13 ኣደነቕቲ ነገራት ብዛዕባ ፓስፖርት

ንተምሳል ዓለም ዝዓተሩ ምሓዙት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንተምሳል ዓለም ዝዓተሩ ምሓዙት

ፖስፖርትኻ ወይ ፓስፖርትኺ፡ መዓልቲ ዘየሕለፈ ምዃኑ ክንደይ ግዜ ተረጋግጽ?

ኣብዚ ስዓት እዚ ሚልዮናት ናብ መገሻ ዝዳለዉ ዘለዉ ገያሾ ፓስፖርቶም ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ መዓልቲ ምሕላፉን ዘይምሕላፉን ኣብ ምርግጋጽ ይርከቡ።

ኣብዚ እዋን፡ ፖስፖርት ኣካል ፖለቲካ ኮይኑ ካብ ኣዛራረብቲ ዛዕባታት ኮይኑ ይርከብ፡ ሰባት ካብን ናብን ሃገራት ክንቀሳቐሱ ፖስፖርት ክህልዎም ግድን ይኸውን፡ ዘለዎም ክገሹ ዘይብሎም ካብ መገሻ ክሰናኸሉ ክአ ንቡር እዩ።

እዚ ንኽንገይሽ ኣገዳሲ ዝኾነ ሰነድ ኣዝዩም ብዙሓት ኣገረምቲ ዛንታታት ሓሊፉ እዩ እዚ ሕጂ ዘለዎ ቅርጺ ንኽሕዝ በቒዑ፡ ገለ ካብኦም እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ኣብ ናይ እስካንድቭያን ፓስፖርት ብርሃን ሴሜናዊ ዋልታ ክንርኢ ንኽእል

ብርሃን ሰሜናዊ ዋልታ ኣብ ቀላይ ቲንግቬለር ምስ ዓለበ ዝህቦ መስታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እስካንድኒቭያውያን ብዘይ እዚ ፓስፖርት ናብ ዝኾነ ቦታ ክገሹ ኣይክእሉን'ዮም

ፓስፖርት ናይ እስካንዲኒቭያን፡ ናብ ጨረር ጸሓይ ገጽካ ምስ እተጠምቶ ምስሊ ብርሃን ሰሜናዊ ዋልታ ክትርኢ ትኽእል።

2. እታ ቀዳመይቲ ፓስፖርት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትርከብ

300 ግጽ ዘልዎ ዝኣረገ መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ምስ እተንብብ ቀዳመይቲ ምኳና ዝንገረላ ፓስፖርት ክጥቀስ ክትረኽባ ኢኻ

ኣብ መጽሓፍ ነህምያ፡ ንጉስ ፐርሽያ ኣርታጸርጸስ ቀዳማይ፡ ልኡኻቱ ናብ 'ጁዳ' ኣብ ዝልእኸሉ ኣጋጣሚ ደብዳበ ኣሰንዩ የፋንዎም ነይሩ፡ እዚ ደብዳበ እዚ ክኣ መንነት እቶም ልኩኻትን ተወሳኺ ሓበሬታን ዝሓዘ እዩ።

3. ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ምልጣፍ ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም'ዩ ተጀሚሩ

ስእሊ ፓስፖርት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ኣይልጠፍን'ዩ ነይሩ

ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ምልጣፍ ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ዓለም'ዩ ተጀሚሩ፡ እቲ ምኽንያት ክኣ ሰለይቲ ጀርመን ስኑዕ ፓስፖርት ናይ ኣሜሪካ ሒዞም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምእታዎም'ዩ ኣገዳስነት ስእሊ ኣብ ፓስፖርት ዓዚዙ ተራእዩ።

4. ኣብ ሰብነቶም ሚዛን ዝጎደሉን ዝወሰኹን፡ ሓዲሽ ፓስፖርት ከውጽኡ ይግደዱ

ክልተ መጻምድቲ ስእሊ እናተሳኣሉ፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ገጽና ማስካራ መሳሊ ጌርና እንስኣሎ ስእሊ ንፓስፖርት ኣየገልግልን'ዩ

