ወርቃዊ ቪዛ ወይ ፓስፖርት ብኸመይ ይርከብ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስጳኛ፡ ዜጋታት ሕብረት ኤውሮጳ ዘይኰኑ ብዓብይ ፋይናንሳዊ ወፍሪ ቅልጡፍ መንበሪ ፍቓድ ክረኽቡ ዝሕግዝ “ወርቃዊ ቪዛ” (golden visa) ዝብል ኣሰራርሓ ክትስርዞ መደብ ኣለዋ።
ብርክት ዝበላ ሃገራት ነዚ መደብ እዚ ይስርዝኦ ኣለዋ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፔድሮ ሳንቸዝ፡ እቲ ስጉምቲ “መንበሪ ኣባይቲ ምርካብ መሰል እምበር ጉዳይ ንግዳዊ ግምታት ጥራይ ከም ዘይኰነ ንምውሓስ” ዝዓለመ'ዩ ብምባል፡ “ዕዳጋ ኣባይቲ ኣብ ትሕቲ ዓቢ ጸቕጢ ከም ዝነበረን ሰራሕተኛታት ዝዀኑ ሰባት ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝሽየጥ ኣባይቲ ምርካብ ይጽገሙ ከም ዘለውን” ገሊጹ።
ብዙሓት ኣውፈርቲ፡ እዚ መደብ ኣብ ሓድሽ ቦታ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር፡ ወይ ድማ ኣብ መበቆል ሃገሮም ካብ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ወይ ቁጠባዊ ጸገማት ንምህዳም ከም ዕድል ይርእይዎ።
ጐስጐስቲ ጸረ-ብልሽውና ፖለቲከኛታትን ግን ገበነኛታት ነቲ ስርዓት ንረብሓታቶም ብዘይግቡእ ይጥቀምሉ ከም ዘለው፣ ዋጋታት መንበሪ ኣባይቲ ክውስኽ ምኽንያት ይኸውን ከም ዘሎን እዚ ድማ ነታ ኣአንጋዲት ሃገር ንደቂ ዓዲ ብተመጣጣኒ ዋጋ መሸጣ ኣባይቲ ከይተቕርብ ይገብራ ከም ዘሎን የጠንቅቑ።
‘ወርቃዊ ቪዛ’ ወይ ‘ወርቃዊ ፓስፖርት እንታይ’ዩ?
“ወርቃዊ ቪዛ” ብቐንዱ ሃብታማት ወጻእተኛታት ኣብ ካልእ ሃገር ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰል ይህቦም፤ እዚ ዝረኽቡ ሰባት ኣብታ ኣአንጋዲት ሃገር ዓብይ ወፍሪ ክገብሩ ትጽቢት ይግበሮም።
ወርቃዊ ቪዛ ንምርካብ ዘድሊ መጠን ገንዘብ ካብ ኣብ ፓናማ ኣብ ሪል ስቴት ካብ እተውፍሮ 100 ሽሕ ዶላር ክሳብ ኣብ ሉክሰምበርግ ማእከሉ ኣብ ዝገበረ ፋይናንሳዊ ትካል እትዓቑሮ 21.4 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ክኸውን ይኽእል።
“ወርቃዊ ፓስፖርት” ዝብሃል መደብ’ውን ኣሎ።
በዚ ኣቢሎም ሰብ ጸጋ ውልቀሰባት፡ ዜጋታት ዝረኽቡዎ መሰልን ናጽነትን ይረኽቡ፤ እዚ ኣብታ ነቲ ፓስፖርት እትህቦም ዘላ ሃገራት ስራሕ ናይ ምርካብን ምምራጽን መሰል ክህልዎም ዝገብር ዕድላት ዘለዎ እዩ።
በዚ በዓል መን ይፍለጣ?
