ሃይማኖት፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ሕቶ ኮሚቴ ምጥያስ ቤተ ክህነት ኦሮሚያ ወጊዙ

ፓትሪያርክ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ምንጪ ስእሊ, Sergei Fadeichev

መግለጺ ስእሊ, ፓትሪያርክ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ሕቶ ኮሚቴ ምጥያስ ቤተክህነት ኦሮሚያ ከም ዘውገዘ፡ ፓትሪያርክ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

እቶም ፓትሪያርክ፡ "እዚ ሕቶ ዘቕረበ ጉጅለ ካብ ግብሩ ክእርነብ እቲ ሲኖዶስ ብጥብቂ የተሓሳስብ" ኢሎም።

እታ ቤተክርስቲያን ባህሊ፣ ቋንቋን ብሄርን መሰረት ከይገበረት ብዘይ ኣድልዎ ኣገልግሎት ትህብ'ያ ዘላ ዝበሉ እቶም ፓትሪያርክ፡ መጽሓፍቲ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ብቋንቋ ኦሮሚኛ ከም ዝተዳለው ገሊጾም።

እቲ ዝተልዓለ ሕቶ ግን "ሃገርን ቤተክርስቲያንን ዝኸፋፍል'ዩ" ክብሉ ወጊዞሞም።

ካብ ማእኸል ህዝቢ ኦሮሞ ዝተረኸቡ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገልግሎት ዝህቡሎም ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ጽሕፈት ኣብ ትሕቲ እቲ ሃገረ ስብከት ከም ዘለው ኣቡነ ማቲያስ ተዛሪቦም።

እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ግን፡ "በዓል ውዕለታ እታ ቤተክርስቲያን ዝኾነ ክቡር ህዝቢ ኦሮሞ፡ ቤተክርስቲያን ከም ዘግለለቶን ብትልሚ ከም ዝበደለቶን ዘምስል'ዩ' ክብሉ ገሊጸሞ።

ቤት ጽሕፈት ቤተክህነት ኦሮሚያ ንምጥያስ ሕቶ ዘቕረቡ ውልቀሰባት፡ ብኣካል ናብቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ቐሪቦም ከረድኡ ተሓቲቶም ከም ዝተመያየጡ ዝገለጹ እቶም ፓትሪያርክ፡ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ነዚ ጉዳይ ኣጻርዩ ውሳነ ከም ዝህብ እንተፍለጠ'ውን፡ ካብ ኣፍልጦ ቅዱስ ሲኖዶስ ወጻእ መግለጺ ምሃቦም ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።

እቶም ውልቀሰባት፡ "ይቕሬታ ንምሕታት ምስ ካልኦት ኣባላተ ኮሚቴ ዘቲና ክንምለስ ኢና" ኢሎም።

ብመሰረት ዘቕረቡዎ ሕቶ ንሎሚ 2 ጳጉሜን 2011 ዓ.ም [7 መስከረም 2019] ቖጸራ እንተነበሮም'ውን፡ ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ሊቀ ኣእላፍ ቀሺ በላይ መኮንን ከም ዘይተረኸቡን፡ ክልተ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ድማ ድሒሮም ከም ዝመጹ እቶም ፓትሪያርክ ሓቢሮም።

ኣቡነ ማቲያስ ወሲኾም፡ እዞም ውልቀሰባት ሕጋዊ ስልጣን ከይሓዙ ኣርማ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ተዋህዶ፣ ማሕተምን መጸውዒ ሽምን ብምጥቃሞም፡ ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ኢሎም።

"መምርሒ ሕጊ ኣገልግሎት ቤተክርስቲያንና፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ዘይሕጋዊ ውልቀሰባት ክሲ ብምምስራት መሰል ረብሓን እታ ቤተክርስቲያን ንክኽበር ቅዱስ ሲኖዶስ ኣዚዚ ኣሎ" ኢሎም።

ትማሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ከም ዝዘተዩ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብትዊተር ሓቢሩ ነይሩ።