መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ምሕፅንታ ቀሪቡሎም

ሊቃ ጳጳሳት ኣቡነ ማትያስ ሓዊሱ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሰላም ክወርድ ጻውዒት ገይሮም
መግለጺ ስእሊ, ሊቃ ጳጳሳት ኣባ ማትያስ ሓዊሱ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ሰላም ክወርድ ጻውዒት ገይሮም

መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ቀሪቦም ሰላም ንኽወርድ ቃል ንኽኣትዉ ተሓቲቶም። ክልቲኦም መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ቀሪቦም ንምዝርራብ ድልውነቶም ኣረጋጊፆም። እቲ ምሕፅንታ'ዚ ብሊቃ ጳጳሳት ኣባ ማትያስ ካብ ዝምራሕ ተወከልቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኢትዮጵያ እዩ ቀሪቡ።

እቶም መራሕት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ሎምዓልቲ ቅድሚ ፋዱስ ናብ ከተማ መቐለ ብምኻድ ምስ አመሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካል ተራኺቦም ምሕፅንታኦም ከምዘቕረቡ እቲ ዋዕላ ዝከታተል ዘሎ ሪፖረትር ቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣካል እቲ ጉጅለ ዝኾነ ወ/ሮ ማርያ ዝተበሃላ ወላዲት፡ "ኣብዚ ሰዓት'ዚ ኣብ ዩኒቨርሲታት ትግራይ ዘለዉ ተምሃሮ ጥራሕ እዮም ብሰላም ዝመሃሩ ዘለዉ። ኣብ ካልኦት ኣብ ኩሉ ሰላም ስኢኖም ይሕመሱ ኣለዉ። እዚ ድማ ንኣደታት ምሒር የቑስለና'ሎ" ኢለን ንብዓተን እናዓገታ።

ዶ/ር ደብረጽዮን ብግዲኦም "ፖለቲካዊ መራሕቲ ግቡእና ስለ ዘይሰራሕና ኢኹም መልእኽቲ ሰላም ሒዝኩም ትፅዕሩ ዘለኹም" ብምባል ነቲ ዘቐረበ ፃውዒት ኣመስጊኖም።

"ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ሎሚ እውን መስዋእትነት ይኸፍል'ሎ። ማእኸላይ መንግስቲ ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘሚቱ'ሎ።ብረት ምልዓል ኣይጠፈአናን" ኢሎም።

ምሕጽንታ ዘስመዓ ወላዲት ወ/ሮ ማርያ
መግለጺ ስእሊ, ምሕጽንታ ዘስመዓ ወላዲት ወ/ሮ ማርያ

"ነዚ ህዝቢ እዚ እንታይ ግበር ኢኹም ትብልዎ ዘለኹም" እንትብሉ ዓገብ ክበሃል ንዘለዎ ኣካል 'ዓገብ በልሉና' ኢሎም ብጊደኦም ተማሕፂኖም። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓሌት ዝፈለየ መጥቓዕቲ ክሳብ ጠጠው ዘይበለ ገና ብዙሕ መዘዝ ከምዝህልዎ ስግኣቶም ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝኸድዎ ከባቢ፡ ህዝቢ "ፖለቲከኛታት እዮም ዘባእሱና ዘለዉ 'ምበር ንሕና ከምህዝቢ ፀገም የብልናን" ከምዝበሎም እቶም ተወክልቲ ገሊፆም።

እቲ ጸገም፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ውድባት ኢህወዴግ ሕብሕብኢተይን ምጥልላምን ዝወለዶ ኣፈላላይ ከምዝኾነ ድማ ዶክተር ደብረፅዮን ገሊፆም።

ሕቶ ልዝብ

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ካብቶም ሽማግለ ዓዲ፡ ምስ መሪሕነት ክልል ኣምሓራ ኣቀራሪብና ክነዛትየኩም ብዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ "ድንቂ ፊት ንፊት ኣራኺብኩም ኣዛትዩና" ብምባል ድልውነቶም ገሊፆምሎም።

"ንኣይተ ገዱ ናብ ዝደለዮ መጺአ ክንዛተ ፍቓደኛ ከምዝኾንኩ ገሊፀሉ እየ" ኢሎም።

ዶ/ር ደብረጽዮን፡ መንግስቲ ትግራይ ብምይይጥ ከምዝኣምን ብምግላፅ "እዚ ጉዳይ ጉዳይ ሃገር ኮይኑ እዩ እምበር ናባኹም ዘብፅሕ ኣይምነበሮን: ባዕልና ክነፍትሖ ዝግባእ እዩ ነይሩ" ብምባል ንዘተን ዝርርብን ቅሩብ ከምዝኾኑ ኣስሚረምሉ።

ዶክተር ደብረፅዮንን ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸውን፡ ተራኺቦም ክዝትዩ ቀቃል ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, PM office ETH

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ደብረፅዮንን ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸውን፡ ተራኺቦም ክዝትዩ ቀቃል ኣትዮም

እቶም ተወከልቲ ቅድሚ ናብ መቐለ ምምፀኦም፡ ምስ መራሕቲን ህዝብን ክልል ኣምሓራ ተራኺቦም መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

"ኣይተ ገዱ እውን ምስ ሓወይ ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ንምዝርራብ ድልዊ እየ" ከምዝበሉዎም እቶም ተወከልቲ ተዛሪቦም።

ክልላት ኣምሓራን ትግራይን፡ ብሰንኪ ሕቶ ይግበአኒ ወሰንን ሕቶ መንነትን፡ ርክቦም ሓርፊፉ ፀኒሑ።

እቲ ውጥጥ ናብ ዘየድሊ ብርኪ ከይበጽሕ ድማ ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።