ኢትዮጵያውያን ሓተትቲ ዕቝባ ኣብ ኣመሪካ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ ሰራሕተኛ ፀጥታ አሜርካ ሓደ ስደተኛ ጉዳያት ስደተኛ ካብ ዝረአየሉ መጋባእያ ሒዞም እንትወፅኡ ዘርእይ ፎቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ ሰራሕተኛ ፀጥታ ኣመሪካ፡ ሓደ ስደተኛ ጉዳያት ስደተኛ ካብ ዝርኣየሉ መጋባእያ ሒዞም እናወፅኡ

ኣብ ዋሽንግተን ሓደ ኣፍጋናዊ ስደተኛ ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ሃገር መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ንሕቶታት ዕቝባ ብጠቕላላ ኣጊዱ ኣሎ።

ኣገልግሎት ዜግነትን ኢምግረይሽንን ኣብ ኵሎም ሓተትቲ ዕቝባ ግቡእ ምርመራ ክሳብ ዝካየድ፡ እቲ እገዳ ፀኒዑ ከም ዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ትራምፕ፡ ስደተኛታት "ሃገራት ሳልሳይ ዓለም" ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝገብር "ዘላቒ እገዳ" (ክልከላ) ንምግባር መደብ ከም ዘለዎ ምግላፁ ስዒቡ፡ ኣብ ኣመሪካ ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዘሎ ኵነታት ዘሻቕል ኰይኑ ኣሎ።

ንኣባላት ሓለዋ ሃገር ዘቝሰለን ዝቐተለን ኣፍጋናዊ ስደተኛ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋናውያን ንዝቐርቡ ሕቶታት ዕቝባ ምቕባል ደው ኣቢሉ ነይሩ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ቤትፅሕፈት ደሕንነት ውሽጢ ሃገር፡ ካብ ዝዀነት ሃገር ሕቶ ስደተኛታት ከይቅበል ትእዛዝ ወሪድሉ ኣሎ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ሜሪላንድ ጠበቓታት ኢምግረይሽን ዝጅየኑ ሄኖክ ገቢሳን ምሉኣለም ጌታቸውን፡ ኣብ ሕቶታት ዕቝባ ዝካየድ ምርመራ ዝቕፅል'ኳ እንተዀነ፡ ውሳነ ግና ኣይወሃብን ይብሉ።

ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓለዋ ሃገር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ፡ ትራምፕ ንኤርትራን ሱዳንን ሓዊሱ፡ ንዜጋታት 19 ሃገራት ዝተወሃቡ ናይ ስራሕን መንበርን ፍቓድ ምርመራ ክግበረሎም ኣዚዙ ኣሎ።

ንምዃኑ፡ ሰራሕተኛታት ቤትፅሕፈት ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ (ICE) ዝሃድንዎም ዘለዉን ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝበሃሉን፡ እንመን እዮም?

ኣብ ምምሕዳር ትራምፕ ዘይሕጋዊ ዝበሃል ስደተኛ መን እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ኣመሪካ ፍሉጣት ክኢላታት ሕጊ ዝዀኑ ሄኖክ ገቢሳን ምሉኣለም ጌታቸውን፡ ቤትፅሕፈት ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ ዝሃድኖም ዘሎ፡ ኣብ መጋባእያ ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ንኽወፅኡ ንዝተወሰነሎም ስደተኛታት ኰይኖም፡ ብተወሳኺ ብገበን ወይ ብኻልእ ጉዳይ ዝድለዩ ውልቀሰባት እዮም ይብሉ።

ጠበቓ ምሉኣለም፡ ምምሕዳር ትራምፕ ናብ ሃገሮም ክመልሶም እየ ዝብሎም ዘሎ ሓተትቲ ዕቝባ፡ ሽሞም ኣብ መዝገብ ገበን ዝሰፈረ ከም ዝዀነ ይዛረብ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት'ውን እንተዀኑ ነቶም ብቤትፍርዲ ካብ ሃገር ንኽወፅኡ ብይን ዝሓለፎም ጥራሕ ካብታ ሃገር ከውፅኦም እየ ኢሉ ምዝራቡ፡ ጠበቓ ምሉኣለም የዘኻኽር።

ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ግና፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣካላት ካብ ሃገር ክወፅኡ ኣለዎም ኢሎም ኣብ ቀይዲ ካብ ዘውዓልዎም ሰባት እቶም ክልተ ሲሶ፡ ዝዀነ ዓይነት ድሕረ-ባይታ ገበን (ሪከርድ) ዘይብሎም ምዃኖም ከም ዘመልክቱ እቲ ጠበቓ ይገልፅ።

ዝዀነ ሓታቲ ዕቝባ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ፡ ጥፍኣተኛ ተባሂሉ ክሳብ ዘይተፈረደ "ነፃ ከም ዝዀነ'ዩ ዝቝፀር" ዝብል ጠበቓ ምሉኣለም፡ ኣብዚ እዋን ተኣሲሮም ዝርከቡ መብዛሕትኦም ዝዀነ ገበን ዘይብሎም ብምዃኖም፡ እቲ ምምሕዳር ፈለማ ካብ ዝኣተዎ ቃል ሓሊፉ ሰነድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ይኣስር ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ ይብል።

ጠበቓ ሄኖክ ገቢሳ ብወገኑ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ሕቶኦም ተቐባልነት ከይረኸበ ድሕሪ ምትራፉ፡ ይግባይ ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎም ይብል።

ሓደ ሓታቲ ዕቝባ ጉዳዩ ብይግባይ እናተርኣየ እንከሎ፡ "ዘይሕጋዊ ስደተኛ" ክበሃል ከም ዘይክእል'ውን ወሲኹ ይገልፅ።

ሓደ ሕቶ ዕቝባኡ ዝተነፅገ ውልቀሰብ፡ ክሳብ ጠቕላላ ቤትፍርዲ ብምኻድ ጉዳዩ ክረኣየሉ ምግባር ይኽእል።

ኣብ ኣመሪካ ሕቶታት ዕቝባ ክልተ ዓይነት መልክዕ ኣለዎም፤ እቲ ፈላማይ፡ ብዶብ ንሕጊ ጥሒሶም ዝኣትዉ ሰባት እዮም።

እዚኦም ብዘይቪዛ ዝመፅኡ ብምዃኖም፡ ምርመራ ከይተገበረሎም ወይ ክኣትዉ ከይተፈቐደሎም፡ "ጥሒሶም ዝኣተዉ" ስለ ዝዀኑ፡ ንዶብ ኣመሪካ ሰጊሮም ምስ ኣተዉ፡ ኢዶም ብምሃብ ዕቝባ ይሓትቱ።

ዶብን ሕግን ጥሒሶም ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ጉዳዮም ኣብ ቤትፍርዲ ኢምግረይሽን'ዩ ብቐጥታ ዝረአ።

ዕቝባ ምስ ሓተቱ ድማ ከም ኵሉ ሰብ ንመስርሕ ሕጊ ብምኽታል ዕቝባ ምርካብ ይኽእሉ። እንተ ዘይረኺቦም ክሳብ ናይ መወዳእታ ጠቕላላ ቤትፍርዲ ጉዳዮም ንኽረአ ክሓትቱ ይኽእሉ።

ጠበቓ ሄኖክ፡ እዚ ከይዲ ቀሊል ከም ዘይኰነ ብምሕባር፡ "ጠበቓ የድልዮም'ዩ። እቲ ከይዲ ዝተሓላለኸ ስለ ዝዀነ፡ ብዙሕ ገንዘብ የድልዮምን፡" ይብል።

ብኻልእ ወገን ድማ ብቪዛ ዝመፅኡ፡ ምርመራ ተገይርሎም ብቱሪስት ወይ ብዝተፈላለየ ዓይነታት ቪዛ ናብ ኣመሪካ ዝኣተዉ፡ ናብ ቤትፍርዲ ዘይኰነስ ናብ ትካል ዩኤስሲኣይኤስ ብምኻድ ዕቝ ይሓትቱ።