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ኣካላትካ ሓያለ ኪሎታት ምስ እትውስኽ ወይ ምስ እትጎድል ፓስፖርትካ ክትቕይር ትግደድ፡ ብተወሳኺ ኣብ ገጽካ መጥባሕቲ ምስ እትገብር፡ ኣብ ገጽካ ምስ እትውቀጥ ወይ'ውን ውቓጦኻ ምስ እተልግሶ'ውን ፓስፖርትኻ ክትቕይር ትግደድ ኢኻ።

5. ስድራ ተኣኪካ ዝተሳኣልካ ስእሊ ንፓስፖርት የገልግል ነይሩ

ስድራ ተኣኪቦም ንፓስፖርት ዝተሳኣልዎ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከምዚ ዓይነት ስእሊ ንፓስፖርት የገልግል ነይሩ

ኣብ ፓስፖርት ስእሊ ምልጣፍ ኣብ ዝተጀመረሉ፡ ዝመረጽካዮ ስእሊ ክትጥቀም ይክኣል ነይሩ፡ ዋላ ስድራ ምሉእ ዝተሳኣልካዮ ስእሊ'ውን ኣብ ፓስፖርትካ ምልጣፍ ፍቑድ ዝነበረሉ እዋን ነይሩ'ዩ።

6. ፓስፖርትኻ ክወድቕ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ተረፎ ክሕደስ ኣለዎ

ማሕተም ቪዛን ዕለትን ዝተወቐዖ ፓስፖርት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማሕተም ቪዛን ዕለትን ዝተወቐዖ ፓስፖርት

ፓስፖርትኻ ንኽወድቕ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ዝተርፎ ክትገይሽ ኣይትሕሰብ፡ ቅድም ኣሐድሶ።

ዝበዝሓ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ሃገራት ኣውሮጳ ናብ ዓደን ንከእትዋኻ ፓስፖርኻ ብውሑዱ ንዝቕጽል 90 መዓልታት ከይወደቐ ክጸንሕ ከም ዘለዎ ይጠልባ'የን።

መገሻኻ ዕንቅፋት ዘይብሉ ንክኸውን ግን ፓስፖርትኻ ንኽወድቕ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ተረፎ ምሕዳስ ከምዘድልየካ ኣይትዘንግዕ፡ ሃገራት ቻይና፡ ኢንዶንዥያ፡ ሩስያን ሰዑድ ዓረብን ፓስፖርትካ ንኽወድቕ ትሕቲ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ዝተርፎ ናብ ሃገረን ክትኣትው ኣየፍቅዳን'የን።

7. ብመንገዲ ኲይንስላንድ ናብ ኣውስትራልያ ክትኣቱ ምስ እደሊ ፓስፖርት ኣየድልየካን'ዩ

ንተምሳል ዓለም ዝዓተሩ ምሓዙት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንተምሳል ዓለም ዝዓተሩ ምሓዙት

እዚ ዝኸውን ግን ነባሪ እተን ኣብ ፓፓው ኒው ጊኒ ዝርከባ ትሽዓት ዓድታት ምስ እትኸውን ጥራይ'ዩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ፓፓው ኒው ጊኒ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ ብዝተበጽሐ ስምምዕ'ዩ ነበርቲ እዘን ዓድታት ብዘይ ፓስፖርት ናብ ኣውስትራላይ ንኽኣትዉ ዝተፈቐዶም።

8. ቫቲካን ገያሾ ክኣትዉን ክወጽኡን ዝቆጻጸር ኣካል የብሎምን

ስእሊ ቫቲካና ኣብ ጽሓይ ዕራርቦ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቫቲካን ፓስፖርት ቁጽሪ ሓደ መን ከም ዝተረከበ ገምቱ

ቫቲካን ገያሾ ክኣትዉን ክወጽኡን ዝቆጻጸር ኣካል የብሎምን። ጳጳስ ቫቲካን ከኣ ፓስፖርት ቁጽሪ ሓደ ይሕዝ።

9. ብዙሓት ኣሜሪካውያን ፖስፖርት የብሎምን

ፓስፖርት ኣሜሪካን ትኬት ናይ ኣየርን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኩሎም ኣመሪካውያን ፓስፖርት ዘለዎም ይመስለና ይኸውን፡ እንተኾነ ፓስፖርት ዘይብሎም ኣሜሪካውያን ማእለያ የብሎሙን

