ትራምፕ፡ ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝኽፈሎ ቪዛ ወግዓዊ ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, @realDonaldTrump/Truth Social
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብውሑዱ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉ ንዝኽእሉ ሃብታማት ወጻእተኛታት ቅልጡፍ ቪዛ ኣመሪካ ዝህብ ውጥን ጀሚሩ።
እቲ ካርድ ንዓደግቲ "ንኹሎም ብቑዓትን ዝተመርመሩን ሰባት ብቀጥታ ዜግነት ክረኽቡ ከኽእሎም'ዩ። ብጣዕሚ ዘሀንጡ!! ዓበይቲ ኣመሪካውያን ኵባንያታትና ኣብ መወዳእታ ነቲ ብዋጋ ዘይትመን ውህብቶ ክሕዙ ይኽእሉ፡" ክብል ትራምፕ ብሮቡዕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገሊጹ።
እዚ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ወግዓዊ ዝገበሮ 'ጎልድ ቪዛ'፡ ነቶም ነታ ሃገር "ዓቢ ረብሓ" ከም ዝህቡ ከርእዩ ዝኽእሉ ሰባት ዝወሃብ ቪዛ ምዃኑ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ መደብ ይሕብር።
እዚ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ክፍሊት ናይ ስራሕ ቪዛ ምውሳኽን ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ምስጓግን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኢሚግሬሽን ዝወስዶ ስጕምቲታት ኣብ ዘሐየለሉ እዋን ዝመጽእ ዘሎ ምዕባለ'ዩ።
መደብ 'ጎልድ ቪዛ' ሓደ ሚልዮን ዶላር ክፍሊት ዝሓትት ኰይኑ፡ እዚ ድማ "እቲ ውልቀሰብ ንኣመሪካ ብዓቢኡ ከም ዝጠቅም ዘርኢ መርትዖ፡" ከም ዝዀነን፡ ኣብ መስርሕ መንበሪ ፍቓድ ኰይኑ ከም ዘገልግልን መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ውጥን የመልክት።
ንሰራሕተኛታት ዝምውሉ ትካላት ንግዲ፡ ምስ ተወሳኺ ክፍሊት ክልተ ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉ ይግደዱ።
ፍሉይ ምጉዳል ግብሪ ዝህብ "ፕላቲኒየም" ዝዀነ ኣካል ናይቲ ካርድ'ውን ኣብ ቀረባ እዋን ብ5 ሚልዮን ዶላር ክቐርብ ምዃኑ እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊጹ።
ከከም ኵነታቱ ክኣ ነፍሲ ወከፍ ኣመልካቲ ተወሳኺ ክፍሊት ንመንግስቲ ክኽፈል ከም ዝኽእል ጠቒሱ። ውልቀሰባት ቅድሚ ዘእትውዎ መመልከቲ ምግምጋሙ እውን ዘይምለስ 15,000 ዶላር ናይ መስርሕ ክፍሊት ክኸፍሉ ይግደዱ።
እዚ ውጥን ወርቃዊ ቪዛ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ዝግለጽ ንደሓር ነቐፌታታት ኣጋጢምዎ ከም ዘሎን፡ ገለ ኣባላት ዴሞክራት እዚ ውጥን ንሃብታማት ውልቀሰባት ብዘይፍትሓዊ መገዲ ዝረብሕ እዩ ክብሉ ገሊጾም።
ትራምፕ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ውጥን ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ እቶም ቪዛታት ምስቲ ዝተፈላለየ ደረጃ ኣታዊ ዘለዎም ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ብቐዋምነት ክነብሩን ክሰርሑን ዘኽእሎም ግሪን ካርድ ዝመሳሰል ምዃኑ ገሊጹ እዩ።
ግሪን ካርድ ዘለዎም ሰባት ብተለምዶ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ዜግነት ንምርካብ ብቑዓት ይዀኑ።
ወርቃዊ ቪዛ ግን ብፍላይ ን"ላዕለዎት ደረጃታት" ሰብ ሞያ ዝዓለመ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ትራምፕ "ኣፍረይቲ ዝዀኑ ሰባት ኢና ንደሊ፡" ክብል ኣስሚሩሉ።
"እቶም 5 ሚልዮን ዶላር ክኸፍሉ ዝኽእሉ ሰባት፡ ስራሕ ክፈጥሩ እዮም፤ እዚ ኽኣ ብብዝሒ ክሽየጥ'ዩ፤ ዋጋ ዕዳጋ'ዩ፡" ኢሉ።
እዚ ውጥን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንስደተኛታት ንምስጓግ ልዑል ጸጋታት ኣብ ዘውፍረሉ ዘሎ እዋን እዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ኣመሪካ ካብተን መብዛሕትአን ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዝርከባ 19 ሃገራት ዝመጽኡ ውልቀሰባት ዘቕርቡዎ ናይ ኢሚግሬሽን ሕቶታት ደው ኣቢላቶ ኣላ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብ ሕቶ ዑቕባ ዝወሃቡ ኵሎም ውሳነታት ደው ኣቢሉ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝጸደቑ ኣሽሓት ጕዳያት ክምርምሮም ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ ወርሒ መስከረም ትራምፕ ንኣመልከትቲ ፕሮግራም ቪዛ ኤች-1ቢ ንክኢላታት ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት 100 ሽሕ ዶላር ክፍሊት ክኸፍሉ እውን ትእዛዝ ፈሪሙ ነይሩ።
እዚ ውሳነ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ተመሃሮን ትካላት ቴክኖሎጅን ስንባደ ፈጢሩ።
ድሒሩ ዋይት ሃውስ እቲ ክፍሊት ኣብዚ እዋን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝርከቡ ሓደስቲ ኣመልከትቲ ጥራይ ከም ዝምልከት ኣነጺሩ።
ወርቃዊ ቪዛ ወይ ፓስፖርት እንታይ'ዩ?
ስጳኛ፡ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኰኑ ብዓብይ ፋይናንሳዊ ወፍሪ ቅልጡፍ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ዝሕግዝ "ወርቃዊ ቪዛ" (golden visa) ዝብል ኣሰራርሓ ክትስርዞ መደብ ኣለዋ።
ብርክት ዝበላ ሃገራት ነዚ መደብ እዚ ይስርዝኦ ኣለዋ።
ብዙሓት ኣውፈርቲ፡ እዚ መደብ ኣብ ሓድሽ ቦታ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር፡ ወይ ድማ ኣብ መበቆል ሃገሮም ካብ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ወይ ቁጠባዊ ጸገማት ንምህዳም ከም ዕድል ይርእይዎ።
ጐስጐስቲ ጸረ-ብልሽውና ፖለቲከኛታትን ግን ገበነኛታት ነቲ ስርዓት ንረብሓታቶም ብዘይግቡእ ይጥቀምሉ ከም ዘለው፣ ዋጋታት መንበሪ ኣባይቲ ክውስኽ ምኽንያት ይኸውን ከም ዘሎን እዚ ድማ ነታ ኣአንጋዲት ሃገር ንደቂ ዓዲ ብተመጣጣኒ ዋጋ መሸጣ ኣባይቲ ከይተቕርብ ይገብራ ከም ዘሎን የጠንቅቑ።
ዝርዝር ሓበሬታ ‘ወርቃዊ ቪዛ’ ወይ ‘ወርቃዊ ፓስፖርት ነዚ መላግቦ ብምስዓብ ኣንብቡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