ኣብ ለንደን ስኩል ኦፍ ኢኮኖሚክስ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ፖለቲካል ሳይኮሎጂን ጸሓፊት ‘The Golden Passport: Global Mobility for Millionaires’ ዝዀነት ክሪስቲን ሱራክ (ዶ/ር)፡ ወርቃዊ ቪዛ ዝህባ ኣስታት 60 ሃገራት ኣለዋ ትብል።
ኣስታት 20 ሃገራት ድማ፡ ብወፍሪ ሕጋዊ ድንጋገታት ዘለዎ ዜግነት ክህባ እንከለዋ፡ ፍርቂ ካብዘን ሃገራት ኣብ ዓመት ልዕሊ 100 ኣመልከትቲ ይረኽባ ኢላ።
“ቱርኪ፡ እታ ዝዓበየት ሸያጢት ዜግነት እያ” ትብል ዶክተር ክሪስቲን።
እታ ክኢላ ኣብዚ ዓውዲ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ወርቃዊ ፓስፖርት ቱርኪ ብምድላይ ዝቐርቡ መመልከቲታት ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ዓለማዊ ዓመታዊ መሸጣ ዜግነት ከም ዝሕዙ የመልክት።
ብፕሮግራማት ወፍሪ ዝወሃብ ዝዓበየ ፍቓድ መንበሪ ኣብ ማሌዥያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ከም ዝዛይድ ትገልጽ።
ሴንት ኪትስ፡ ዶሚኒካ፡ ቫኑዋቱ፡ ግሬናዳ፡ ኣንቲጉዋን ማልታን እውን ካብተን ቀንዲ ወርቃዊ ፓስፖርት ዘሕትማ ሃገራት እየን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሓደ ካብቶም ወርቃዊ ቪዛ ዝደልዩ ሰባት ዝብህጉዎ ዞባ እዩ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ሸንገን ቪዛ ተጠቒምካ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝዀነት ሃገር ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰል ስለ ዘፍቅድ’ዩ።
ኣብ 2020፡ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ 14 ወርቃዊ ቪዛ ዝህባ ሃገራት ነይረን።
ግሪኽ፣ ላቲቭያ፣ ፖርቱጋልን ስጳኛን ኣብቲ ዞባ ነቲ ቪዛ ብምሃብ ልዕሊ 70% ይሕዛ።
ብዙሓት ካብዘን ሃገራት ግን ነዚ መደብ ናብ ምኽልካል ተሰጋጊረን ኣለዋ።
ኣብ 2022 መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሃብታማት ወጻእተኛታት ዜጋታት ንብረት ሒዞም እንተመጺኦም ኣብታ ሃገር ክሰፍሩ ዝፈቅድ ውጥን ክቋረጽ ገይሩ።
ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመት ድማ፡ ኣየርላንድ ወርቃዊ ቪዛ ክትስርዝ እንከላ፡ ፖርቱጋል ነቲ ምስ’ዚ ዝመሳሰል ናይ ገዛእ ርእሳ ኣሰራርሓ ኣመሓይሻቶ።
በዚ መሰረት፡ ድሕሪ ሕጂ ንብረት ብምዕዳግ እትህቦ ዝነበረት መንበሪ ፍቓድ ጠጠው ከተብሎ እንከላ፡ ብፈንድን ኣብ ስራሕቲ መጽናዕቲ ዝግበር ወፍርን ዝግበር ምትሕልላፍ ርእሰ ማል ከምዝቅጽል ገይራ።
ስለምንታይ ጠለብ ኣርእዮም?
ሃብታማት ሰባት፡ ንወርቃዊ ቪዛን ፓስፖርትን ኣዝዮም ይደልዩዎ። እዚ ድማ፡ ዝሓሸ ናይ ንግዲ ዕድላት፡ ኣነባብራ፡ ትምህርቲ ወይ ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ከም ዝሕግዞም ይንገር።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ኩባንያ ላ ቪዳ ጎልደን ቪዛስ ሓላፊት ማርኬቲንግ ዝዀነት ሊዚ ኤድዋርድስ ንቢቢሲ ቱርኪ ኣብ ዝሃበቶ ርኢይቶ፡ “ኣብዛ ርጉጽነት ዘይብላ ዓለም፡ ኣድላይነት ካልኣይ መንበሪ ቦታ ወይ ፓስፖርት ክሳብ ክንድዚ ኣድላዪ ኰይኑ ኣይፈልጥን።
"ኣውፈርቲ ዝወሃቦም ምትብባዕ ዝተፈላለየ’ዩ፤ እንተዀነ ጸጥታ፡ ምስፍሕፋሕ ካብ ቪዛ ነጻ ዝዀነ መገሻታትን ምዕባይ ዓለማዊ ዕድላት ከምኡ’ውን ዕድላት ትምህርትን ንግድን” ነዚ ፓስፖርት ንምርካብ ዝቐርቡ ልሙዳት ምኽንያታት ከም ዝዀኑ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወርቃዊ ቪዛ ወይ ፓስፖርት ብኸመይ ይርከብ?
