ኢማራት ዓረብ ሓይልታታ ካብ የመን ከተወጽእ ስዑዲ ኣተሓሳሲባ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ወተሃደራዊ ኣጽዋር ብምቅብባል ትኽሰስ ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ የመን ክትወጽእ ብንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሰብመዚ የመንን ንዝቐረበላ ጠለብ ተቐቢላቶ።
ፕረዚደንታዊ ቤትምኽሪ ናይቲ ኣብ ዓደን ዝርከብ መንግስቲ፡ ኢማራት ዓረብ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክትወጽእ ዘሕለፎ ትእዛዝ ብምስዓብ'ያ ሪያድ ነቲ ጻውዒት ኣቕሪባ ዘላ።
ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ኣብ ልዕሊ ተነጸልቲ ሓይልታት ደቡብ የመን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ'ያ ኣቡዳቢ ሓይልታታ ከምተውጽእ ኣፍሊጣ።
ኢማራት ነቶም ብግዝያዊ ቤት ምኽሪ ደቡብ (STC) ዝፍለጡ ዕጡቓት ኣጽዋር ብምዕጣቕ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ደፋፊኣ ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪቡላ ዘሎ።
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ነቲ "ኣዝዩ ሓደገኛ" ዝዀነ ተግባር ንምብዳህ ኣድላዪ ስጕምቲ ከምእትወስድ ኣጠንቂቓ'ላ።
ስዑዲን ኢማራትን ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ከም መሻርኽቲ ብሓባር ተሰሊፈን ምጽንሐን ይፍለጥ። እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ እቶም ኣንጻር ሑቲ ዝተሰለፉ የመናውያን ዘጋጠመ ምምቕቓል ንክልቲአን ሃገራት'ውን ጸልዩወን እዩ።
ምኒስትሪ ምክልኻል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብሰሉስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብ የመን ዝጸንሑ ኣባላት ጸረሽበራ ብናይ ገዛእ ርእሳ ውሳነ" ክወጹ ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ'ሎ።
"ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ምዕባለታትን ኣብ ውሕስነትን ኣድማዕነትን ተልእኾ ናይቲ ጸረሽበራ ዘለዎ ሳዕቤንን ኣብ ግምት ብምእታው" እቲ ናይ ምስሓብ ስጕምቲ ከምዝወሰነት እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ብዛዕባ እቲ ብወተሃደራዊ ልፍንቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ይዅን መጠንቀቕታ ስዑዲ ግን ብንጹር ኣይተጠቕሰን።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ኣብ ዘውጽኦ ተሪር መግለጺ፡ ነቲ በቶም ሓይልታት ደቡብ የመን ዝተወስደ መጥቃዕቲ ንምግታእ ትሰርሕ ከምዘላ ኣተንቢሁ ነይሩ።
ሪያድ ከምዝበለቶ፡ ኢማራት እቶም ተነጸልቲ ሓይልታት ደቡብ የመን ኣብ ኣውራጃታት ሓድራሙትን ኣል-ማህራን ዘካየድዎ መጥቃዕቲታት "ንሃገራዊ ድሕነት እታ ንግስነት ዘስግእን፡ ጸጥታን ምርግጋእን ሪፓብሊክ የመንን እቲ ዞባን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ።"
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቡዳቢ ግን፡ እቲ ናብቶም ሓይልታት ብመርከብ ዝተላእከ ንብረት ኣጽዋር ከምዘይነበሮ ይምጕት።
"ንጸጥታ ናይታ ሓፍቲ ዝዀነ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሓደጋ ንምእታው ወይ ዶባታ ዒላማ ንምግባር ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ንዝዀነ የመናዊ ኣካል ምትብባዕ ይዅን ጸቕጢ ገይራ ንዝብል ክሲ" ከምእትኹንኖ እቲ መግለጺ የመልክት።
ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታት ንምቍጽጻር ከምኡ'ውን ጸጥታን ምርግጋእን ንምውሓስ ክትሰርሕ ምጽንሓ'ያ ኢማራት ትምጕት ዘላ።
ላዕለዋይ ሓላፊ እቶም ተነጽልቲ ኣካሉ ዝዀኑ ሸሞንተ ኣባላት ዘለውዎ ፕረዚደንታዊ ቤትምኽሪ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ኢማራት ዝጸንሖም ወተሃደራዊ ኪዳን ብምስራዝ፡ "ጸጥታ ኵሎም ዜጋታት ንምውሓስን፡ ሓድነት፡ ልኡላውነት፡ ምርግጋእን ግዝኣታዊ ሓድነት የመን ንምርግጋጽን" ሓይልታታ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከተውጽእ ኣዚዙ ነይሩ።
ራሻድ ኣል-ዓሊሚ፡ ኣብ ደቡብ የመን ን90 መዓልታት ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ኣሎ።
እቲ ውሳነ፡ ንሑቲ ንምግጣምን፡ "ነቲ በቶም ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ትእዛዝ ዝወስዱ ብዘይምእዙዛት ወተሃደራዊ ሓይልታት ዝፈጠርዎ ውሽጣዊ ረጽሚ" ደው ንምባልን ኣድላዪ ምዃኑ ተዛሪቡ።
መራሕቲ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ደቡብ ብወገኖም፡ ሓይልታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክወጹ ገደብ ምግባር ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉ ብምግላጽ፡ ኢማራት ኣብቲ ኣንጻር ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ሑቲ ዘካድዎ ዘለዉ ውግእ "ቀንዲ መሻርኽቲ" ምዃና ኣፍሊጦም።
መግለጺ፡ ኣል-ዓሊሚ፡ እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ኣብታ ኣብ ደቡብ የመን እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሙኻላ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ'ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ "ድሩት" ደብዳብ፡ ብክልተ መራኽብ ዝኣተወ ኣጽዋርን ወተሃደራውያን መካይንን ዒላማ ዝገበረ'ዩ ነይሩ።
እቲ ወተሃደራዊ ንብረት "ንሰላምን ምርግጋእን ናብ ሓደጋ ዘምርሕ ህጹጽ ስግኣት" ምዃኑ፡ ኣፈኛ እቲ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ሜ/ጀነራል ቱርኪ ኣል-ማሊኪ ገሊጹ።
ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ህዝቢ ካብቲ ከባቢ ክወጽእ ምስተሓበረ ድሕሪ 15 ደቒቕ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ የመልክት።
ወተሃደራዊ መካይን ዝርከብአን ተሽከርከርቲ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ናይቲ ወደብ ነዲዳንን ዓንየንን ዘርኢ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣሎ። ብዛዕባ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ግን ዝተባህለ የለን።
እቲ መጥቃዕቲ ብዘይኣፍልጦኣ ምፍጻሙ ባህ ዘይበላ ኢማራት፡ በቲ ስጕምቲ ከምዝተገረመት ትሕብር።
እቲ ንብረት ኣጽዋር ከምዘየጠቓልል ዝገለጸት ኣቡዳቢ፡ እተን መካይን ንዝዀነ የመናዊ ሓይሊ ዘይኰነ፡ ሓይልታት ኢማራት ክጥቀሙለን ዝኣተዋ ምዃነን ይምጕት።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ እቶም ተነጽልቲ ሓይልታት ደቡብ የመን ካብ ሓድራሙትን ኣል-ማሃርን "ብሰላም" ክወጹ ተማሕጺኑ ምንባሩ ይግለጽ።
እቲ ሓይሊ ኣየር ኣብቲ ዋዲ ናሃብ ዝብሃል ከባቢ ዞባ ሓድራማውት ደብዳብ ድሕሪ ምፍጻሙ'ዩ እቲ ጻውዒት ቀሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







