ቅልውላው ትግራይ፡ ምጥያሽ ክልላዊ ቤተ ክህነት ካብቲ ሲኖዶስ ምፍላይ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝኾኑ ጳጳሳትን መራሕቲ ሃይማኖትን ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ናይ ርእሶም ጠቕላይ ቤተ ክህነት ከም ዘጣየሹ ክልላዊ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን እየን።
እቶም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ብሰንኪ'ቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እቲ ዋና ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበጽሑ ግህሰታት ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነት ዝበጽሐ ዕንወትን ኣይኾነኖም ብምባል ሓድሽ ቤተ ክህነት ንምምስራት ከም ዝተገደዱ ተዛሪቦም።
እቶም ብክልላዊ ቴሌቪዥን ዝቐረቡ መራሕቲ ሃይማኖት "ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ደጊፉን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ኣመንትን መጥቃዕቲ እንትበጽሕ ትም ኢሉን እዩ" ክብሉ ተሰሚዖም'ዮም።
ጠቕላይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።
ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስ ተጀመረ "እቶም ፓትሪያርክ [ኣቡነ ማትያስ] እቲ ዝበጽሕ ዘሎ ንምዝራብ በቲ ናይታ ቤተክርስቲያን ሚዲያ ከይተረፈ ተኸልኪሎም'ዮም። ኣብ ትግራይ ድማ ካብ ኣክሱም ጀሚሩ ክሳብ ማርያም ደንገላት ኣብ ልዕሊ ቤተክርስቲያን፣ ኣቦታትን ምእመናንን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ በሰላታት ኣሕዲሩ" እዩ ብምባል እቲ ጉዳይ ነዚ ተበግሶ ከንቅሎ ከም ዝኽእል ይዛረብ።
እቶም ፓትሪያርክ ኣብ ወርሒ ጉንበት 2021 ብቋንቋ ኣምሓርኛ ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ጸገማት እንተሃለው'ውን፡ "ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣረመነኔት ጠጠው ንክብል ብዙሕ ግዘ ፈቲነ ኣይኮነለይን፤ ፍቓድ ኣይተዋህበንን" ምባሎም ይዝከር።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ኣክሱም ሓዊሱ ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣብያተ እምነትን ቅርስታቶምን ዝምታን ዕንወትን ክፍጸም እንከሎ ኣቕሽሽቲ፣ ዲያቆናትን መዘምራንን ዝርከቡዎም ኣመንቲ ተቐቲሎም'ዮም።
በቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐን ዝቕጽል ዘሎን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ትሸዓተ ሚልዮን ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮም እቲ ትካል ገሊጹ'ሎ።
እዚ ሰፊሕ ምፍንቓልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ዘስዓበ ኮይኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት'ውን ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።
ምጥያሽ ቤተ ክህነት ዝህቦ ምልክት
ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ከርስቲያን ክልተ ወሰንቲ ኣካላት ከም ዘለው ይገልጽ።
እቲ ሓደ ብፓትሪያርክ ዝምራሕን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዝውስንን ሲኖዶስ ኮይኑ ስራሕቲ ምሕደራ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝውግን ቤተ ክህነት ድማ እቲ ኻልኣይ እዩ።
"ክሳብ ሕጂ ድማ ብመሰረት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ሓደ ቤተ ክህነት እዩ ዘሎ። እቲ ዋና ቤተ ክህነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ናቱ ጨንፈራት ዝኾኑ ሃገረ ስብከት ኣለዎ። እዚ ሃገረ ስብከት ብኣባል ሲኖዶስ ዝኾነ ጳጳስ ዝምራሕ'ዩ" ክብል የረድእ።
ምጥያሽ ቤተ ክህነት ትግራይ ድማ ምስቲ ሲኖዶስ ክዋቓዕ የብሉን ዝብል ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ እቲ ዝርኣይ ዘሎ ምዕባለ ንኡሽቶ እኳ እንተዘይኮነ እቶም ጳጳሳትን ካልኦት መራሕቲ ሃይማኖትን "ካብዚ ሓሊፎም ሲኖዶስ ናብ ምጥያሽ እንተኸይዶም ብዕሊ ተፈሊና ኣለና ይብሉ ኣለው ማለት እዩ" ኢሉ።