እቶም ኣሰራርሓታት፡ ኣብ እትኸደሉ ዓድን ዓይነት እቲ ወፍርን ዝምርኰሱ እዮም።
ንኣብነት፡ ቱርኪ ኣስታት 400 ሽሕ ዶላር ዘውጽእ ሪል ስቴት ንዝዓደጉ ወጻእተኛታት ወርቃዊ ፓስፖርት ትህብ።
ካልኦት ከም ሉክሰምበርግ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ፡ ወርቃዊ ቪዛ ንምርካብ ዝተፈላለዩ መገዲታት የቕርባ።
እዞም መማረጺታት ድማ፡ ኣስታት 536 ሽሕ ዶላር ኣብ ሉክሰምበርግ ናብ ዘሎ ኩባኒያ ወፍሪ ካብ ምግባር ክሳብ 21.4 ሚሊዮን ዶላር ኣብ ፋይናንሳዊ ትካል ኣታዊ ምግባር ይበጽሕ።
ብዙሓት ሃገራት’ውን፡ ኣብ መጽናዕትን ምንቅስቓሳት ልምዓትን ዝግበሩ ልግሲታት ይቕበላ እየን።
መንግስታት እዚ መደባት ተግባራዊ ካብ ሞንጐ ዝገብሩሎም ምኽንያታት እቲ ሓደ፡ ርእሰ ማል ናብታ ሃገር ንክዘዋወርን ቁጠባ ምዕባይን እዩ።
ክሪስቲን ሱራክን ዩሲኬ ቱዙኪን ብሓባር ዘካየዱዎ ኣብ መጽሄት መጽናዕቲታት ስነ ምግባርን ስደትን ዝተሓትመ ሓደ ጽሑፍ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2019 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣብ ዘሎ ግዜ ዝነበረ 14.4 ሚኢታዊት ቀጥታዊ ወፍሪ ወጻኢ ፖርቱጋል፡ ብወርቃዊ ቪዛታት ኣቢሉ ዝመጽአ ምዃኑ የመልክት።
ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ፡ ላቲቪያ 12.2 ሚኢታዊት፣ ግሪኽ ድማ ልዕሊ 7 ሚኢታዊት ቀጥታዊ ወፍሪ ወጻኢ ረኺበን ነይረን።
እዚ መደብ ስለ ምንታይ ኣካታዒ ኰይኑ?
ጐስጐስቲ፡ ብዛዕባ እዞም ውጥናት ብልሽውናን ደቂ ዓዲ ዘጋጥሞም ቅልውላው ኣባይቲ ምብራኽን’ዮም ዝብሉ ክልተ ቀንዲ ስክፍታታት የልዕሉ።
ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ኣንጻር ብልሽውና ዝሰርሕ ዓለማዊ ዘይመንግስታዊ ትካል ትራንስፓረንሲ ኢንተርናሽናል፡ እዚ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ውጥናት “ሓቀኛ ወፍሪ ወይ ስደት ዘይኰነስ -ምግልጋል ረብሓታት ብልሽውና እዩ” ክብል የጠንቅቕ።
ሰራሕተኛ እቲ ትካል ኤካ ሮስቶማሽቪሊ ከም እትብሎ እንተዀይኑ፡ እተን ከምዚ ዓይነት መደባት ዘካይዳ ሃገራት ገለ ስጉምትታት ምጽራይ ይገብራ እየን፤ እንተዀነ ወትሩ ከምቲ ትጽቢት ዝገብርኦ ኣይሰርሓን እየን።
“ኣብ ብልሽውና ወይ ካልኦት ናይ ምትላል ገበናት ምህላዎም ቅድሚ ምፍላጡ ወይ ድሕሪኡ ካብ ዓዶም ዝሃደሙ ሰባት ወርቃዊ ቪዛ ወይ ፓስፖርት ከም ዝሓተቱ ወግዓዊ ዝዀኑ ጉዳያት ኣለው። ብግልጺ፡ ከም ሓደ ኣንጻር ስጉምቲ ኣኽበርቲ (ኣብ ሃገሮም) ዘገልግል ፖሊሲ መድሕን እዮም ዝርእዩዎ” ትብል።
ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ነቐፌታታት ከልዕሉ ጸኒሖም ኣለው።
ኣብ 2022 ኮሚቴ ሲቪላዊ ሓርነት፡ ፍትሕን ውሽጣዊ ጉዳያትን ሕብረት ኤውሮጳ ንእገዳ ወርቃዊ ፓስፖርት ብምድማጽ፡ ካብ ቪዛ ነጻ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ከእትዋ ፍቓድ ዘለወን ሰለስተ ሃገራት፡ መደባት ወርቃዊ ፓስፖርት ደው ከብላ ሓቲቱ ነይሩ።