እዞም ውልቀሰባት ክሲ ዘይኰነስ ከም ዝርርብ ዝመሰለ ቃለመሕትት ይግበረሎም። መብዛሕትኡ ግዜ ዘእምን ምኽንያት እንተ'ልይዎም ናይ ዕቝባ ሕቶኦም ተቐባልነት ይረክብ።

ሕቶኦም ውድቂ እንተዀይኑ ወይ እንተ ዘይተፈቒድሎም ግና፡ ናብ ቤትፍርዲ ስደተኛታት ተመሪሑ ዳኛ ንጉዳዮም ይርእዮ።

ጠበቓ ሄኖክ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ብቪዛ ናይ ዝኣተዉ ሰባት ሕቶ፡ 'ኣፈርማቲቭ ኣሳይለም ፕሮሰስ' ከም ዝበሃል፡ ብዶብ ጥሒሶም ናይ ዝኣትዉ ሕቶ ድማ፡ 'ዲፈንሲቭ ኣሳይለም' ከም ዝበሃል የረድእ።

ሕጊ ጥሒሶም ስለ ዝኣተዉ ኣብ ከይዲ፡ "ካብዛ ሃገር ክትባረሩ ኢኹም፤ ዘይትባረርሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ? ኣእምኑና፡" ዝብል ኣካይዳ እዩ ይብል እቲ ጠበቓ።

ዛጊድ ኣብ ዘሎ ከይዲ፡ ካብ 70 ክሳብ 80 ዝዀኑ ዜጋታት ኣመሪካ'ውን ብስሕተት ተታሒዞም ከም ዝተኣሰሩ፡ ጠበቓ ምሉኣለም ይገልፅ።

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣብዚ ዓመት ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ፡ ቤትፅሕፈት ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ፡ ዝዀነ ሰብ ብመልክዑ፡ ብዝዛረቦ ላዛ እንግሊዘኛ ወይ ብሕብሪ ቆርበትን ካልኦት ተመሳሰልቲ መፍለይታትን፡ ደው ኣቢሉ ምናልባት ንውሑድ እዋን ኣሲሩ መንነቱ ክሳብ ዘፃሪ ምምርማር ከም ዝኽእል ምውሳኑ ጠበቓ ምሉኣለም ይዛረብ።

ሰብሞያ ሕጊ፡ እዚ ብዙሕ ክትዕ ዘልዓለ ውሳነ እዩ፤ ኣብ ታሪኽ'ውን ካብ ሕማቓት ውሳነታት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኰይኑ ክጥቀስ ዝኽእል'ዩ ይብሉ።

 ዝህደኑ ስደተኛታት ዘርእይ ፎቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ይህደኑ ኣለዉ

ኣይስ ናይ ዕቝባ ሕቶኦም ኣብ ከይዲ ንዘሎ ስደተኛታት ክኣስር ይኽእል'ዶ?

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብሞያ ሕጊ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ኣብ ከይዲ ንዝርከብ ስደተኛታት ክኣስር ኣይኽእልን ይብሉ።

እቲ ምምሕዳር ክኣስር ዝኽእል፡ ሓደ ሰብ ዑቕባ ሓቲቱ ጉዳዩ እናተርኣየሉ እንከሎ ገበን እንተፈፂሙ፣ ስሩዕ ገበን እንተፈፂሙ ከም ዝኾነ የነፅሩ።

እቲ ካልኣይ ድማ፡ ብዶብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ቤት-ፍርዲ ኣመልኪቶም፡ ጉዳዮም ይረኣይ እንተሃልዩ በብግዚኡ ናብ ዝምልከቶ ቢሮ ብምቕራብ ሪፖርት ክገብሩ ይግባእ።

ብዶብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ተኣሲሮም ስለ ዝልቀቑ፡ ምስ ተፈትሑ በብግዚኡ ሪፖርት ክትገብሩ ኣለኩም ተባሂሎም ከም ዝእዘዙ፡ ጠበቓ ሄኖክ ገቢሳ ይዛረብ።

"እዚ 'ኦልተርኔቲቭ ዲቴንሽን' ዝበሃል እዩ። ኣብ ዝድለይሉ ግዘ ከይዶም ሪፖርት እንተድኣ ዘይገይሮም ሽዑ ንሽዑ ተታሒዞም ናብ ቤት-ማእሰርቲ ክኣትዉ ይኽእሉ'ዮም።"

እዚኦም ናብ ቤት-ማእሰርቲ ስደተኛታት እንተኣተዉ'ውን ግና፡ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኰይኖም ይከታተሉ።

ጠበቓ ሄኖክ፡ "እዚ ግና፡ ኣይስ ሒዝዎም ናብ ሃገሮም ይመልሶም ማለት ኣይኰነን" ብምባል የብርህ።

ዝኾነ ሰብ ናብ አሜርካ ኣትዩ ናብ ሃገሩ ንክምለስ ንምግባር ውሳነ ዳኛ የድልይ'ዩ ዝብል እቲ በዓልሞያ ሕጊ፡ "ካብ ቤት-ማእሰርቲ ኰነ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ወፃኢ ንጉዳዩ ተኸታቲሉ ንምፍፃም፡ ውሳነ ዳኛ የድልይ" ይብል።

ናብ አሜርካ ብሕጋዊ መገዲ ብቪዛ ብምእታው ሕቶ ዑቕባ ምቕራብ'ኸ ተዓፅዩ ድዩ?

ቤትፅሕፈት ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ ላዕለዋይ ፈለጥቲ ሕጊ ዝዀኑ ሄኖክ ገቢሳን ምሉኣለም ጌታቸውን ከም ዝብልዎ፡ ናብ ኣመሪካ ብሕጋዊ ቪዛ ብምእታው ሕቶ ዕቝባ ምቕራብ ይከኣል እዩ።

ጠበቓ ሄኖክ፡ እቲ ፕረዝደንት፡ ነቲ ኣብ 1980ታት ብኮንግረስ ዝፀደቐ ሕጊ 'ኢምግረይሽን ናሽናሊቲ' ናይ ምፍሓቕ (ምልዓል) ስልጣን የብሉን ይብል።

"ሕጊ ኮንግረስ ዝፍሕቕ፡ ባዕሉ እቲ ኮንግረስ ወይ ጠቕላላ ቤትፍርዲ ጥራሕ እዩ፡" ዝብል እቲ ጠበቓ፡ ዕቝባ ዝሓተቱ ሰባት ንዝተወሰነ ግዜ መልሲ ኣይወሃቦምን ጥራሕ ከም ዝተበሃለ ይዛረብ።

ጠበቓ ምሉኣለም'ውን፡ መሰል ዕቝባ ምሕታት ተዓፅዩ'ዩ ዝብል ሕጊ፡ ፖሊሲ ወይ ፕረዝደንታዊ ትእዛዝ (ኤክስኪዩቲቭ ኦርደር) ከም ዘይወፅአ የነፅር።

እዞም ጠበቓታት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ዕላዊ ካብ ዝገበረን 19 ሃገራት ብዛዕባ ዝመፅኡ ስደተኛታት፡ "ካብዘን ሃገራት ቪዛ ረኺብኻ ምምፃእ ከቢድ ኰይኑ ኣሎ፤ ዝዀነ ሰብ ቪዛ ከይረክብ'ውን ይኽእል'ዩ፡" ይብሉ።

ትራምፕ ኣብ ፈላማይ ዘበን ስልጣኑ፡ ኣብ ልዕሊ ሸውዓት ሙስሊም ሃገራት ክልከላ ኣንቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ድማ ንኤርትራ፡ ሶማልያን ሱዳንን ሓዊሱ፡ ካብ 19 ሃገራት ንዝመፅኡን ፍቓድ መንበርን ስራሕን ንዘለዎም ስደተኛታት ሰነዶም ዳግማይ ከም ዝምርመር ተገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ ነፋሪትን ኣውቶብስን ደው ዝበሉ ብዙሓት ስደተኛታት ዘርእይ ፎቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዘይሕጋውያን ዝተባሃሉ ስደተኛታት ካብ ኣመሪካካ ንኽወፅኡ ተገይሮም፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተወሲዶም

ብሰንኪ መርገፂ ትራምፕ ጉዳይ ሓተትቲ ዕቝባ ክጓተት ይኽእልዶ?