ብመሰረት ጸብጻብ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ን 321,362,789 ዜጋታት ኣሜሪካ ኣስታት 121,512,341 ፓስፖርት'ዩ ተዓዲሉ ዘሎ፡ እቶም ዝተረፉ ኣሜሪካውያን ግን ፓስፖርት የብሎምን።

10. ኣብ ሃገረ ቶንጋ ፓስፖርት ብሕጋዊ መንግዲ ይሽየጥ ነይሩ

ፓስፖርት ሃገረ ቶንጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሃገረ ቶንጋ ፓስፖርት ብሕጋዊ መንግዲ ይሽየጥ ነይሩ

ሃገረ ቶንጋ ብሕጋዊ መንግዲ ንሓደ ፓስፖርት ብ 20 ሽሕ ዶላር ትሸይጥ ነይራ።

ንጉስ ቶንጋ ኣታዊታት ሃገሩ ንምዕባይ ንዘይ ደቂ ሃገሩ ፓስፖርት ቶንጋ ይሸጠሎም ነይሩ።

11. ፓስፖርትታት ፊንላንድን ስሎቬንያን ገጻቶም ብቅልጡፍ ምስ እንግንጽሎም ተንቀሳሲ ስእሊ ክትርኢ ትኽእል

ነዚ ገጻት ብቕልጡፍ ምስ እንግንጽሎ ዝንቀሳቐስ ዝመስል ስእሊ ክትርኢ ትኽእል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ነዚ ገጻት ብቕልጡፍ ምስ እንግንጽሎ ዝንቀሳቐስ ዝመስል ስእሊ ክትርኢ ትኽእል

ናይ ፊንላንድን ስሎቬንያን ፓስፖርት ሒዝካ ነዊሕ ደው ምስ እትብል፡ ዘሰልቹ የብልካን፤ ኣብቲ ፓስፖርት ዘሎ ስእሊ ብምዕዛብ ክትዘናጋዕ ትኽእል ኢኻ።

ፓስፖርት እዘን ክልተ ሃገራት እቲ ገጻት ናይ ፓስፖረት ብቕልጡፍ ምስ እንግንጽሎ፡ ኣብ ታሕተዋይ ሸነኽ ናይቲ ፓስፖርት ዝንቐሳቐስ ዝመስል ስእሊ ክትርኢ ትኽእል።

12. ፓስፖት ናካራግዋ እቲ ክስናዕ ዘይክእል ፓስፖርት'ዩ

ፓስፖረት ናካራግዋ እቲ ክስናዕ ዘይክእል ፓስፖርት'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፓስፖረት ናካራግዋ እቲ ክስናዕ ዘይክእል ፓስፖርት'ዩ

ፓስፖርት ናካራግዋ ክስናዕ ዘይክእል ዝገብሮ 89 ሚስጥራውያን ናይ ጸጥታ ትሕዝቶ ኮዳት ዘለዎ ከይኑ፡ እዚ ከኣ ሰለስተ መዳያዊ ኣሳእልን ናብ ብርሃን ምስ ኣጠመትካዮ ዝረኣ ኣንጸባራቒ ማያዊ ሕብሪ ኣሳእል የጠቓልል።

13.ንግስቲ ዓባይ ብጣንያ ፓስፖርት የብላን

ንግስቲ ኤልዛቤት፡ ኣብ ማልታ ኣብ ጃልባ ተሰቒላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ኤልዛቤት ፓስፖርት የብላን

ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኤልዛቤት ካልኣይቲ፡ ንክትገይሽ ፓስፖርት ዘይብለይ ኢላ ኣይትሽገርን'ያ፡ ንኹሎም ደቂ ዓባይ ብሪጣንያ ፓስፖርት እናፈቐደት ንባዕላ ግን ኣየድልያን'ዩ።

እንተኾነ ግን ሚስጥራዊ ዝኾነ ሰነዳት መገሻ ኣለዋ።

ተለኣኣኽቲ እዛ ንግስቲ፡ ነቲ ሚስጥራዊ ሰነዳት መገሻ ካብን ናብን ሃገራት የበጻጽሑ። እዞም ሰነዳት ከኣ ነናቶም ፓስፖርት ኣለዎም፡ ክሳብ ሕጂ ብመንገዲ እዞም ሚስጥራውያን ሰነዳት መገሻ ዝወጹ ፓስፖርትታት ኣስታት 15 ከምዝበጽሑ ይግመት።