ቁርቍስ ስዑዲን ኢማራትን ኣብ ደቡብ የመን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብታ ብኲናት ሓድሕድ ዝዓነወት የመን ዝፍጠር ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ኣቓልቦ ብዙሓት ወገናት ስሒቡ ይርከብ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ላዕለዋይ መራሒ ናይ ሓደ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝድገፍ ውድብ ብዘገርም ኵነታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ከምዝኽኣለ ይግለጽ ኣሎ።
ዓይዳሮስ ኣል-ዙበይዲ መራሒ ናይቲ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ደቡብ (Southern Transitional Council) ብዝብል ዝፍለጥ ንምንጻል ደቡብ የመን ዝዋጋእ ዘሎ ዕጡቕ ጕጅለ እዩ።
ጸብጻባት ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ንዘተ ናብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ክኸይድ ዝነበሮ ኣል-ዙበይዲ፡ ሃንደበት ተሰዊሩ ምጥፍኡ ከዘራርብ ቀንዩ'ሎ።
ኣብ ደቡብ የመን፡ ኣብ መንጎ ንሱ ዝመርሖም ሓይልታትን ብስዑዲ ዝድገፉ ኣብ ትሕቲ እቲ ካብ ሰንዓ ብምውጻእ ኣብ ዓደን ተዓቚቡ ዝርከብ ድኹም መንግስቲ የመንን ግጭት ክካየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቶም ተነጸልቲ ደቡብ የመናውያን ኣካል ናይቲ "ፕረዚደንታዊ ቤትምኽሪ" ተባሂሉ ዝፍለጥ መንግስቲ ኰይኖም፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ቤትምኽሪ ዝነበረ ኣል-ዙበይዲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ፍልልይ ካብ መዝነቱ ተባሪሩ ነይሩ።
እቲ ኵነታት ኣብ መንጎ ሪያድን ኣቡ-ዳቢን ጸጥታዊን ዲፕሎማስያዊን ወጥርን ምትፍናንን ፈጢሩ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እምብኣር'ዩ፡ እቲ ኣገዳሲ ጽልዋ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ኣል-ዙበይዲ፡ ብምስጢር ካብ ዓደን ብምውጻእ ኣብታ ኣብ ሶማሊላንድ ትርከብ ወደብ በርበራ ተራእዩ እዩ ዝብሃል ዘሎ።
ብኸመይ ከምዝተጓዕዘ'ኳ ንጹር እንተዘይኰነ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ናብ ኢማራት ዓረብ ኣትዩ ከምዘሎ ሮይተርስ የመልክት።
ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣል-ዙበይዲ ብደገፍ ኢማራት'ዩ ክወጽእ ክኢሉ።
ብወገን ኢማራት ይኹን እቶም ንሱ ዝመርሖም ሓይልታት ደቡብን ግን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝሃብዎ ርእይቶ ዛጊት የለን።
ንሱ፡ ፈለማ ብጃልባ ናብ በርበራ ከምዝኣተወን፡ ብናይ ጽዕነት ነፋሪት ናብ ኣቡ-ዳቢ ከምዝተወሰደን'ዩ ዝግለጽ።
ምስቶም ካልኦት መራሕቲ ፕረዚደንታዊ ቤትምኽሪ ዘለዎ ዘይምስምማዕ ንምልዛብ ናብ ሪያድ ክኸይድ ትጽቢት ኣብ ዝተገብረሉ እዋን'ዩ ንወሽመጥ ዓደን ተሳጊሩ ወጺኡ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ደቡብ የመን እንታይ'ዩ ዝካየድ ዘሎ?
