ኤርትራ፡ ማእሰርቲ ተኸተልቲ እምነት ሚስዮን ኣብ ከተማ ከረን

ምንጪ ስእሊ, Mary Harper
እቶም ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ከረን ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኣስሩ ተኸተልቲ እምነት ሚስዮን ቤተክርስትያን (ፌዝ ሚሽን) ኣብ ሓሽፈራይ ተወሲዶም ከም ዘለዉ ሓደ ካብ ቤተሰብ ግዳያት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቶም ኣዴታት ምስ ዝጠብዉ ህጻናት ደቀን፡ ዓበይቲ ሽማግለታት ዝርከብዎም ግዳያት ማእሰርቲ፡ ኣብ ሓሽፈራይን መደበራት ፓሊስ ከረንን ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
"ዕድሚኦም እንተዝነግረካ፡ ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ሰብኣይ ኣሎ ኣብኡ፡ ዝጠብዉ ህጻናት'ውን ኣለዉ፡ ሰብሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን ምስደቆም ተወሲዶም ኣለዉ" ይብል ሓደ ካብቶም ቤተሰቦም ተኣሲሮም ዘለዉ።
"እቶም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰብኣይ'ውን፡ ጓሉ፡ ሰብኣይ ጓሉን ጓል ጓሉን ተኣሲሮም ኣለዉ" ኢሉ።
ኣባላት ጸጥታ ኣብ ዝሓለፈ "ሰንበት ንጉሆ ንኣምልኾ ተኣኪቦም እንከለዉ፡ በፊንስትራን ገለን ከቢቦም ኣትዮሞም"።
እተን ካብ 18 ዓመት ንታሕቲ ዝዕድሚአን፡ ምስ ኣዴታተን ክኾና ዘየድልየን ግን ኣይተኣሰራን።
እቶም ኣባላት ጸጥታ ንብረት ናይቲ ቤተክርስትያን ብመኪና ጽዒኖም ከም ዝወሰድዎን፡ ናይቲ ቤተክርስትያን ጥረ ገንዘብ'ውን ከም ዝሃገርዎ እቲ ምንጪ ተዛሪቡ።
"ንመብዛሕትኦም ናብ ሓሽፈራይ ወሲዶሞም ኣለዉ፡ ፈልዮም ከኣ ምናልባት ኣብ መሪሕነት ዘለዉ'ዮም ዝበልዎም ኣብ ከረን ኣብ እንዳ ፓሊስ ሒዘሞም ኣለዉ"።
ሓሽፈራይ፡ ሓደ ካብቶም ብዘይፍርዲ ሰባት ዝእሰርሉ ዝኸፍኡ ኣብያተ ማእሰርቲ ምዃኑ ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኤርትራውን ይገልጹ።
እምነት ሚስዮን ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ካብተን ዝተዓጽዋን ዝተኣገዳን እምነታት'ያ።
ይኹን እምበር ኩለን እተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ዝርከባ ጨንፈራት ናይታ ቤተክርስትያን፡ ዘይተዓጽወ ቤት ትምህርቲ ኣለወን።
ስለዚ እቲ ምትእኽኻብ ወግዓዊ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ቤት ጸሎት "ቻፕል" ተዓጽዯም እናጸለዩ እንከለዉ'ዮም፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ "ወሪሮሞም"።

ምንጪ ስእሊ, Mary Harper
ኣብ ግንቦት 2002 መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ኢቫንጀሊካውያን ጴንጠቆስታል ኣብያተ ክርስትያናት ድሕሪ ምእጋዱ፡ንመራሕተንን ኣባላተንን ክኣስር ጸኒሑ'ሎ።
ኣብተን ዝተፈቕደለን ሃይማኖታት'ውን እንተኾነ ምትእትታው ከም ዝገብርን፡ ንገለ ኣባላተን ከም ዝኣስርን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይዛረቡ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ንትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ምዕጻዉ፡ ጉባኤ ጳጳሳት ናይታ ቤተክርስትያን ኣብ ኤርትራ ከም ግብረመልሲ ናይቲ "ዘሕዝን" ዝበልዎ ስጉምቲ ናይ "ጸሎትን ምህለላን" እዋን ኣዊጆም ኣለዉ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን'ዚ ድማ፡ ሓንቲ ድንግልን ካልኣያን ኣብ ሓመልማሎ፡ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ዝርከብ ዝተዓጽወ ማእከል ጥዕና ብኣባላት ፓሊስ ተኣሲሮም ነይሮም።
እቶም ጳጳሳት ኣብ ኤርትራ ለውጢ፡ ሰላም፡ ፍትሒን ዕርቅን ክረጋገጽ ክጽዉዑ ምጽነሐም ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







