13 ኣደነቕቲ ነገራት ብዛዕባ ፓስፖርት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፖስፖርትኻ ወይ ፓስፖርትኺ፡ መዓልቲ ዘየሕለፈ ምዃኑ ክንደይ ግዜ ተረጋግጽ?
ኣብዚ ስዓት እዚ ሚልዮናት ናብ መገሻ ዝዳለዉ ዘለዉ ገያሾ ፓስፖርቶም ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ መዓልቲ ምሕላፉን ዘይምሕላፉን ኣብ ምርግጋጽ ይርከቡ።
ኣብዚ እዋን፡ ፖስፖርት ኣካል ፖለቲካ ኮይኑ ካብ ኣዛራረብቲ ዛዕባታት ኮይኑ ይርከብ፡ ሰባት ካብን ናብን ሃገራት ክንቀሳቐሱ ፖስፖርት ክህልዎም ግድን ይኸውን፡ ዘለዎም ክገሹ ዘይብሎም ካብ መገሻ ክሰናኸሉ ክአ ንቡር እዩ።
እዚ ንኽንገይሽ ኣገዳሲ ዝኾነ ሰነድ ኣዝዩም ብዙሓት ኣገረምቲ ዛንታታት ሓሊፉ እዩ እዚ ሕጂ ዘለዎ ቅርጺ ንኽሕዝ በቒዑ፡ ገለ ካብኦም እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1. ኣብ ናይ እስካንድኒቭያን ፓስፖርት ብርሃን ሴሜናዊ ዋልታ ክንርኢ ንኽእል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፓስፖርት ናይ እስካንዲኒቭያን፡ ናብ ጨረር ጸሓይ ገጽካ ምስ እተጠምቶ ምስሊ ብርሃን ሰሜናዊ ዋልታ ክትርኢ ትኽእል።
2. እታ ቀዳመይቲ ፓስፖርት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መጽሓፍ ነህምያ፡ ንጉስ ፐርሽያ ኣርታጸርጸስ ቀዳማይ፡ ልኡኻቱ ናብ 'ጁዳ' ኣብ ዝልእኸሉ ኣጋጣሚ ደብዳበ ኣሰንዩ የፋንዎም ነይሩ፡ እዚ ደብዳበ እዚ ክኣ መንነት እቶም ልኩኻትን ተወሳኺ ሓበሬታን ዝሓዘ እዩ።
3. ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ምልጣፍ ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም'ዩ ተጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ምልጣፍ ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም'ዩ ተጀሚሩ፡ እቲ ምኽንያት ክኣ ሰለይቲ ጀርመን ስኑዕ ፓስፖርት ናይ ኣሜሪካ ሒዞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዎም'ዩ ኣገዳስነት ስእሊ ኣብ ፓስፖርት ዓዚዙ ተራእዩ።
4. ኣብ ሰብነቶም ሚዛን ዝጎደሉን ዝወሰኹን፡ ሓዲሽ ፓስፖርት ከውጽኡ ይግደዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ኣካላትካ ሓያለ ኪሎታት ምስ እትውስኽ ወይ ምስ እትጎድል ፓስፖርትካ ክትቕይር ትግደድ፡ ብተወሳኺ ኣብ ገጽካ መጥባሕቲ ምስ እትገብር፡ ኣብ ገጽካ ምስ እትውቀጥ ወይ'ውን ውቓጦኻ ምስ እተልግሶ'ውን ፓስፖርትኻ ክትቕይር ትግደድ ኢኻ።
5. ስድራ ተኣኪብካ ዝተሳኣልካዮ ስእሊ ንፓስፖርት የገልግል ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ምልጣፍ ኣብ ዝተጀመረሉ፡ ዝመረጽካዮ ስእሊ ክትጥቀም ይክኣል ነይሩ፡ ዋላ ስድራ ምሉእ ዝተሳኣልካዮ ስእሊ'ውን ኣብ ፓስፖርትካ ምልጣፍ ፍቑድ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ'ዩ።
6. ፓስፖርትኻ ክወድቕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ተረፎ ክሕደስ ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፓስፖርትኻ ንኽወድቕ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ዝተርፎ ክትገይሽ ኣይትሕሰብ፡ ቅድም ኣሐድሶ።
ዝበዝሓ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ሃገራት ኣውሮጳ ናብ ዓደን ንከእትዋኻ ፓስፖርኻ ብውሑዱ ንዝቕጽል 90 መዓልታት ከይወደቐ ክጸንሕ ከም ዘለዎ ይጠልባ'የን።