ኣብ ደቡብ የመን ዝርከቡ ሓይልታት ኣንጻር እቶም ንሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ ክዋግኡ ዝጸንሑ'ዮም።
እቲ ካብ ርእሰከተማ ሰንዓ ዝተደፍአ ክፋል ማእከላይ መንግስቲ ካብ 2015 ጀሚሩ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓደን'ዩ ግዒዙ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ምስ ካልኦት ጕጅለታት ብምዃን፡ ብደገፍ ናይቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ንገስጋስ ዕጡቓት ሑቲ ክዓግት ክኢሉ።
ንዅሎም ሓይልታት ዝሓቁፍ ፕረዚደንታዊ ቤትምኽሪ ብምቛም ከም ማእከላይ መንግስቲ ክንቀሳቐሱ'ኳ እንተጸንሑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ መንጎኦም ክሳብ ናብ ሓድሕዳዊ ጎነጽ ዝበጽሐ ዘይምስምማዕ ክርአ ጸኒሑ።
ነቲ ኵነታት ንምፍታሕ ድማ ብፍላይ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሪያድ ብምዕዳም ከተዘራርቦምን ከተተዓርቖምን ጸኒሓ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ግን እቶም ብኢማራት ዝድገፉ ሓይልታት ደቡብ የመን ናጻ ሃገር ንምምስራት ሓያል ምንቅስቓስ ከካይዱ ተራእዮም።
እዞም ብዓይዳሮስ ኣል-ዙበይዲ ዝምርሑ ተቓወምቲ ንከተማ ዓደን ብምቍጽጻር "ሃገረ ደቡብ ዓረብ" ዝተባህለት ናጻ ሃገር ንምምስራት'ዩ ዕላማኦም።
ኣብ ክልተ ሃገራት ተመቒላ ዝነበረት የመን ኣብ 1990 እያ ሓቢራ። ካብ 1967 ኣትሒዙ ዓደን ርእሰከተማኣ ዝነበረት ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ የመን ዝተባህለት፡ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ሃገር ብሓደ ወገን፡ ኣብ ሰሜን ድማ ርእሰከተማኣ ሰንዓ ዝዀነት ዓረባዊት ሪፓብሊክ የመን ምንባረን ይፍለጥ።
ነዚ ታሪኻዊ ድሕረባይታን ምድኻም ማእከላይ መንግስትን መሰረት ብምግባር ድማ'ዮም እቶም ተነጸልቲ ወገናት ናጽነቶም ንምእዋጅ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ።
ሰፊሕ ከባቢታት ደቡብ የመን ምቍጽጻሮም ድማ፡ ስዑዲ ዓቢ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዝኾና'ያ ትምጕት።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንሓድሽ ወተሃደራዊ ስርሒታት እቶም ዕጡቓት ብምድጋፍ ናብ ምብራቕ የመን ክደፍኡ ጸቕጥታት ትገብርን ተዕጥቘምን ኣላ ክትብል ሪያድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከሲሳ ነይራ።
ኣቡ-ዳቢ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሓይልታታ ካብ የመን ከተውጽእ ፕረዚደንታዊ ቤትምኽሪ ድሕሪ ምእዛዙ'ያ ስዑዲ ነቲ ክሲ ኣቕሪባ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢማራት ብህጹጽ ካብ የመን ክትወጽእ ብምጽዋዕ ንመርገጺ ፕረዚደንታዊ ቤትምኽሪ መንግስቲ የመን ደገፉ ኣረጋጊጹ።
ኣቡ-ዳቢ ግን፡ እቲ ናብቶም ሓይልታት ብመርከብ ዝተላእከ ንብረት ኣጽዋር ከምዘይነበሮ'ያ ትምጕት።
ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ኣብ ወደብ ኣል-ሙኻላ ኣብ ልዕሊ ካብ ኢማራት ዝኣተዋ ወተሃደራውያን መካይን መጥቃዕቲ ፈጺሙ ነይሩ።
ድሕሪ'ዚ ፍጻመታት እዚ ግን፡ ብስዑዲ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ ነቲ ኣብ ትሕቲ ተነጽልቲ ኣትዩ ዝጸንሐ ዞባታት ሓድራሙትን ኣል-ማህራን ዳግማይ ተቘጻጺሮሞ ኣለዉ።
ከተማ ዓደን'ውን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቍጽጻር ሓልታት መንግስቲ ከምዝኣተወት ንነበርቲን ሰብመዚን ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ድማ'ዩ ኣል-ዙበይዲ ካብ ዓደን ብመርከብ ናብ በርበራ ብምኻድ ብሓንቲ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ናብ ኢማራት ተወሲዱ ዝብሃል ዘሎ።
