ተመራሪሖም ናብ ሪያድ ዝበጽሑ መራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን

ምንጪ ስእሊ, SPA/x
ሎሚ ሰኑይ ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ዝኣተወ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ምስ ወራሲ-ዘውዲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝርከቦም ሰበስልጣን ተራኺቡ።
ኣብቲ ኣብ ኩነታት ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዘተኮረ ልዝብ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ስዑዲ ልኡል ኻልድ ቢን ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ልኡል ፋይሳል ቢን ፋርሓን ቢን ዓብዱላህ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራትን ኣማኻሪ ጸጥታን ዶ/ር ሙሳዒድ ቢን መሓመድ ኣል-ዓይባን፡ ሚኒስተር ፋይናንስ መሓመድ ቢን ዓብዱላህ ኣል-ጃዳን፡ ከምኡ'ውን ኣምባሳደር ስዑዲ ኣብ ሱዳን ዓሊ ሓሰን ጃዕፈር ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብታ ሃገር ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብቐዳም ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ'ዩ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ናብ ሪያድ ኣትዩ ዘሎ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ብመኪና ናብ ፖርት-ሱዳን ዝኸደ ፕረዚደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ኩነታት ሱዳን ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ከምዝተዘራረበ ይዝከር።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ናይ ሱዳን ይኹን ካልኦት ዞባውያን ጉዳያት ኣገዳሲ ግደ ክትጻወት ኢሳይያስ ክምሕጸን ምጽንሑ ይፍለጥ።
ክልተኦም መራሕቲ፡ ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት ኤርትራን ሱዳንን፡ ምዕባለታት ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባውን ዓለማውን ጉዳያት ኣተኲሮም ከም ዝተመያየጡ ተገሊጹ ነይሩ።
ማዕከን ዜና ሱና ኣብቲ እዋን ከም ዝሓበረቶ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ንልዕሊ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብምግምጋም፡ ሰላምን ጸጥታን ናይዚ ዞባ ብዛዕባ ዝወሓሰሉ ኣገባብ ምዝታዮም ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣስመራ ኣብ ሓድነትን ልዑላውነትን ሱዳን ዘለዋ ጽኑዕ መትከል ብምግላጽ፡ ንኻርቱም እትገብሮ ደገፍ ከም ዝቕጽል ደጊሙ ኣረጋጊጹ። ሱዳን ናብ 'በሪ ኣማን' ክሳዕ እትበጽሕ ኣብ ጐድኒ ሱዳን ደው ከም እትብል'ውን ቃል ኣትዩ።
"ርግኣት ሱዳን ከም ቅድመ-ዅነት ርግኣት ናይዚ ዞባ እዩ፡" ክብል'ውን ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ብደረጃ ወራስ-ዘውዲን ቀዳማይ ሚኒስተርን ነታ ንግስነት ዝምርሓ ዘሎ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ናብ ዋሽንግተን ብምብጻሕ ንዅነታት ሱዳን ኣመልኪቱ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተዘራሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ፡ "ኣብ ኵነታት ሱዳን ክንሰርሕ ክንጅምር ኢና፡" ክብል ነቲ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል ጻዕርታት ከምዘካየድ ትራምፕ ኣሚቱ።
"ኣብ ሱዳን ሰፋሕቲ ግፍዒታት ይፍጸሙ ኣለዉ። ኣብ ምድሪ እቲ ዝዓበየ ዓመጽ ዝፍጸመሉ ቦታ ኰይኑ ኣሎ፡" ክብል ብምጽሓፍ፡ ምስ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብምትሕብባር ነቲ ዓመጽ መወዳእታ ከም ዝገብረሉ ቃል ኣትዩ።
ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ብወገኑ፡ ነታ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር እትርከብ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ሰራዊት ሱዳን ዝነበረት ከተማ ኣል-ፋሽር ን18 ኣዋርሕ ከርዲኑዋ ብምጽናሕ ድሕሪ ምቍጽጻሩ ነቲ እማመ ሰላም ተቐቢሉዎ ነይሩ።
መራሒ ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ወግዓዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ዝዀነ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ግን ንእማመ ተዅሲ ደው ምባል ነጺጕዎ፣ ቃልሱ ክቕጽል ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ።
ምብጻሕ መራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን ናብ ሪያድ፡ ምስ'ዚ ሓድሽ ምዕባለታት ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







