ደረጃ ፓስፖርት ሃገራት ዕላዊ ኰይኑ፤ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሄንለይ ኤንድ ፓርትነርስ ዝተባህለ ትካል፡ ናይ 2023 ‘ሓያል’ ን ‘ደኹም' ዝበሎም ፓስፖርት ሃገራት ዓለም ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ትካል ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ፓስፖርት ጃፓን ብዘይ ቪዛ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ከእቱ ብምኽኣል ሕጂ'ውን ‘ሓያል’ ፓስፖርት ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ ኢሉ።
ኣብቲ ዝርዝር ድኹማት ካብ ዝተባህሉ ፓስፓርትታት ናይ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቕን ሶርያን ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝሓዙ እዮም።
ሄንለይ ኤንድ ፓርትነርስ ካብ ዓለምለኻዊ ማሕበር መጓዓዝያ ኣየር ዝርከብ መረዳእታ መሰረት ገይሩ ደረጃ ዘውጽእ ኰይኑ፡ ፓስፖርት ጃፓን ዝሓዙ ተጓዓዝቲ ናብ 193 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ክጓዓዙ ወይ ድማ ኣብተን ሃገራት ምስበጽሑ ቪዛ ክወሃቡ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።
ሲንጋፖርን ደቡብ ኮርያን 192 ነጥቢ ብምርካብ ካብ ጃፓን ቀጺለን ዝተሰርዓ ሃገራት እየን።
እቲ ትካል ተጓዓዝቲ ብምኽንያት ዝሓዝዎ ፓስፖርት፡ ቀዲሞም ቪዛ ከይሓተቱ ናብ ክንደይ ሃገራት ክጓዓዙ ይኽእሉ ዝብል ብምጽናዕ እዩ ሓይሊ ፓስፖርታት ዝዕቅን።
ብመሰረት ጸብጻብ ሄንለይ፡ ቪዛ ብቐዳምነት ኣየድልየካን ማለት፡ ክትገይሽ ቪዛ ኣየድልየካን ወይ ኣብተን ሃገራት ምስበጻሕካ ቪዛ ናይ ምርካብ መሰል ኣለካ ማለት እዩ።
እቲ ትካል ብዘይ ቪዛ ንዝግበር ጕዕዞ ሓደ ነጥቢ ብምሃብ እዩ ደረጃ ዘውጽእ።
ደረጃ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከ?

ብመሰረት ጸብጻብ ሄንሊ፡ ፓስፖርት ኢትዮጵያ ምስ 109 ፓስፖርትታት ተወዳዲሩ፡ ብ 46 ነጥቢ ኣብ መበል 97 ደረጃ ክስራዕ እንከሎ። ፓስፖርት ኤርትራ፡ 44 ነጥቢ ኣመዝጊቡ መበል 98 ደረጃ ሒዙ’ሎ።
እዚ ማለት እቶም ፓስፖርትታት፤ ንኣብነት ናይ ኤርትራ በቲ ዝረኸቦ ነጥቢ - ናብ 44 ሃገራት ብዘይ ቪዛ ከግይሽ ይኽእል ማለት እዩ።
እዚ ፓስፖርት፡ ካብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበሮ ናይ 101 ደረጃኡ 'ኳ እንተመሓየሸ፡ ኣብተን ዝገሸለን ሃገራት - 44 - ግን ለውጢ ኣየርኣየን።
እንተዀነ፡ ብመሰረት'ቲ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ኣብ ታሕሳስ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣስመራ፡ 'ዜጋታት ክልቲአን ሃገራት ካብን ናብን ኣብ ዝግበርዎ ጕዕዞ ዝሕተት ቅጥዕታት ቪዛ ክተርፍ' ድሕሪ ዝበጽሕዎ ስምምዕ፡ እቲ ፓስፖርት ደረጃኡ ከመሓይሽ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።
ፓስፖርት ኬንያ፡ ብ 73 ነጥቢ መበል 73 ደረጃ ዝሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሓየለ ምዃኑ ይግምገም። ፓስፖርት ዩጋንዳ መበል 78 ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፡ ፓስፖርት ጅቡቲ፡ ብ 48 ነጥቢ መበል 95 ደረጃ ሒዙ'ሎ። ፓስፖርት ደቡብ ሱዳን ማዕረ ናይ ኤርትራ መበል 98 ክስርዕ እንከሎ፡ ናይ ሱዳን ብ 42 ነጥቢ ደረጃኡ መበል 100 እዩ።

ብተወሳኺ. . .
ሄንለይ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2022 ጸብጻቡ፡ ፓስፖርት ጃፓን ብቐዳምነት ከምኡ'ውን ናይ ሲንጋፓርን ደቡብ ኮርያን ብማዕረ ነጥቢ ካልኣይ ገይሩ ሰሪዕዎም ነይሩ።
ጀርመንን ስጳኛን ድማ ብሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዐን ነይረን። ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2023፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ደረጃ ለውጢ ኣየርኣየን።
ፓስፖርት ፊንላንድ፡ ኢጣልያን ሉክሰምበርግን ዝሓዙ ገያሾ ናብ 189 ሃገራት ብምጉዓዝ መበል ራብዓይ ደረጃ፡ ፓስፖርትታት ኦስትርያ፡ ዴንማርክ፡ ነዘርላንድን ሽወደንን ድማ ብ 183 ነጥቢ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ተሰሪዑ።
በዚ ገምጋም መሰረት ኣብ መወዳእታ ዝተቐመጣ 10 ሃገራት ድማ ሊብያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ኔፓል፡ ምምሕዳር ፍልስጤም፡ ሶማልያ፡ የመን፡ ፓኪስታን፡ ሶርያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን እየን።
ምሕያል ፓስፖርት ብምንታይ እዩ ዝውሰን?
ብመሰረት ጸብጻብ ባንክ ዓለም፡ ምሕያል ሓደ ፓስፖርት ካብ ዝውስኑ ጉዳያት ሓደ፡ ዜጋታት ዝረኽብዎ መጠን ኣታዊ እዩ።
ዜጋታት ዝለዓለ መጠን ነብሲወከፍ ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ካብ ድኻ ሃገራት ብዝሓሸ ኣቐዲሞም ቪዛ ከይረኸቡ ናይ ምጕዓዝ ተኽእሎ ኣለዎም። ካብዚ ብተወሳኺ ሓፈሻዊ ሰላም ሃገራት ምስ ሓይሊ ፓስፖርተን ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎ።
ሓንቲ ሃገር ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታት፡ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጐንጺ ከምኡ ድማ ብጕጅለ ዝፍጸሙ ገበናት ብብዝሒ ዝረኣየላ እንተዀይና ዜጋታታ ዝገብርዎ ዓለም ለኻዊ ጕዕዞ ዝተደረተ እዩ ዝኸውን።
ሓያል ማእከላይ መንግስቲ ዘይብለንን ብዙሓት ተፈናቀልቲ ዘለወንን ሃገራት እውን፡ ዜጋታተን ቪዛ ዝሕተቱሎም ሃገራት ክበዝሑ ምኽንያት ይኸውን እዩ። ብሰንኪ'ዚ ከም ናይ የመን፡ ሶርያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታትን ዝኣመልኣ ሃገራት ፓስፖርት ዝሓዙ ሰባት ኣብ ብዙሕ መገሻታት ቪዛ ይሕተቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







