'ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ጋዜጠኛ ኤሪ-ቲቪ ቃለመሕትት ኣብ ዘካየደሉ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea

ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝዀነ ማያዊ ክፍሊ ዓለም ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለ ዝዀነ ጸጥታዊ ውሕስነቱ ክረጋገጽ ከም ዘለዎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ።

ኣብቲ ንዝተፈላለየ ጉዳያት ዝተንከፈ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ብዓረብኛ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ቀይሕ ባሕሪ ስትራተጅያዊ ንግዳዊ መስመር'ኳ እንተዀነ ቅድም ቀዳድም ሃገራት እቲ ዞባ ገማግም ባሕረን ከውሕሳ ኣለወን ኢሉ።

እቲ ምስ መራሒ ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ንምዝርራብ ኣብ ካይሮ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ወሽመጥ ዓደን ንዘሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ሃገራት ዓለም ከም ዘይቅበሎ'ውን ደጊሙ ኣነጺሩ ኣሎ።

ኣብ ወሽመጥ ዓደን ዘሎ 'ዘሻቕል' ኵነታት

ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ

ምንጪ ስእሊ, Camp Lemonnier Djibouti

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣብ ጂቡቲ

እቲ መራሒ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ሶማልያን ዘሎ ወተሃደራዊን ጸጥታዊን ኵነታት ኣመልኪቱ'ውን መብርሂ ከም ዝሃበ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ጠቒሱ'ሎ።

"በዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ማለት፡ ሶማል፡ ክሊ ኣየራ፡ ገማግም ባሕራን መሬታን ዝሕሉ ልኡላዊ ትካላት ዘይብላ ውድቕቲ ሃገር ኰይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን ብውሽጣዊ ዓቕማ ክትገብሮ እትኽእል ድሩት እዩ።

"ነዚ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ'ዚ ንምሕላው ውሽጣዊ ዓቕሚ ሶማል ግድን ክዓብን ክድልድልን ኣለዎ። ካብ ነዊሕ ግዜ፡ ቅድሚ ናጽነትና ከይተረፈ ጀሚርና ንሶማል ኣብ ጽቡቕ ቍመና ንምምጻእ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣስታት 10,000 ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ሰልጢኖም ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ይዝከር።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብቲ ምስ ሶማልያ፡ የመን፡ ጂቡቲን ዖማንን ዝዳወብ ወሽመጥ "ዘሻቕል" ወተሃደራዊ ኵነታት ይምዕብል ከም ዘሎ ኣሚቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"እቲ ዘሻቕል፡ ኣብቲ ዞባ ገለ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ቦታ ንምሓዝ ፈተነታት ምክያዶም እዩ፡" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ "ኣብ ሰቐጥራ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምሓዝ ዝግበር ፈተነታት ኣሎ። ደሴት ሰቐጥራ ኣካል የመን ኰይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ያ ትርከብ፡" ክብል ገሊጹ።

እንተዀነ ግን፡ መን ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ክሃንጽ ይዳሎ ከም ዘሎ ብንጹር ኣይጠቐሰን።

"ብተመሳሳሊ ዝኾነ ሓይሊ ኣብ ዘቑር መጺኡ መዓስከር ከቕውም ንጹግ እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ሰቐጥራ ክሳብ ሚዩን ዘሎ ጂኦግራፊን ሶማል ንምምቕቓል ዝካየድ ፈተነታትን እንተ ርኢና፡ ናይ ወጻኢ ፖሊስታት ንምትግባር ዘኽእል ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ዕድል ዝፈጥር እዩ።"

ንኵነታት ናይታ ብኽናት ዝተሓመሰት የመን ብምጥቃስ'ውን፡ ጠንቂ ናይቲ "ዘይርጉእ ኩነታት ንባዕሉ፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ብኣህጉራውያን ሓይልታት ዝተማህዘ"፡ ምዃኑ ይምጕት።

የመን ካብ 2011 ኣትሒዛ ብዂናት ሓድሕድን ምትእትታው ዞባውያን ሓይልታት (ብፍላይ ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብን) ናብ ሓደገኛ ኵነታት ከም ዘምርሐት ይፍለጥ።

