዊት ከተማ ፓኪስታን ካራቺ ናይ ንግዲ ማእከል ኮይና፡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ግዳያት እቲ ቫይረስ ኮይኖም ኣለው።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዞባ ሲንድህ ዝኾነ ሰኢድ ጋህኒ ሓደ ካብኣቶም እዩ።

ነብሱ ወሺቡ ዝርከብ እዚ ሚኒስትር ብስልኪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብኸመይ በዚ ቫይረስ ከም ዝተጠቕዐ ከም ዘይፈልጥ ብምግላጽ፡ ምልክታት ከየርኣየ ከም ዝጸንሐ ተዛሪቡ።

ሰበ ስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ ሕጂ ዝበሃል ዘሎ ቁጽሪ "ትኽክለኛ ነጸብራቕ" እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይምዃኑ ከም ዝፈልጡ ዝገለጸ እቲ ሚኒስትር፡ እዚ ምምሕዳር ሲንድህ ናይ ባዕሉ ስጉምቲ ምዕጻው ክወስድ ከም ዝተገደደ ሓቢሩ።

ኩሎም ኣድለይቲ ዘይኮኑ ጉዕዞታት ዝተኸልከሎ ኮይኖም፡ መደብራት መድሓኒትን መግብን ጥራሕ ክኽፈቱ ተፈቒዱ'ሎ።

ሕጂ፡ ኣብ መላእ ሃገር ተመሳሳሊ ስጉምቲ ተወሲዱ ኣሎ።

ቅድም ኢሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢምራን ከሃን፡ ኣብ ፓኪስታን "መሊእኻ ምዕጻው" ዝብል ስጉምቲ ዘላቒ ክኸውን ከም ዘይኽእልን ትሑት እቶት ንዘለዎም ዜጋታት ከም ዝጸልዎምን ተዛሪቡ ነይረ።

ክልላዊ ምምሕዳራት ኣቐዲመን ናብዚ ስጉምቲ ምስ ኣተዋ ግን፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር "ሰዓት እቶ እቶ" ጥራሕ ከም ዝቃወም ብምግላጽ፡ ድኻታት ማሕበረሰብ ማእከል ዝገበረ ስጉምቲ ክኸውን ከም ዘለዎን ኣብሪሁ።

ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ፓኪስታን ዕለተ ዓርቢ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ኣምልኮ ኣይኸልከለትን።

መከላኸሊ መገዲታት እዚ ሕማም ዝኾኑ ተግባራዊ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ዝብል ፕሮፌሰር ኣክራም፡ "ናይ ምድሓን ምክልኻል ኣማራጺ ክኸውን የብሉን" ኢሉ።

ከም ጥልያን ዝኣመሰላ ሃብታማት ሃገራት፡ ነዚ ለበዳ ክቆጻጸራ ብዘይምኽኣለን ከም ኣብነት ዘልዕል ፕሬፌሰር ኣክራም፡ ኣብ ፓኪስታን ዘሎ "ድሑር" ኣገልግሎት ሕክምና ድማ ብቀሊሉ እዚ ቫይረስ ክዝርጋሕ ዓብዪ ዕድል ዝፈጥር እዩ ይብል።

ሓደ ካብቶም ኣብ ፓኪስታን በዚ ሕማም ዝሞቱ መንእሰይ በዓል ሞያ ሕክምና እዩ።

ወዲ 26 ዓመት ዶክተር ኡስማ ሪዛ፡ ካብ ኢራን ዝመጽኡ ሃይማኖታዊ ተጉዓዝቲ ኣብ ምምርማር እናሰርሐ ጸኒሑ'ዩ በዚ ቫይረስ ተለኺፉ ሞይቱ።

ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ቀረብ መከላኸሊ ኣቑሑት ነቒፎም።

ሓደ መሳርሕቲ ዶክተር ሪዛ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ሕጂ'ውን ብዙሓት ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰባት እኹል ቀረብ የብሎምን።

ወዲ 26 ዓመት ዶክተር ኡስማ ሪዛ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ፓኪስታን በዚ ሕማም ዝሞቱ መንእሰይ በዓል ሞያ ሕክምና እዩ

ምንጪ ስእሊ, Facebook

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 26 ዓመት ዶክተር ኡስማ ሪዛ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ፓኪስታን በዚ ሕማም ዝሞቱ መንእሰይ በዓል ሞያ ሕክምና እዩ

"ሞትን ህይወትን ኣብ ኢድ ፈጣሪ እያ፤ ግን ድማ ብዘይ መከላኸሊ ናውትታት ስራሕ ምስራሕ ነፍሰ ቕትለት እዩ" ኢሉ።

ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ሃገር ግን፡ ነቲ ዘሎ ሕጽረት ክፈትሑ እቲ ቐረብ ከም ዘመሓይሹዎ ይዛረቡ።

ኣብ ከም ሳዳት ከሃን ዝበላ ገጠር ከባቢታት ዘለው ነበርቲ ግን፡ እዚ ቫይረስ ንምክልኻል ይሕግዘና እዩ ዝበሉዎ ናይ ባዕሎም መማረጺታት ክወስዱ ጀሚሮም ኣለው።

ሓደ፡ ግዳይ እቲ ቫይረስ ዝኸነ ዘመድ ከሃን ተመርሚሩ እቲ ቫይረስ ከም ዘለዎ እኳ እንተፈለጠ፡ ምልክታት ስለ ዘይብሉ ግን ክንደየናይ ሓደገኛ ክኸውን ይክእል እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎ ይገልጽ።

'ክንርእዮ ኣይንኽእልን . . . ግን ኩሉ ሰብ'ዩ ዝፈርሖ' ኢሉ።

ኮሮና
ኮሮና