ኤርትራ ዘይተሳተፈቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Egypt Army
እቲ "ቀይሕ ማዕበል 8" ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ሓባራዊ ልምምድ ብመሪሕነትን ምውህሃድን ግብጽን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ዝተኻየደ ምዃኑ ሰራዊት ግብጺ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ማያት ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ "ሓባራዊ ስርሒታት" ንምፍጻም ዘኽእል ልምምድ፡ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክልቲን ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ካብ ዮርዳኖስ፡ ሱዳን፡ የመንን ጂቡቲን ዝተወከሉ ሓይልታት ተሳቲፎም ነይሮም።
እታ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ድሕነትን ቀይሕ ባሕሪ ብቐጻሊ ተራ ግብጽን ስዑዲን ክዓቢ ከምዘለዎ ክትምጉት ዝጸንሐት ኤርትራ ግን ሕጂ'ውን ኣብቲ ልምምድ ኣይተሳተፈትን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ካይሮ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ግደ ግብጺን ሃገሩን ዝርከብአን ሃገራት እቲ ገማግም ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ንሕና ኣብ ገማግም ባሕሪ እንርከብ ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ንጹር መርገጺ ክህልወና ኣለዎ። ከም መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘቕረብናዮ 12 ነጥቢታት ዘሓዘ ሓሳባት ኣሎ።
"ሓደ ካብኡ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጸጥታዊ ትካላተን ብምሕያል ውሕስነት ናይቲ መስመር ከረጋግጻ ዝጠልብ'ዩ።
ኣብቲ ምስ ማዕከናት ዜና ግብጺን ኤርትራን ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ኣብ ክሊ ሕጋዊ መቓን ኣህጉራዊ ተራ ክመጽእ ይኽእል እዩ" ክብል ርእይቶ ሂቡ ነይሩ።
"ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ፡" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ "ሶማልያ፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ገማግም ባሕረን ከውሕሳ ይኽእላ እየን" ኢሉ ምንባሩ ይፍለጥ።
ሶማልያ ኣብ ዝሓለፉ ልምምዳት 'ቀይሕ ማዕበል' ከም ተዓዛቢት ክትሳተፍ ምጽንሓ ይዝከር።
ኣብ ፈለማ ጥሪ 2020 ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ንቐይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራትን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ሪያድ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብቲ ኤርትራ ዝተሳተፈቶ ዋዕላ፡ እተን ሃገራት ሓደ ቤትምኽሪ ከም ዝመስረታን፡ ቻርተር ናይቲ ቤትምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዘጽደቓን ኣፍሊጠን ነይረን።
እዚ ንሃገራት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ጁቡቲ፡ ሶማልያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ የመንን ዮርዳኖስን ዘጠቓልል ኪዳን፡ ኣብ መንጎ እዘን ኣባል ሃገራት ዞባዊ ጸጥታን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ከም ዝዓዪ ድማ ይንገረሉ።
እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ስለምንታይ'ያ ኤርትራ ኣብቲ ልምምድ ዘይትሳተፍ?
ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ኣብቲ ዞባ ኣገዳሲ ጽልዋ ክህልዎ ዝደሊ ኢሳይያስ፡ ከም ግብጽን ስዑዲን ዝበላ ዓበይቲ ሓይልታት ኣብ ዝቆጻጸርኦ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክሳተፍ ሸውሃት ዘይክህልዎ ይኽእል'ዩ።
"ብፍላጥ ዝተገብረ ስትራተጂካዊ ሕርያ" ምዃኑ ዝምጉት ንምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ብቐረባ ዝከታተል ዓብዱራሕማን ሰይድ ኤርትራ "ናጽነታ ክትዕቅብ፡ ኣብ ብዙሓት ዝሳተፍዎ ዓለምለኻዊ መድረኻት ዘለዋ ዕቀበታትን ግብራዊ ሕጽረታትን" ከይትሳተፍ ካብ ዝገበሩ ምዃኖም የረድእ።
"ሳዕቤን ናይዚ ግን፡ ዋላ'ኳ ኤርትራ ካብ ቀይዲ ናጻ ክትከውን ዘኽእላ እንተኾነ፡ ካብቲ ዝካየድ ጸጥታዊ ምውህሃድ ባሕሪ እትረኽቦ ረብሓታት ናይ ምኽሳር ሓደጋ ኣለዎ። ብዘይካ'ዚ 'ዘይተፈትሐ ቁጻር' ናይቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ሰንሰለት ብምዃን ግደ ክትጻወት ትኽእል እያ" ይብል።