ነቲ ኵነታት ተጠቂሞም ርእሰኸተማ ሰንዓ ትርከቦ ሰሜናዊ ክፋል ዝተቘጻጸሩ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ምስ ኲናት ቓዛ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ብቐይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ምጽንሖም ዓለምለኻዊ ስግኣት ፈጢሮም እዮም።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ምዕራባውያን ሃገራት ውሕስነት ንምሃብ ብመራኽብ ኲናት ዝተሰነየ ወተሃደራዊ ሓይልታት ናብቲ ዞባ ከዋፍራ ተገዲደን እየን።

ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝቘመ ተልእኾ ስርሒት ኣታላንታ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስ ቅርሰና ንምምካት፡ መጓዓዝያ ቀረባት ንምክልኻልን ካልኦት ኣብቲ ዞባ ዝፍጠሩ ሓደጋታት ባሕሪ ንምዕጋትን ይሰርሕ።

ተልእኾ ውሁድ ሓይልታት ባሕሪ (CMF) ብኣመሪካ ዝቕለስ ኰይኑ ንባሕረይን ከም መደበሩ ገይሩ ይዓዪ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባብ ኤል-መንደብን ወሽመጥ ዓደንን መንግስታውያን ብዘይኰኑ ኣካላት ንዝግበር ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ንምዕጋት ከም ዝሰርሕ ድማ ይግለጽ።

ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ወሽመጥ ዓደን እትርከብ ጂቡቲ እውን፡ ፈረንሳ፡ ኣመሪካን ቻይናን ዝርከብአን ሓያለ ሃገራት ምዕራብን ምብራቕን ዝጸንሐ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለወን።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ምስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ብምትሕብባር ኣብ የመን ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ንእተካይዶ ዝነበረት ኲናት ዝደገፈት ኤርትራ'ውን ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ መዓስከር ኢማራት ዓረብ ክህነጽ ኣፍቂዳ ምንባራ ይዝከር።

ሱዳን፡ 'ተበግሶ ግብጺ ዕንቅፋት ኣጋጢምዎ'

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ደማውን ኣዕናውን ኲናት ሓድሕድን'ውን ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ተላዚቡ ነይሩ'ዩ።

ጉዳይ ሱዳን ብምትእትታዋት ሓይልታት ወጻኢ ከም ዝተሓለለኸ ብምግላጽ፡ ጐረባብቲ ሃገራት ነቲ ግጭት ሰላማዊ ፍታሕ ክረኽባሉ ከም ዘለወን ደጊሙ ተማሕጺኑ።

"ሽግር ሱዳን ዝዓበየ ብድሆ ናይ ዞባና እዩ። ይዅን'ምበር ምስ ኵሉ ዕብየት ብድሆታቱ፡ ሱዳናውያን ብዘይ ናይ ደገ ምትእትታው ሽግሮም ንምፍታሕ ምእንቲ ክኽእሉ፡ ኣበርክቶና ንምሕያል ብጽንዓት ክንቅጽል ኢና፡" ክብል'ውን ዘለዎ መርገጺ ኣነጺሩ።

ኣስመራ ኣብቲ ኲናት ጸግዒ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝወሰደት'ዩ ዝፍለጥ፣ እዚ ድማ ካብ መራሒ ሓይልታት ኣዳዕመ ኣል-ሰሪዕ ዝዀነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ።

"ጻዕርታት ምስሪን ኤርትራን ካልኦት ንሱዳን ዝሕግዙ ወገናትን ኣገዳሲ እዩ፡" ብምባል ድማ "ጐረባብቲ ሱዳን ዝዀና ሃገራት ዝሓቍፍ ተበግሶ ምስሪ፡ ዕላማኡ ንጉዳይ ሱዳን ኣብተን ዝምልከተን ጐረባብቲ ሃገራት ብምሕጻር ፍታሕ ንምምጻእ እዩ ነይሩ፡" ይብል።

"ብርግጽ ከኣ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ናይ ቀረባ ኣፍልጦን ናይ ምፍታሑ ዓቕሚን ነይሩወን እዩ። እንተዀነ ግን ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ። ካብኡ ሓሊፉ ዞባዊ ተበግሶታት'ውን እንተዀነ ቀጻሊ ዕንቅፋታት ከጋጥሞ ጸኒሑ ኣሎ።"