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፈላማይ ዘበን ስልጣኑ፡ ምምሕዳሩ "ኣብ መወዳእታ ዘመልከተ፡ ፈለማ ይረኣየሉ፡" ዝብል መስርሕ ተግባራዊ ገይሩ ከም ዝነበረ እቶም ጠበቓታት የዘኻኽሩ።

ነዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ድማ ብቕልጡፍ ንናይ ዕቝባ ሕቶኦም ብምዕፃው፡ ፍቓድ ስራሕ እንከይረኸቡ ካብ ኣመሪካ ዝወፅእሉ መንገዲ ንምጥጣሕ ከም ዝዀነ ጠበቓ ምሉኣለም ይዛረብ።

እዚ መስርሕ ኣብ ፈላማይ ዘበን ስልጣን ትራምፕ ንኽልተ ዓመታት ተግባራዊ ክኸውን ከሎ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ተቛሪፁ።

ትራምፕ ንኻልኣይ እዋን ምስ ተመለሰ ድማ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣሰራርሓ መሊሱ ተግባራዊ ክገብር ከም ዝጀመረ እዞም ጠበቓታት ይዛረቡ።

"ብዝገርም ኵነታት ተፃራሪ ኢና ንርኢ ዘለና፡" ዝብል ጠበቓ ሄኖክ ገቢሳ፡ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ንደሓር፡ ናብራ ንሓተትቲ ዕቝባ ከቢዱ ይብል።

ይዅን'ምበር፡ ብሕጋዊ መንገዲ ንዝኣተዉ ሰባት፡ ሕቶኦም ዝተኣናገደሉ ቅልጣፈ ኣዝዩ ከም ዝወሰኸ እዞም ሰብሞያ ሕጊ ይገልፁ።

ቀደም ብሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዉ ሰባት ቃለመሕትት ንኽግበረሎም ካብ 9 ክሳብ 10 ዓመታት እዮም ዝፅበዩ ነይሮም ዝብሉ እዞም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ጠበቓታት። ኣብዚ ግዜ'ዚ ግና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ንቓለመሕትት ክፅውዑ ከም ዝኽእሉ ይገልፁ።

ጠበቓ ምሉኣለም፡ 90 ሚእታዊት ዝዀኑ ሓተትቲ ዕቝባ ካብ 90 ክሳብ 180 መዓልታት ኣብ ዘሎ እዋን ንቓለመሕትት ከም ዝፅውዑ ይዛረብ።

ውሳነ ናይ ምርካብ ዕድሎም ድማ 50 ሚእታዊት ከም ዝዀነ ብምግላፅ፡ 50 ሚእታዊት ዝዀኑ ልዕሊ ሽድሽተ ወርሒ ይወስድ ይብል።

ጠበቓ ሄኖክ ድማ፡ "ፕረዝደንት ትራምፕ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኡ፡ ዘእምን መረዳእታ፣ ዘእምን ጉዳይ ዘለዎም ሰባት፡ ሓቀኛታት ሓተትቲ ዕቝባ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ወረቐት ዝረኸቡ ብዙሓት ዓማዊል ኣለዉኒ፡" ይብል።

ኢትዮጵያውያን ሓተትቲ ዕቝባ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ ይግበሩ?

