ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መቐለ፡ ‘ዕርቂ ኽፍጸም ጽኑዕ ተስፋ ኣለና’

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, Tigrai Television/FB

ብፓትርያርክ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ዝምራሕ ጉጅለ ጳጳሳትን ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን ሎሚ 10 ሓምለ 2023 መቐለ ኣትዩ ምስ መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተዛትዩ።

እቲ ጉጅለ ምስ ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ከምዝተራኸበ ተሌቭዥን ትግራይ ሓቢራ።

ሊቀ ጳጳስ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ኢትዮጵያ ኣቡነ ማትያስ፡ ሓደ ዕላማ እቲ ምብጻሕ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ከቢድ ግፍዕን መከራን ኣብ ግምት ብምእታው ቅዱስ ሲነዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ይቅርታ ንኽትሓትት ከም ዝዀነ ገሊጾም።

“ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ፡ ዝወረደ መቕዘፍቲ ሓዱሽ ነገር’ዩ ኰይኑና ንኹልና”።

“እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ’ኳ እንተነበረ፡ ንምዝታይ ናብዚ ዝመጻናሉ ምኽንያት ንሰላም’ዩ።”

ብተወሳኺ “ዝሓለፈ ይኣክል . . . ደጊም ሰላም ፈጢርና ብሰላም ንኽንነብር ጸሎት ኩላትና እዩ” ብምባል ምስ ቅዱሳን ኣበው ላዕለዋይ ቤት ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ትግራይ ተራኺቦም ክዝትዩ ከምዝመፁ’ውን ሓቢሮም።

እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ብሰላም ደው ክብል ጻዕሪ ንዝገበሩ ኣካላት ዘለዎም ምስጋና’ውን ገሊጾም።

“ብሸነኽ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ጉዳይ ግን ኩልና ጻዕሪ ምግባር ኣገዳሲ’ዩ” ክብሉ ዕርቂ ንኽፍጸም ተስፋ ከም ዘለዎም ኣመልኪቶም።

ኣይተ ጌታቸውን ኣቡነ ማትያስን ብዛዕባ ምምፃእ ጳጳሳት እቲ ሲኖዶስ ከም ዝተዛተዩን እቲ ዘተ’ውን ስምምዕ ሰላም ንምጉልባት ግደ ከምዘለዎን ከም ዝተሰማምዑ ተገሊጹ ዘሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ተሌቭዥን ትግራይ፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ቤተ ክርስትያን መንበረ ሰላማ ትግራይ ከም ዝዘተዩን ኣብ ውሳነ እታ ቤተ ክርስትያን ጣልቃ ከም ዘይኣትውን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ምስ ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት፡ ቅዱስ ሲነዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ብዝተሓሓዝ ንህዝቢ ትግራይ ይቕሬታ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ።

እቲ ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ድሕነት ኣቦታትን ኣመንትን እታ ቤተክርስትያን ንምውሓስ ዝግባእ ጻዕርታት ዘይምግባሩ ከምዝጠዓሶ’ዩ እቲ ሲነዶስ ገሊጹ ነይሩ።

"ኲናት ደው ኢሉ ሰላም ካብ ዝወርድ ጀሚሩ፡ ብቅዱስ ሲነዶስ ዝተወሰነ ሰብኣዊ ደገፍ፡ ብመሰረት እቲ ውሳነ ኣብ ግዚኡ ከተብጽሕ ዘይምኽኣላ፡ በዚ ዝተላዕለ ድማ፡ ኣብ መንጎ እታ ቤተክርስትያንን ህዝቢ ትግራይን ዝተፈጥረ ቅሬታን ዘይምርድዳእን፡ ቅዱስ ሲነዶስ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ" ይብል እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ።

እታ ቤተክርስትያን ዝግብኣ ዘይምግባራ ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብጳጳሳት፡ ካህናትን ኣመንትን ተሪር ነቐፌታ ክቐርበላ ጸኒሑ'ዩ።

ብሰንኪ'ዚ ድማ፡ ካብ ሲነዶስ ወጻኢ፡ ናይ ባዕሎም "ቤተ-ክህነት" ብምቛም፡ ጳጳሳት ከምዝሾሙ ኣፍሊጦም ነይሮም'ዮም።

እቲ ኲናት ኣብ መወዳእታ 2022 ብስምምዕ ደው ካብ ዝብል ንድሓር፡ ሲነዶሰ ኢትዮጵያ ምስቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ንምትዕራቕ ጻዕርታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።