ስለምንታይን ብመንን ተበግሶ ግብጺ ከም ዝበርዓነ ግን እቲ ኤርትራዊ መራሒ ኣየነጸረን።

ነቲ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ክፍላ ሚያዝያ 2023 ዝተወልዐ ኲናት ሱዳን ንምዕራፍ ብጐረባብቲ ሃገራት፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ወዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣመሪካን ዝበሉ ወገናት ዝተፈተነ ተበግሶታት ዛጊት ኣይተዓወተን።

ቀይሕ ባሕሪ ዘማእከለ ክልተኣዊ ዝምድና ካይሮን ኣስመራን

መራኽብ ኲናት ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, MOD Egypt

መግለጺ ስእሊ, መራኽብ ኲናት ግብጺ

ኵመራሕቲ ግብጺን ኤርትራን ኣብ ርክቦም ብዛዕባ ኵነታት ቀይሕ ባሕሪ ከም ዝተዘራረቡ ብወግዒ ኣፍሊጦም እዮም።

ወተሃደራዊ ምትእትታው ከም ዝነጽግ ዝምጕት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ካልኦት ማያዊ መስመራት፡ "ዝያዳ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ማያዊ መስመር፡" ምዃኑ ግን ይኣምን።

"ነዚ ማያዊ መስመር'ዚ ምውሓስ ድማ ንሃገራት ናይዚ ዞባን ካብኡ ወጻኢ ዘለዋን ኣብ ዝርዝር ከይኣቶና እንተላይ ንኣህጉራውያን ሓይልታት ስትራተጅያዊ ጉዳይ እዩ። እቲ ሽግር ብዝተፈላለየ ወገናት ብዙሕ ሓሳባት ዝመጽእን ምእትታዋት ዝበዝሕን ምዃኑ እዩ።

"ንሕና ኣብ ገማግም ባሕሪ እንርከብ ሃገራት ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ንጹር መርገጺ ክህልወና ኣለዎ። ከም መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘቕረብናዮ 12 ነጥቢታት ዘሓዘ ሓሳባት ኣሎ፡" ይብል ኣቶ ኢሳይያስ።

"ሓደ ካብኡ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጸጥታዊ ትካላተን ብምሕያል ውሕስነት ናይቲ መስመር ከረጋግጻ ዝጠልብ'ዩ። ምናልባት ነዚ ማያዊ መስመር'ዚ ንምሕላው ኣብ ክሊ ሕጋዊ መቓን ኣህጉራዊ ተራ ክመጽእ ይኽእል እዩ፡" ይብል እቲ ፕረዚደንት።

"ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ዓለማዊ ባሕሪ ክኸውን ኣለዎ፡" ክብል'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

ኣብ ፈለማ ጥሪ 2020 ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ኣኼባ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ንቐይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራትን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ሪያድ ተኻይዱ ነይሩ።

ኣብቲ ኤርትራ ዝተሳተፈቶ ዋዕላ፡ እተን ሃገራት ሓደ ቤትምኽሪ ከም ዝመስረታን፡ ቻርተር ናይቲ ቤትምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዘጽደቓን ኣፍሊጠን ነይረን።

እዚ ንሃገራት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ጁቡቲ፡ ሶማልያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ የመንን ዮርዳኖስን ዘጠቓልል ኪዳን፡ ኣብ መንጎ እዘን ኣባል ሃገራት ዞባዊ ጸጥታን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ከም ዝዓዪ ድማ ይንገረሉ።

እንተዀነ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ነገር የለን። ክልቲኦም መራሕቲ'ውን ነዚ ዘልዓልዎ ኣይመስሉን።

እዚ ኪዳን ክምስረት እንከሎ፡ ንብዙሓት ሃገራት ዘይሓቘፈ ተባሂሉ ክትዕ ዘልዓለ ኰይኑ፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ ጽምዶ ከም ዘይገብር እዩ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ፋይሳል ቢን ፋርሃን ኣል ስዑድ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተዛሪቡ።

ከም ቱርኪ፡ ቐጠርን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ንንግዳዊ ክሳብ ወተሃደራዊ መዓላ ዝውዕል መደበራት ክህልወን ከም ዝደልያ ብዙሕ ግዜ ይግለጽ እዩ።