መገሻኻ ዕንቅፋት ዘይብሉ ንክኸውን ግን ፓስፖርትኻ ንኽወድቕ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ተረፎ ምሕዳስ ከምዘድልየካ ኣይትዘንግዕ፡ ሃገራት ቻይና፡ ኢንዶንዥያ፡ ሩስያን ሰዑድ ዓረብን ፓስፖርትካ ንኽወድቕ ትሕቲ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ዝተርፎ ናብ ሃገረን ክትኣትው ኣየፍቅዳን'የን።
7. ብመንገዲ ኲይንስላንድ ናብ ኣውስትራልያ ክትኣቱ ምስ እትደሊ ፓስፖርት ኣየድልየካን'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ዝኸውን ግን ነባሪ እተን ኣብ ፓፓው ኒው ጊኒ ዝርከባ ትሽዓት ዓድታት ምስ እትኸውን ጥራይ'ዩ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ፓፓው ኒው ጊኒ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ ብዝተበጽሐ ስምምዕ'ዩ ነበርቲ እዘን ዓድታት ብዘይ ፓስፖርት ናብ ኣውስትራላይ ንኽኣትዉ ዝተፈቐዶም።
8. ቫቲካን ገያሾ ክኣትዉን ክወጽኡን ዝቆጻጸር ኣካል የብሎምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቫቲካን ገያሾ ክኣትዉን ክወጽኡን ዝቆጻጸር ኣካል የብሎምን። ጳጳስ ቫቲካን ከኣ ፓስፖርት ቁጽሪ ሓደ ይሕዝ።
9. ብዙሓት ኣሜሪካውያን ፖስፖርት የብሎምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት ጸብጻብ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ን 321,362,789 ዜጋታት ኣሜሪካ ኣስታት 121,512,341 ፓስፖርት'ዩ ተዓዲሉ ዘሎ፡ እቶም ዝተረፉ ኣሜሪካውያን ግን ፓስፖርት የብሎምን።
10. ኣብ ሃገረ ቶንጋ ፓስፖርት ብሕጋዊ መንግዲ ይሽየጥ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገረ ቶንጋ ብሕጋዊ መንግዲ ንሓደ ፓስፖርት ብ 20 ሽሕ ዶላር ትሸይጥ ነይራ።
ንጉስ ቶንጋ ኣታዊታት ሃገሩ ንምዕባይ ንዘይ ደቂ ሃገሩ ፓስፖርት ቶንጋ ይሸጠሎም ነይሩ።
11. ፓስፖርትታት ፊንላንድን ስሎቬንያን ገጻቶም ብቅልጡፍ ምስ እንግንጽሎም ተንቀሳቓሲ ስእሊ ክትርኢ ትኽእል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ፊንላንድን ስሎቬንያን ፓስፖርት ሒዝካ ነዊሕ ደው ምስ እትብል፡ ዘሰልቹ የብልካን፤ ኣብቲ ፓስፖርት ዘሎ ስእሊ ብምዕዛብ ክትዘናጋዕ ትኽእል ኢኻ።
ፓስፖርት እዘን ክልተ ሃገራት እቲ ገጻት ናይ ፓስፖረት ብቕልጡፍ ምስ እንግንጽሎ፡ ኣብ ታሕተዋይ ሸነኽ ናይቲ ፓስፖርት ዝንቐሳቐስ ዝመስል ስእሊ ክትርኢ ትኽእል።
12. ፓስፖርት ናካራግዋ እቲ ክስናዕ ዘይክእል ፓስፖርት'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፓስፖርት ናካራግዋ ክስናዕ ዘይክእል ዝገብሮ 89 ሚስጥራውያን ናይ ጸጥታ ትሕዝቶ ኮዳት ዘለዎ ከይኑ፡ እዚ ከኣ ሰለስተ መዳያዊ ኣሳእልን ናብ ብርሃን ምስ ኣጠመትካዮ ዝረኣ ኣንጸባራቒ ማያዊ ሕብሪ ኣሳእል የጠቓልል።
13.ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ፓስፖርት የብላን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኤልዛቤት ካልኣይቲ፡ ንክትገይሽ ፓስፖርት ዘይብለይ ኢላ ኣይትሽገርን'ያ፡ ንኹሎም ደቂ ዓባይ ብሪጣንያ ፓስፖርት እናፈቐደት ንባዕላ ግን ኣየድልያን'ዩ።
እንተኾነ ግን ሚስጥራዊ ዝኾነ ሰነዳት መገሻ ኣለዋ።
ተለኣኣኽቲ እዛ ንግስቲ፡ ነቲ ሚስጥራዊ ሰነዳት መገሻ ካብን ናብን ሃገራት የበጻጽሑ። እዞም ሰነዳት ከኣ ነናቶም ፓስፖርት ኣለዎም፡ ክሳብ ሕጂ ብመንገዲ እዞም ሚስጥራውያን ሰነዳት መገሻ ዝወጹ ፓስፖርትታት ኣስታት 15 ከምዝበጽሑ ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