ዶናልድ ትራምፕ፡ ሶማልያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ክነብሩ ከም ዘይደልይ ተዛሪቡ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ሶማልያውያን ስደተኛታት "ናብ ዝመፅእሉ ክምለሱ ኣለዎም። ሃገሮም ዘይትረብሕ ዝዀነት ብዘይ ምኽንያት ኣይኰነትን፡" ኢሉ።

ካልኦት ንሶማላያውያን ዘቈናፅቡ ርእይቶታት ብምሃብ ድማ ኣብ ልዕሊ ሶማልያውያን ስደተኛታት ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ተዛሪቡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ጠበቓታት፡ ሶማልያውያንን ኢትዮጵያውያንን ምፍላይ ኣፀጋሚ ከም ዝዀነ ይዛረቡ።

ጠበቓ ምሉኣለም፡ "መን እዩ ኢትዮጵያዊ ዝብል ንምፍላይ ኣፀጋሚ እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሶማሌ ኢትዮጵያውያን ኣለዉ። ኣብዚ ከይዲ'ዚ ኢትዮጵያውያን ይጕድኡ፡" ይብል።

ሰበስልጣን ቤትፅሕፈት ኢምግረይሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ፡ ናብ ሚኒያፖሊስ ምኻዶም ዘይተርፍ'ዩ ዝብል ጠበቓ ሄኖክ ብወገኑ፡ "ንዕኡ እዮም ዝዳለዉ ዘለዉ፡" ይብል።

ወሲኹ፡ "ኣብዚ ድማ ትውልደ ሶማልያውያን ጥራሕ ኣይኰኑን ዝጕድኡ። ዝዀነ ዕቝባ ዝሓተተ ሰብ ኣብዚ ኣጋጣሚ ክጥቃዕ ይኽእል'ዩ።"

ብሓፈሻ ጥንቃቐ ምግባር ከም ዘድሊ ዝዛረቡ እዞም ጠበቓታት፡ ኣብዚ ግዜ ጉዳዮም ይረኣይ ዘሎ ሓተትቲ ዕቐባ፡ ንባዕሎም ኣብ ካልእ ዓይነት ፀገም ከየእትዉ ይምዕዱ።

መኪና ኣብ ዝዝውርሉ እዋን ክጥንቀቑ፣ ሰትዮም ንኸይዝውሩ፣ ካብ ግቡእ ቅልጣፈ (ፍጥነት) ንላዕሊ ከይዝውሩ፣ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን ኣገዳሲ ሰነዶም ክሕዙ፣ ምስ ኣካላት ፀጥታ ባእሲ ከይፈጥሩ፣ ኣካላት ሕጊ ወይ ፀጥታ ደው እንተ ኣቢሎሞም ከይእሰሩ ብዝብል ንምምላጥ ከይፍትኑ ዝብሉ ከተግብሩዎም ካብ ዝግብኡ ጥንቃቐታት ከም ዝዀኑ፡ እቶም ሰብሞያ ሕጊ ይገልፁ።

ናይ ዕቝባ ሕቶኦም ይረአ ዘሎ ስደተኛታት፡ ፍቓድ ስራሕ ወይ ቅብሊት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንኣካላት ፀጥታ ምርኣይ፣ ቪዛኦም ምርኣይ ከም ዝጠቕሞም ይምዕዱ።

ምስ ሰብ ሓዳሮም ወይ ናይ ፍቕሪ መፃምዶም ዘይምብኣስ'ውን፡ ትዅረት ኣካላት ፀጥታ ንምንካይ ከም ዝሕግዞም ወሲኾም ይገልፁ።

እንተ ተታሒዞም ግና፡ ሽዑ ንሽዑ ናብ ጠበቓ ኢምግረይሽን ክድውሉ ይግባእ።

ኵሉ ግዜ ናይ ጠበቓ ቍፅሪ ስልኪ ሒዞም ክንቀሳቐሱን ኣብ ቀይዲ እንተ ኣትዮም፡ ብቕልጡፍ ንጠበቕኦም ከፍልጡ ከም ዘለዎም እዞም ሰብሞያ ሕጊ ይምዕዱ።