ኣፈኛ ናይቲ ልፍንቲ፡ ሜ/ጀነራል ቱርኪ ኣል-ማሊኪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዙበይዲን ተሓጋገዝቱን ብረቡዕ ንግሆ ኣብታ ባንዴራ ሰንት ኪትስን ነቪስን ዝሰቐለት መርከብ ተሰቒሉ ካብ ወደብ ዓደን ከም ዝሃደመ "ርጡብ ስለያዊ ሓበሬታ" ከምዘለዎም ተዛሪቡ።
ኣብ በርበራ ምስ ኣተወ፡ ሓንቲ ኢልዩሺን 76 (Ilyushin Il-76) ዝዓይነታ ነፋሪት ጽዕነት ተጸብያቶ ይብል ጀነራል ማሊኪ።
ዙበይዲን ብጾቱን "ብደገፍ መኮንናት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብታ ነፋሪት ተሰቒሎም" ናብ ሞቓድሾ በሪሮም ይብል እቲ ኣፈኛ ልፍንቲ። እታ ፍሉጥ መዓርፎ ዘይነበራ ነፋሪት ብድሕሪኡ ናብ ኣንፈት ባሕሪ ዓረብ (ናብ ኢማራት ገጻ) ከምዝበረረት ድማ የረድእ።
እታ ናይ በረራ ስርዓተ መለለዪኣ ኣጥፊኣ ከምዝተጓዕዘት ዝተገልጸት ነፋሪት ክትዓልብ ክትቃረብ ከላ ስለዝወለዓቶ ኣብ ከባቢ ኣቡ-ዳቢ ኣብ ዝርከብ ወተወሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣል-ሪፍ ከምዝዓለበት ምርግጋጾም'ውን ሓቢሩ። ኣል-ዙበይዲ ኣብኣ ምንባሩን ዘይምንባሩን ግን ኣየነጸረን።
ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ሶማልያ ብወገኖም፡ ነቲ ጸብጻብ ይምርምርዎ ከምዘለዉ ገሊጾም ኣለዉ።
የመን ብኸመይ ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣትያ?
ማእከላይ መንግስቲ የመን ብጎነጽ ዝተሓወሶ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈሪሱ ካብ ዝቈራረስ ልዕሊ 15 ዓመት ዓመት ኣቚጺሩ ኣሎ።
ኣብዚ ኵሉ ዓመታት ድማ እቲ ኵነታት እናገደደን እናተሓላለኸን ከይዱ'ዩ።
ኣብ 2011 ናብ የመን ዝተላብዐ "ኣየት ዓረብ" (Arab Spring) ብዝብል ዝፍለጥ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልካዊ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ካብ ስልጣኑ ኣልይዎ። ምክትሉ ዝነበረ ዓብዱሮቦ መንሱር ሃዲ ድማ ስልጣን ተረኪቡ።
እንተኾነ፡ ብሰንኪ'ቲ ናዕቢ ዘስዓበ ቍጠባዊ ቅልውላውን ጸጥታዊ ብድሆታትን፡ መንሱር ሃዲ ስልጣኑ ከጽንዕ ኣይክኣለን።
ብዘይካ'ዚ፡ ገለ ክፋል ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ይድግፍ ብምንባሩ ናብ ምምቕቓልን ምፍርኻሽን ኣምሪሑ፣ ነቲ ካብ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ዝመጽእ ዝነበረ መጥቃዕትታት ክምክት ኣይክኣለን።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃዋሁ፡ ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ኵነታት ክብለጽሉ ክኢሎም።
እዞም ብወግዒ 'ኣንሳር ኣላህ' (ሰዓብቲ ኣምላኽ) ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕጡቓት፡ ብኢራን ዝድገፉ ኰይኖም ነቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ውሑዳን ማሕበረሰብ ኣስላም ዛይዲ ሺዓ ዝውክሉ እዮም።
ኣብ ፈለማ 2014 ነታ ኣብ ሰሜን የመን እትርከብ ዞባ ሳዓዳ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ተቘጻጺሮም።
ኣብ መጋቢት 2015 መጥቃዕቶም ብምቕጻል ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ብምሓዝ እቲ ፕረዚደንት ሃዲ ናብ ወጻኢ (ስዑዲ) ክሃድም ኣገዲዶሞ።
ገስጋስ ዕጡቓት ሑቲ ንንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዘሰንበደን ስትራተጂያዊ ስግኣት ዝፈጠረን'ዩ ነይሩ።