እተን ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ዝገብርኦ ምትሕግጋዝ ሓይሊ ባሕሪ ክዕወት እንተኾይኑ ድማ "ንፍሉይ መርገጺ ኤርትራ" ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ ይብል ዓብዱራሕማን 'ቦሃሽም'።
ኤርትራ ብዘይካ ጂቡቲ ምስ ኩለን ተሳተፍቲ ሃገራት ዘለዋ ዝምድና ጥቡቕን ጽቡቕን ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል'ዩ።
ምስ ጂቡቲ ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2009 ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተወልዐ ዶባዊ ጎንጺ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና በቲኸን ይርከባ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ዝምድንአን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝተኻየደ ተበግሶታት ከኣ ዛጊት ኣይሰመረን ዘሎ።
ንህላወ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብወግዒ ክነቅፍ ዝስማዕ መራሒ ኤርትራ፡ ጂቡቲ ንመዓስከራት ሓያለ ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን ምእንጋዳ'ውን ባህ ከምዘይብሎ'ዩ ዝፍለጥ።
ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል ብወገኑ፡ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ናይቲ ካብኣ ዝሓየላ ሃገራት ዝሳተፍኦ ዞባዊ ስምምዕ ክትኣቱ ከምዘይትመርጽ ምስ ቦሃሽም ይሰማማዕ።
ኣስመራ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ምስ ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ዝምድና ክህልዋ ከምእትደሊ ዝዛረብ እቲ ክኢላ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት፡ ዝኾነ ምስ ካልኦት ትገብሮ ስምምዕ ነዚ ራእይ እዚ ዝዕንቅፍ ከይከውን ስክፍታ ኣለዋ ይብል።
"ንሓዋሩ ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊት መሻርኽታ ክትከውን'ያ ኤርትራ ትመርጽ፡ ንዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ብፍላይ ናይ ምስፍሕፋሕ ፖለቲካኣ ደው እንተኣቢላ።
"ምኽንያቱ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ይኹን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝህሉ ጸጥታዊን ቁጠባዊን ምትሕግጋዛት ብዘይ ተሳተፍነት ኢትዮጵያ ክህሉ ስለዘይክእል።
"ምስ ሃገራት ዓረብ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ግብጺ ምልፋንን ቀዋሚ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ምምስራትን ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዝን ውህደትን ኣብ ሓደጋ ስለዘእትዎ" ይብል ዶ/ር ኣዳነ ካብ ቦትስዋና።
'ቀይሕ ማዕበል' እንታይ ዘጠቓለለ'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Egypt Army
እቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ንሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጥራይ ዘሳትፍ እዩ።
ኣብ ጥሪ 2018 ዝፈለመ ልምምድ "ቀይሕ ማዕበል"፡ ቀንዲ ዕላማታቱ፡ ንማያት እተን ሃገራት ምውሓስን ድሕነት መስመር መጓዓዝያ ቀይሕ ባሕሪ ምርግጋጽን እዩ።
እዚ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝጀመረ መበል 8ይ ልምምድ፡ ናይ ሓቂ መዳፍዕን ጠያይትን ብምትኳስ ዝተኻየደ ምዃኑ'ውን ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።
ኣካል ናይቲ ልምምድ ዝኾኑ ካልኦት ኣሃዱታት'ውን ናብ ገጽ ምድሪ መዳፍዕ ከምዝተኮሱ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ'ሎ።
እቲ ፍሉያት ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕሪ ዝተሳተፍዎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ፡ ንፈጣናት ጃላቡ ምቁጽጻር፡ ከምኡ'ውን ንተጻባእቲ ዝኾና ትሕተ-ማያውያን (ሳብማሪን) ንምጥላፍን ምክትታልን ዝዓለመ ምንባሩ 'ኢጂፕሺያን ጋዜት' ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።
"እቲ ልምምድ ሓባራዊ ስርሒታት ሓይልታት ንምውህሃድ ዝዓለመ ክልሰሓሳባዊን ግብራዊን ዘጠቓለለ እዩ" ክብል ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ ዘውጽኦ መግለጺ የነጽር።
"ዘይስሩዕ ስግኣታት ባሕሪ" ምቅላስን ምልውዋጥ ተመኩሮታት'ውን ኣካል ናይቲ ልምምድ ምንባሩ ካይሮ ሓቢራ'ላ።
ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተሳተፍቲ ሃገራት ነቲ ልምምድ ኣብ መወዳእታኡ ብኣካል ከምዝተዓዘብዎ ተገሊጹ'ሎ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







