ኣመሪካ፡ "ሓደገኛ ገበነኛታት" ዝተባህሉ 9 ኢትዮጵያውያን

ኣመሪካ፡ "ሓደገኛ ገበነኛታት" ዝተባህሉ 9 ኢትዮጵያውያን

ምንጪ ስእሊ, dhs.gov

ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ኢምግረይሽን እታ ሃገር ጽኑዕ ስጕምቲ ኣብ ዝወስደሉ ዘሎ እዋን፡ ክፍሊ ድሕነት ሃገር ኣመሪካ፡ ዝርዝር "ኣዝዮም ዝኸፍኡ ገበነኛታት ዜጋታት ወጻኢ፡" ዝበሎም ውልቀሰባት ኣውጺኡ።

እቶም "ዝኸፍኡ ገበነኛታት ዜጋታት ወጻእተኛታት" ዝተባህሉ ዝመጽእሉ ሃገር'ውን ብወግዒ ክንገር እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ገበናት ተሳቲፎም ብዝብል ብኢምግረይሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን (ICE) ተታሒዞም ዘለዉ ስደተኛታት እዮም።

እቲ ዝርዝር ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝተኣሰሩ ሸሞንተ ኢትዮጵያውያን ደቂተባዕትዮን ሓንቲ ጓልኣንስተይትን ኣሳእላት፡ ኣስማት፡ ዝተፈጸሙ ገበናትን መበቈል ግዝኣታትን ዘጠቓልል እዩ።

እቶም ኢትዮጵያውያን ብቕትለት፡ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ዕጸፋርስ፡ ብረት፡ ዝምታን ካልኦት ገበናትን ዝኽሰሱ ምዃኖም እቲ ዝርዝር ይሕብር።

ሽም ካብቶም ሓደገኛታት ተባሂሎም ዝተለለዩ ትሽዓተ ኢትዮጵያውያን ብዘይካ ሓደ ናይ ኵሎም ምስቲ ፈጺሞም ዝተባህሉ ገበናት ናብ ህዝቢ ተዘርጊሑ ኣሎ።

እዚኦም ድማ ሄኖህ ፈቃዱ፡ በረኸት መኮነን፡ ብሩክ ታምራት፡ ኣዳን ዩሱፍ፡ መስፍን ሑሴን፡ ከንጊቲ በየነ፡ ጳውሎስ ኪዳነ፡ ሳምሶን ኪዳነ፡ ቤዛ ከበደ እዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ገበናዊ ገበናት ብምፍጻም ካብ ኣመሪካ ንኽስጐጉ ዝተኣስሩን ዝተለለዩን ኣዝዮም ሓደገኛታት ዜጋታት ወጻኢ ትዅረት ንኽግበረሎም ዝገበሩ ዝርዝር ገበናት'ውን ጠቒሶም ኣለዉ።

እዚኦም፡ ዘቤታዊ ዓመጽ፡ ብተደጋጋሚ ሰኺርካ መኪና ምዝዋር፡ ምዝማት፡ ምጭዋይ ህጻናት፡ ምፍርራሕ ግብረሽበራ፡ ብብረት መጥቃዕቲ ምፍጻም፡ ዝተሰርቀ ንብረት ምቕባል፡ ትእዛዝ ቤትፍርዲ ዘይምኽባርን ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ይርከብዎም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክፍሊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተፈላለያ ገበናት ዝፈጸሙን "ኣዝዮም ሓደገኛታት ስደተኛታት" ተባሂሎም ዝቝጸሩን ውልቀሰባት ዝርዝር ኣውጺኡ ኣሎ።

እዚ ብምኒስትሪ ድሕነት ሃገር ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ኣካል ናይቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ስጕምቲ እዩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓደ ኣፍጋናዊ ስደተኛ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንኽልተ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ኣመሪካ ብጥይት ሃሪሙ - ሓደ ሞይቱ እቲ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቈሲሉ።

ንዕኡ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ትራምፕ መስርሕ ዕቝባ ኣፍጋናውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ደው ክብል ብምግባር፡ ብዝሒ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምድራት ስጕምትታት ይወስድ ኣሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ ሕጋዊ ሰነዳት ዘለዎም ዜጋታት ኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ካብ 19 ሃገራት ዝመጽኡ ናይ መንበሪን ናይ ስራሕ ፍቓዶም ክግምግም ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ፡ ካብ ኵለን ሃገራት ንዝቐርብ ሕቶ ዕቝባ ንዘይተወሰነ እዋን ደው ኣቢሉ፣ እቲ ፕረዚደንት ካብ "ሃገራት ሳልሳይ ዓለም" ንዝመጽኡ ስደተኛታት "ቀዋሚ እገዳ" ክገብር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ብፍላይ ብዛዕባ ሶማላውያን ስደተኛታት ዝሃቦ ዘረባ፡ ኣብ ኣመሪካ ክነብሩ ከም ዘይደልዩ ብምግላጽ፡ ንሓንቲ ኣብ ሶማልያ ዝተወልደት ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ብምጽላሙ፡ እቲ ፕረዚደንት ጸረ ስደተኛታት እዩ ዝብል ክስታት ኣስዒቡ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓለፈ ዓመት ጐስጓስ ዳግመ መረጻ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ጽኑዕ ቍጽጽር ኢምግረይሽን ክገብርን "ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝዓበየ ወፍሪ ምስጓግ" ከካይድ ምዃኑን ብተደጋጋሚ ይዛረብ።

ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተመልሰላ መዓልቲ ድማ ነዚ ስጕምቲ ግብራዊ ክገብር ጀሚሩ። ካብ ኣመሪካ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምእሳርን ምስጓግን ሓዊሱ ናይ ቪዛን መገሻን ገደብ ተግባራዊ ተገይሮም እዮም።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ጸጥታ ዶባቱ ብምሕያልን ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰፊሕ ፍተሻታት ብምክያድን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስጕምቲ ክወስድ ጸኒሑ'ዩ። ብተወሳኺ፡ ስደተኛታት ናብ ዓዶምን ሳልሳይ ሃገራትን ብወተሃደራዊ ነፈርቲ ክስጕጉ ተራእዩ።

ኣብ ግንቦት፡ ኣማኻሪ ድሕነት ሃገር ስቲቨን ሚለር፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ መዓልቲ 3,000 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምእሳር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ሲራክስ ከም ዘመልክቶ፡ ክሳብ መፋርቕ ሕዳር ልዕሊ 65,000 ሰባት ብኣኽበርቲ ሕጊ ኢምግረይሽንን ጉምሩክን (ICE) ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ይሕብር።