ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ 'ሓበራዊ ልምምድ' የካይዳ ኣለዋ

መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ቻይናን ኣብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣለወን

ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሓባር "ልምምድ" የካይዳ ከም ዘለዋ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ዜና ትማሊ 24 መስከረም ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ንዘላቒ እሙን-ርግኣት ናይዚ ኣህጉራዊ ማያዊ-መገዲ'ዚ፡ ናይ ኣበርክቶ ሃገራት'ዚ ገማግም፡ ወሳንን መተካእታ ዘይርከበሉን እዩ" ኢሉ።

"ኣብ ነንበይኖም እዋናት ክፍተኑ ዝጸንሑ ምውስዋሳት፡ እንተላይ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ብሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሓበራዊ ልምምድ ከኣ ናብዚ ሸቶ'ዚ ዝዓለሙ እዮም" ይብል እቲ መግለጺ።

ኣብቲ ልምምድ 7 ሃገራት ይሳተፋ ከምዘለዋ ማዕከናት ዜና እቲ ዞባ ገሊጸን። እተን ሃገራት፡ ሱዕዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስ፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ የመንን ሶማልያን ምዃነን'ውን ንኣገልግሎት ዜና ሱዕዲ ብምጥቃስ፡ ኣናንዶሉ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ጸብጺቡ።

እቲ "ቀይሕ ማዕበል" ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ወታሃደራዊ ልምምድ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳዲ ሱዕዲ ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት'ዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣመሪካን ሱዕዲን ኢራን'ያ ፈጺማቶ ክብል'ኳ እንተኸሰሳ፡ ኢራን ግን ነቲ ክሲ ነጺጋቶ'ላ።

ኤርትራ ስለምንታይ ኣብቲ ልምምድ ከምዘይተሳተፈት፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ኣኼባ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝተሳተፈትሉ እዋን፡ 12 ነጥብታት ዝሓዘ "ሕመረት መትከላት ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ 'ሰላምን ርግኣትን' ቀይሕ ባሕሪ" ከም ዘቐረበት'ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

እቶም ኣብቲ ዞባ ዝራኣዩ "ስግኣታት" ክንጸሩን፡ ናይ ሓባር ስትራተጂ ክንደፍን'ውን እቲ መግለጺ ጸዊዑ።

ወከልቲ ዋዕላ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን፡ ሚያዝያ 2019

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G. MESKEL/TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ወከልቲ ዋዕላ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን

"ኩሉ ዝግበር ኣወዳድባን መዋቕራትን ልኡላውነትን ኣህጉራዊ ሕጊን ከምዝምእዘዝ ምርግጋጽ" ድሕሪ ምባሉ ነቶም ስግኣታት ኣብ ምግምጋም፡ ስትራተጂ ኣብ ምውጻእ፡ ናይ ሓባር ዓቕምታት ብምውህሃድ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መገድታት ኣብ ምንዳይን፡ ምስ ናይ ደገ መሻርኽቲ፡ ብኸመይ ክስራሕ ከም ዝኽእልን ዝጽንዑ ትካላት ክጣየሱ ጸዊዑ።

እቲ ዝግበር ዘሎ ልምምዳት፡ ኣበየናይ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ምዃኑ ብንጹር ኣይተፈልጠን ዘሎ።

ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ከተቕዉም ድሕሪ ምውሳና፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ስክፍታታቶም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኤርትራ ካብ 'ጎበጣ' ኢትዮጵያ ሓራ ንምውጻእ ን30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣካይዳ ኣብ 1991 ናጽነታ ምስ ረኸበትን ኣብ 1993 ልኡላውነታ ምስ ኣወጀትን፡ ክልቲአን ሃገራት እንደገና ናብ ኲናት ምምላሰን ይዝከር።

በቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ሂወት ልዕሊ 100 ሽሕ መንእሰያት ዝቐዘፈ ዶባዊ ኲናት ዝተፈጥረ ጎንጺ ድማ፡ ክልቲአን ሃገራት ንኣስታት 20 ዓመታት ርክብ ኣቋሪጸን ጸኒሐን።

ሎሚ፡ እተን ኣብ ውግእ የመን ኢደን ዘእተዋ ሱዕዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ምቅርራብ ኣበርክቶ ከም ዝነበረን ይግለጽ። መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሱዕዲን ኢማራትን ዝለዓለ ሽልማት ኒሻን ከም ዝተቐበሉ'ውን ይዝከር።

ነቲ ኣብ መንጎአን ዝነበረ፡ ኩነተ-ኣይ ሰላም ኣይ-ኲናት፡ ዘብቅዐ ኣብ ሓምለ 2018 ኣስመራ ዝፈረምኦ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ብ16 መስከረም ብ"ስምምዕ ጅዳ" ምሕዳሰን ንባዕሉ መርኣያ ሱዕዲ ዝነበራ ተራ'ዩ ክበሃል ጸኒሑ'ዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና፡ ነቲ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ወታሃደራዊ ምትእትታው ንምድጋፍ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ ማዓስከር ክትከፍት ዝኸኣለት ሃገር'ያ።

እቲ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ዝርከብ፡ ማዓስከር ንመራኽብ ኵናትን ሓይሊ ኣየርን ዘጠቓለለ ምዃኑ ጸብጻባት የረድኡ።

ኤርትራ ኣቕድም ኣቢላ፡ ነቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ኣንጻር የመናውያን ጉጅለ ሑቲ ዝቖመ ወታሃደራዊ ልፍንቲ፡ ብምሉእ ልባ ካብ እትድግፎ ጸኒሓ'ላ።