ስለዚ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ኣቦታት ዘሕለፉዎ ውሳነ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ክወስዱዎ ድዮም ወይስ ኣብቲ ምሕደራ እዮም ከጸንሑ፣ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ጠቕላይ ቤተ ክህነትን ሲኖዶስን'ከ እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ እዮም ክህቡዎ ዝብል ምጽባይ ከድሊ እዩ ይብል።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት መራሕቲ ሃይማኖት ኦሮሚያ፡ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት ኦሮሚያ ክቐውም ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ይዝከር።
እንተኾነ ቅዱስ ሲኖዶስ እቲ ሕቶ ከውግዞ እንከሎ 'እቲ ሕቶ ዘቕረበ ጉጅለ ካብ ተግባሩ ክእርነብ ብጥብቂ የተሓሳስብ' ኢሉ ነይሩ።
ኣብቲ ግዜ፡ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት ኦሮሚያ ንምጥያሽ ሕቶ ዘቕረቡ ውልቀሰባት ኣብቲ ክልል ንዝህቡዎ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ተበጻሒ ንምግባር መሓሙር ከም ዘድሊ ብምግላጽ ብቋንቋ ኦሮምኛ ኣገልግሎት ዝህብ ክልላዊ ቤት ጽሕፈት ቤተ ክህነት ምቛም ኣድላዪ'ዩ ክብሉ ተኻቲዖም ነይሮም።
እቲ ዝተላዕለ ሕቶ ግን "ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ዝኸፋፍል'ዩ" ብምባል ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶሶክሳዊት ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣውጊዙዎ እዩ።
መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን "ጠቕላሊ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ስለ ዝጠለመና ናይ ትግራይ ክነጣይሽ ተገዲድና ኢና፤ ህዝቢ ትግራይ ክመውት እንከሎ እውን ኣይኾነኑን . . . ግደፉ ኣይበሉን፤ ኣብ እዋን ጥምየትን ኲናትን ዘይሕግዙና፣ ኣበይ ኣለኹም ዘይብሉና እንተኾይኖም ድማ ርእስና ክኢልና ክንነብር ኢና" ኢሎም።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝርኣይ ዘሎ ምዕባለ'ውን ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተላዕለ ምጥያሽ ቤተ ክህነት ዝመሳሰል ከም ዝኾነ ዝጠቅስ ፕሮፌሰር ጌታቸው፡ እቲ ዋና ቤተ ክህነትን ሲኖዶስ ነዚ ቅርታ ብእወንታ ክቕበሎን ንቤተክርስቲያን ክኸፋፍሉ'ዮም ብምባል ብኣሉታ ከይወስዶ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።
ካብዚ ሓሊፉ፡ "እቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ጳጳሳት ኣባላት እቲ ሕጂ ዘሎ ሲኖዶስ እዮም፤ በዚ ምኽንያት እቲ ሲኖዶስ ከውጽኦም ድዩ ወይስ ባዕሎም ከውጽኡ ከኣ ገና ዘይርኣናዮ ነገር እዩ" ይብል።
ስራሕን ሓላፍነትን ቤተ ክህነት
ሽዱሽቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ማለት ግብጺ፣ ሶርያ፣ ህንዲ፣ ኣርመንያ፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ኣፈላላይ የብለንን።
መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ድማ፡ ክሳብ ናይ ባዕሎም ሲኖዶስ ኣጣይሾም ፓትሪያርክ ክሳብ ዘይሃለዎ ካብ ተዋህዶ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ዝተፈለየ ሃይማኖታዊ ስርዓት ከም ዘይህልዎምን እቲ ቤተ ክህነት እዚ ዓይነት ስልጣን ከም ዘይብሉን ሙሁራት ይገልጹ።
ፕሮፌሰር ጌታቸው ኣሰፋ ከም ዝብሎ እንተኾይኑ፡ ቤተ ክህነት ስራሕቲ ምሕደራ ዝውግን እዩ።
እዚ፡ እቶም ኣብቲ ክልል ዘሎ ሃገረ ስብከት እንታይ ይሰርሕ፣ ካብ ወረዳ ክሳብ ጣብያ መን ይሽወም ዝብልን ምስ ባጀትን ካልእን ዝተሓሓዙ ጉዳያት ዝውስን እዩ።
ብኻልእ ወገን ከም ቀኖና፣ ዶግማ ዝብሃሉ መሰረት እምነት እታ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ሃይማኖታዊ ጉዳያት በቲ ሲኖዶስ ይውሰኑ።
ንኣብነት፡ "ኣብ ውሽጢ እቲ ሃይማኖት ሓድሽ ነገር እንተመጺኡ'ሞ ምስ ኦርቶዶክስ ይኸድ ድዩ ኣይኸይድን ኢልካ ምምሃር ወይ ምእማን ዝፈሊ ወይ ድሕሪ ሕጂ ናብ ቤተ ክርስቲያን ጫማ ገይርካ ክእቶ ክፍቀድ ኣለዎ ክብሃል እንተኾይኑ ሓንቲ ቤተክርስቲያን ወይ ቤተ ክህነት ዘይኮነ ብሲኖዶስ'ዩ ዝውሰን። ኣብ ትግራይ ኣብኡ ኣይተበጽሐን። በቲ ምሕደራ ንበይነይ ኮይነ ኣለኹ ምባል ግን ቀሊል ዝኾነ ምዕባለ ኣይኮነን" ብምባል ኣረዲኡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