ካሚል ሎንስ ካብ ኣህጉራዊ ኢንስቲትዩት ስትራተጅያዊ መጽናዕትታት ማእከላይ ምብራቕ፡ "ዕላማ ስዑዲ ዓረብ መቀናቕንታ ዝዀና ከም ቱርኪ፡ ቐጠርን ኢራንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብቲ ዞባ ጽልዋአን ከየሕድራ ንምዕጋት፡" ሃቐነ ከም ዘለዋ ትገልጽ።

ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንቐይሕ ባሕሪ ከም ቀንዲ መጓዓዝያ መስመረን ኣብ ዝርእይኦ 20 ሃገራት ዝቕመጡ ህዝብታት፡ ኣብ 2050 ክሳብ 1.3 ቢልዮን ከም ዝበጽሑ ግምቱ የቐምጥ።

ኣብዚ ገማግም ዝርከባ ወደባት ክሳዕ ክንደይ ኣገደስቲ ምዃነን ንምግማቱ ኣየጸግምን።

ወደባት ምጽዋዕን ዓሰብን ብሰንኪ ዘይብቑዕ መሳለጥያታት፡ ሕጽረት ናውትን ዘይምዝምናውን ክዓብያ ከም ዘይከኣለ እዩ ዝግለጽ። ብሕልፊ ወደብ ዓሰብ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ብ1998 ኣብ ንጡፍ ስራሕ ኣሎ ንምባል ኣየድፍርን።

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብን ምውናንን 'ታሪኻዊን ጆግራፊያዊን መሰል' ከም ዘለዋ ኣብ እትምጕተሉ ዘላ ውጡር እዋን'ዮም መራሕቲ ግብጽን ኤርትራ ተራኺቦም ዘለዉ።

ኣብ ጥቅምቲ 2024፡ መራሒ ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ዝተረኽበሉ "ስሉሳዊ ዋዕላ ኣስመራ" ብዛዕባ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ምህናጽ ሓይልታት ጸጥታ ሶማልያን ስምምዕ ከም ዘካየዱ ይዝከር። እቲ ኣኼባ ናብ ኢትዮጵያ ዘነጻጸረ ምንባረ'ዩ ዝግለጽ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ጂኦግራፊ ወዲ-ሰብ ክቕይሮ ዘይክእል መለኮታዊ ፍርዲ እዩ፣ ኢትዮጵያ ድማ ክሳዕ ምጽኣተ-ኣለም ወደብ-ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ፡"ብምባል ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዝዀነ ግደ ከም ዘይህልዋ ገሊጹ ነይሩ።

ካይሮ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምዃን፡ "ነዚ ኣገዳሲ መተሓላለፊ መስመር ምምሕዳሩ ኰነ ጸጥታኡን ምርግጋኡን ንምሕላዉ ኣውራ ሓላፍነት፡" ከም ዝስከማ ድማ ኣሚቱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንኽልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ግብጽን ብዝምልከት'ውን፡ "ስትራተጂያዊ ዝምድና ማለት ሓባራዊ መርገጺ ምእዋጅ ጥራሕ ኣይዀነን። ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝምድና'ዚ ውጽኢታዊ ንምግባር ዕቱብ ስራሕ ዝሓትት እዩ፡" ክብል ኣብቲ ኣብ ካይሮ ምስ መንግስታዊ ተለቪዥን ኤርትራ ዘካየዶ ቃለመሕትት ተዛሪቡ።

ነቲ 'ቃልሲ' ዝበሎ ንምሕዳስ፡ ሓበራዊ መደባት ንምትግባር፡ ንኻልኦት ብዘሳትፍ ንቕሓታት ንምብራኽ ኣብ ህልው ኵነታት ብዝርዝር ከም ዝተመያየጡ ገሊጹ።

"እዚ ከኣ ቀጻሊ ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። እቲ ዕላማ ርሑቕ፡ ብድሆታቱ ድማ ዓቢይ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ክልተኣውን ስትራተጅያውን ዝምድናታትና እነስርጾ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ዞባዊ ዕላማታትን ዓለማዊ ኵነታትን ምትእስሳር ክህሉ ዝጠልብ እዩ።

"ኣብ መንጎና ከኣ ቀጻሊ ምምኽኻር ክህሉ እዩ። ስትራተጅያዊ ዝምድና ማለት ሓባራዊ መርገጺ ምእዋጅ ጥራሕ ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ ነዚ ዝምድና'ዚ ውጽኢታዊ ንምግባር ዕቱብ ስራሕ ዝሓትት እዩ።"