ኣመሪካ፡ 10 ኤርትራውያን ኣብ ዝርዝር "ሓደገኛ ገበነኛታት" ተረቚሖም

ኣሳእል ናይ 10 ኤርትራውያን ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Homeland Security

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝርዝር 'ገበነኛታት' ዝተረቝሒ ኤርትራውያን

ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ጉዳያት ኢሚግሬሽን ሃገሩ ጽኑዕ ስጕምቲታት ኣብ ዝወስደሉ ዘሎ እዋን፡ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ኣመሪካ፡ ናይቶም "ኣዝዮም ዝኸፍኡ ገበነኛታት ዜጋታት ወጻኢ፡" ዝበሎም ስም ዝርዝርን ስእሊን ኣውጺኡ።

ካብ'ቶም ብኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጉምርክን (ICE) ስሞም ዝወጽአ ሓያሎ ሰባት፡ ኣብ መንጎኦም 10 ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ኰይኖም፡ ውዒሎሞ ዝተባህለ ገበናትን ኣበየናይ ግዝኣት ከም ዝተፈጸመን ዘጠቓልል እዩ።

እቶም ኤርትራውያን ብጾታዊ ምዝመዛ ትሕቲ-ዕድመ፡ ጾታዊ መጥቃዕትን ዓመጽን፡ ዘሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸፋርስን ብረትን፡ ስርቅን ምቕባል ስተሰርቀ ንብረትን፡ ኮንትሮባንድን ካልኦትን ገበናት ዝተኸሰሱ ምዃኖም እቲ ዝርዝር ይሕብር።

ሮዳስ ተኽለ፡ መንሱር ማሊክ፡ ሓሰን ሱሌማን፡ ኣራም ኣስመሮም፡ ክብሮም ሃብተማርያም፡ ገብረህይወት ገብሪየ፡ ፊልሞን ገብረሚካኤል፡ መርሃዊ ዮሃንስ፡ ዜናዊ መሓሪን ዳኒኤል ተኽለን ዝተባህሉ እዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ገበናዊ ገበናት ብምፍጻም ካብ ኣመሪካ ንኽስጐጉ ዝተኣስሩን ዝተለለዩን ኣዝዮም ሓደገኛታት ዜጋታት ወጻኢ ትዅረት ንኽግበረሎም ዝገበሩ ዝርዝር ገበናት'ውን ጠቒሶም ኣለዉ።

እዚኦም፡ ዘቤታዊ ዓመጽ፡ ብተደጋጋሚ ሰኺርካ መኪና ምዝዋር፡ ምዝማት፡ ምጭዋይ ህጻናት፡ ምፍርራሕ ግብረሽበራ፡ ብብረት መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ዝተሰርቀ ንብረት ምቕባል፡ ትእዛዝ ቤትፍርዲ ዘይምኽባርን ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ይርከብዎም።

ክፍሊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተፈላለያ ገበናት ዝፈጸሙን "ኣዝዮም ሓደገኛታት ስደተኛታት" ተባሂሎም ዝቝጸሩን ውልቀሰባት ዝርዝር ኣውጺኡ ኣሎ።

እዚ ብምኒስትሪ ድሕነት ሃገር ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ስጕምቲ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ዝርዝር ብቕትለት፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸፋርስ፡ ብረት፡ ዝምታን ካልኦት ገበናትን ዝኽሰሱ "ሓደገኛ ገበነኛታት" ዝተባህሉ 9 ኢትዮጵያውያን እውን ከም ዘውጽአ ይፍለጥ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓደ ኣፍጋናዊ ስደተኛ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንኽልተ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ኣመሪካ ብጥይት ሃሪሙ - ሞትን መቝሰልትን ድሕሪ ምስዓቡ፡ ምምሕዳር ትራምፕ መስርሕ ዕቝባ ኣፍጋናውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ደው ክብል ብምግባር፡ ብዝሒ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምድራት ስጕምትታት ይወስድ ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ ሕጋዊ ሰነዳት ዘለዎም ዜጋታት ኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ካብ 19 ሃገራት ዝመጽኡ ናይ መንበሪን ናይ ስራሕ ፍቓዶም ክግምግም ምዃኑ ከም ዘፍለጠ'ውን ይዝከር።

ብተወሳኺ፡ ካብ ኵለን ሃገራት ንዝቐርብ ሕቶ ዕቝባ ንዘይተወሰነ እዋን ደው ኣቢሉ፣ እቲ ፕረዚደንት ካብ "ሃገራት ሳልሳይ ዓለም" ንዝመጽኡ ስደተኛታት "ቀዋሚ እገዳ" ክገብር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓለፈ ዓመት ጐስጓስ ዳግመ መረጻ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ጽኑዕ ቍጽጽር ኢሚግሬሽን ክገብርን "ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝዓበየ ወፍሪ ምስጓግ" ከካይድ ምዃኑን ብተደጋጋሚ ይዛረብ።

ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተመልሰላ መዓልቲ ድማ ነዚ ስጕምቲ ግብራዊ ክገብር ጀሚሩ።

ካብ ኣመሪካ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምእሳርን ምስጓግን ሓዊሱ ናይ ቪዛን መገሻን ገደብ ተግባራዊ ገይሩ እዩ።

ኣብ ግንቦት፡ ኣማኻሪ ድሕነት ሃገር ስቲቨን ሚለር፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ መዓልቲ 3,000 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምእሳር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ሲራክስ ከም ዘመልክቶ፡ ክሳብ መፋርቕ ሕዳር ልዕሊ 65,000 ሰባት ብኣኽበርቲ ሕጊ ኢምግረይሽንን ጉምሩክን (ICE) ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ይሕብር።