እቶም ሰዓብቲ ሺዓ እስልምና ዝዀኑ ዕጡቓት ሑቲ ንየመን ምሉእ ብምሉእ ክቈጻጸሩ እንተኽኢሎም መሳርሒ ናይታ ኣብቲ ዞባ ስትራተጂያዊት መቐናቕንታ ዝዀነት ኢራን ከይኮኑ ንሪያድ ሕማም ርእሲ ኮይኑ። እዚ ንኻልኦት ሃገራት ዓረብን ዓለምን'ውን ስግኣትን ሻቕሎትን ዝፈጠረ ኵነታት'ዩ።
ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኣብ መጋቢት ስዑዲን ኢማራት ዓረብን ዝርከብአን ሃገራት ዓረብን ንሑቲ ንምድምሳስን ነቲ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዝገዓዘ መንግስቲ ናብ ሰንዓ ንምምላስን ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስዳ ጀሚረን።
ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዝርከብአን ሃገራት ምዕራብ'ውን እንተወሓደ ቀረባት ውግእን ስለያዊ ሓበሬታን ብምብርካት ናብቲ ልፍንቲ ተጸንቢረን ነይረን።
ኣብ ነሓሰ 2015 ድማ ኣጋር ሓይልታት ሃገራት ልፍንቲ ናብ ወደብ ዓደን ብምእታው ኣብ ዘካየድዎ ብነፈርቲ ዝተሰነየ ጸረ-መጥቃዕቲ ንዕጡቓት ሑቲ ካብ ደቡብ የመን ጸራሪጎም ከውጽእዎም ክኢሎም።
ሱዳንን ግብጽን ገለ ካብተን ወተሃደራተን ናብ ደቡብ የመን ብምስዳድ ኣንጻር ሑቲ ዝተዋጋኣ እየን።
ኤርትራ ብወገና ኣብ ጎኒ ስዑዲ ደው ብምባል ነቲ ልፍንቲ ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ ምንባራ ይዝከር። ኣብቲ እዋን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትምስርት'ውን ኣስመራ ኣፍቂዳ ነይራ'ያ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሑቲ ምስ ደገፍቲ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብምሽራኽ ሓባራዊ "ፖለቲካዊ ቤትምኽሪ" ክሳብ ምምስራት በጺሖም ነይሮም።
እንተኾነ ኣብ 2017 ምስ ጕጅለ ሑቲ ዝተባተኸ ሳልሕ፡ ደገፍቱ ኣንጻሮም ክቃለሱ ጸዊዑ። ኣብ ዝሰዓበ ግጭት ግን ንሱ ተቐቲሉ ደገፍቱ ዝኾኑ ሓይልታት ድማ ብሑቲ ተሳዒሮም።
ኣብ 2018 ከኣ ገለ ደገፍቱ ናብቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ብምጽንባር ኣንጻር ኣንሳር ኣላህ ክቃለሱ ጀሚሮም። ብሓባር ኣብ ዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ኸኣ ነታ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ ወደብ ሑደይዳ ተቘጻጺሮም። ሑደይዳ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብታ ሃገር ዝኣትወላ ወደብ እያ።
መጥቃዕቶም ካብ ምቕጻል ዓዲ ዘይወዓሉ ሑቲ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ናብ ስዑዲን ኢማራትን ሚሳይላትን ድሮናትን ክውንጭፉ ተራእዮም።
ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ተባሂሉ ክግለጽ ዝጸንሐ ኵነታት የመን 11 ሽሕ ቈልዑ ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 4.5 ሚልዮን ሰባት ተፈናቒሎም፡ ካልኦት ልዕሊ 24 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ረዲኤት ኰይኖም።
ኵሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ገበናት ኲናት ዝርከቦ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ፤ ኵሎም ግን ነቲ ክሲ ይነጽግዎ እዮም።
ኣብዚ ነዊሕ ዝወሰደ ኲናት ሓድሕድ፡ እቲ ኣብ መንጎ ስዑዲን ኢማራትን ዝነበረ ሽርክነት ብሰንኪ ዝድግፍኦም ዝነበራ ተቐናቐንቲ ጕጅለታት የመን እናተዳኸመ መጺኡ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ምትፍናን ዓሪጉ ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