ዶክተር ክሪስቲን ሱራክ፡ በዞም መደባት ኣቢልካ ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ምዝውዋር ዝከኣል’ኳ እንተዀነ፡ ካልኦት “ዝቐለሉን ዝሓሰረን ኣማራጺታት'ውን ኣለዉ’ዮም” ትብል።
“ብናይ ተማሃራይ ቪዛ እውን ከምኡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ፤ ምናልባት እዚ ኣዝዩ ዝሓሰረ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብናይ ንግዲ ቪዛ’ውን ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ” ኢላ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዝተሓትመ ፕሮጀክት ጸብጻብ ውዱብ ገበንን ብልሽውናን ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ብገበን ኲናት ዝተኸሰሰ ሊብያዊ ኮሎኔል ነበርን ኣብ ቱርኪ ማእሰርቲ ዝተፈርደ ቱርካዊ ነጋዳይን፡ በዞም ውጥናት ኣቢሎም ፓስፖርት ዶሚኒካን ክገዝኡ ከም ዝኸኣሉ ኣረጋጊጹ።

ከምኡ'ውን ኣብ 2023፡ ብቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገብረ ገምጋም ወርቃዊ ቪዛታት፡ “ውሑዳት ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ምስ ብልሽውና ወይ ዝተወደበ ገበን ክህልዎም ዝኽእል ምትእስሳር ልዑል ክኸውን ከም ዝኽእል" ኣረጋጊጹ።
እቲ ካልኣይ ቀንዲ ስክፍታ፡ ወሰኽ ዋጋታት ኣባይቲ እዩ።
ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተፈላለየ ዓይነት ወፍሪ እኳ እንተሃባ፡ መብዛሕትኦም ኣመልከትቲ ገዛ ክገዝኡ ይመርጹ፤ እዚ ድማ ዋጋ ኣባይቲ ሓፍ ክብል ገይሩ።
ዶክተር ክሪስቲን ሱራክ ግን እዚ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ውሱን ጽልዋ ከም ዘለዎ ትሕብር።
ንኣብነት፡ እታ 48 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገረ ስጳኛ ኣብ ዓመት ኣስታት 2000 ሕቶታት ትቕበል፤ እዚ ድማ፡ ንኡሽቶ ከም ዝዀነ ትዛረብ።
እቲ ዕድጊ ገዛ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣዝዮም ተብሃግቲ ዝዀኑ ከባቢታት እዩ ዝዛይድ።
ገለ ከተማታትን ከባቢታትን ድማ ብወጻእተኛታት ተፈተውቲ ክዀና ይኽእላ እየን።
ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ቱርኪ እትርከብ ከተማ ኣንታልያ ሓንቲ ካብኣተን እያ።
ብብዝሒ ሩስያውያንን ዩክሬናውያንን በጻሕቲ ዝፈትውዋ ኣንታልያ፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ዩክሬይን ቀዋሚ መዕቆቢት ብዙሓት ኰይና ነይራ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ወሰኽ ጠለብ ሪል ስቴት ከም ዝተራእየን እዚ ናህሪ ዋጋታት ከም ዘስዓበን ብምግላጽ የማርሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







