ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ክምስርታ ተሰማሚዐን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ (ጸጋም) ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፡ ሳልማን 06 ጥሪ 2020

ምንጪ ስእሊ, Saudi Arabia Foreign Ministry/Twitter

ትማሊ ሰኑይ ስዑዲ-ዓረብ እትመርሖ ኣኼባ ሚኒስተራት ወጻኢ ጒዳያት ንቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራትን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ሪያድ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እተን ዝተሳተፋ ሃገራት፡ ሓደ ቤት ምኽሪ ከም ዝመስረታን፡ ቻርተር ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝጸደቐን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ-ዓረብ ሓቢሩ።

ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ኣኼባ ከምዝተሳተፈ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ።

ንጉስ ስዑዲ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ምስ ሚኒስተራት ወጻኢ ጒዳያት ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ ኤርትራ፡ የመን፡ ሱዳንን ሶማልያን ከምኡ'ውን ጂቡትን ኣብ ርያድ ከምዝተራኸበን፡ ምምስራት ናይቲ ቤት ምኽሪ ከም ዘሐጎሶን ገሊጹ።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ስዑዲ ዓረብ፡ እቶም ሚኒስተራት ኣብ ዝምድናን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ዘተ ከምዘካየዱን ከምኡ'ውን ኣብ ጸጥታ እቲ ዞባ ከምዝተመያየጡን ገሊጸን።

እዚ ኣኼባ ሚኒስተራት ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥን ዓደንን፡ ኣመሪካ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ እታ ሃገር ጀነራል ቃስም ሱሌማኒ ድሕሪ ምቕታላ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ሚኒስተራት ወጻኢ ጒዳያት ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

ድሕሪ ምቕታል ናይቲ ጀነራል፡ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝልዓለ ወጥሪ ኣትዩ ይርከብ።

ሓያሎ መራሕቲ ኢራን፡ ንሞት ናይቲ ጀነራል ሕነ ክፈድዩ ከም ዝኾኑ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

እቲ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝኣዘዘ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ረብሓታታን ሕነ ክትፈዲ እንተፈቲና፡ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ክትጽበ ኣለዋ ብምባል፡ ባህላዊን ታሪኻውን ቅርስታታ ከይተረፈ ከም ዘይንሕፎም ኣጠንቂቑ'ሎ።

ኢራን፡ ኣብ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ የመን ከምኡ'ውን ሶርያ ምስ ዘለው ዕጡቓት ጉጅለታት ዘይብተኽ ምሕዝነት ክትምስርት በቒዓ ከምዘላ ይንገር።

ስዑዲ ዓረብ እትርከበን ብዙሓት ሃገራት ዓረብ እውን ጽልዋ ኢራን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንኽድረት ምስ ኣመሪካ ሓቢረን ክሰርሓ ጸኒሓን እየን።

ብሰንኩ፡ ድማ ስዑዲ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ወታሃደራዊ ኪዳን ብምምስራት ነቶም ንገለ ክፋል የመን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ፡ ብኢራን ይድገፉ'ዮም ዝበሃለሎም ጉጅለ ሑቲ ንምድምሳስ ኣብ የመን ወታሃደራዊ ምትእትታው ክገብረ ጸኒሐን ኣለዋ።

ኤርትራውን ነቲ ወታሃደራዊ ኪዳን ምሉእ ደገፋ ብምሃብ፡ ነቲ ኣብ የመን ክካየድ ዝጸንሐ ወታሃደራዊ ስሪሒታት ንምሕጋዝ ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወታሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኣአንጊዳ ኣላ።

ሚኒስተራት ወጻኢ ጒዳያት ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, Saudi Arabia Foreign Ministry/Twitter

ምምስራት ናይዚ ቤት ምኽሪ ድማ፡ ምስዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ወጥሪ ዝተሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ነቲ ኢራን ትሓስቦ ዘላ ሕነ ናይ ምፍዳይ ሃቐናታት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዝዓለመ ይመስል ክብሉ ተንተንቲ ፖለቲካ ናይቲ ዞባ ይግምቱ።